ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ስደተይናታት ምቕባል ንቕድሚት ኣብ ዘሰጒም መገዲ መጻኢ ይመርሕ

ቅዱስነቶም፥ እቶም ካብ ሃገሮም ብዘጋጥሞም ሓደገይና ኩነታት ተደሪኹም ዘምልጡ ኣማኢት ሰባት ኣብተን ዘአንግድዎ ሃገራት ብሰላም ብሕጊ ብክብሪ ክበጽሑ ዝኽእል “ንተስፋ ብዙሓት ዘተዓናቕፍ ናይ ሸለልትነት መናድቕ” ዘፍርስ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 መጋቢት ቀዳም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ “ብሰብኣዊ መተሓላልፎ” መደብ ኢጣሊያ ንዝኣተዉ ጉጅለ ስደተይናታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “ተበግሶ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክብሪ ስደተይናታት ዝሕሉ ናይ ሸለልትነት መናድቕ ዘፍርስ ኣብ ኤውሮጳ ንመጻኢ ተስፈይና ራእይ ዝህብ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመደብ “ሰብኣዊ መተሓላልፎ” ኣቢሎም ኤውሮጳ ንዝእተዉ ምስ ጉጅለ ስደተይናታትን ስድራ ቤቶምን ከምኡ እውን ምስ ወከልቲ ተቐበልትን ኣለይትን ስደተይናታት ማሕበረሰባት፥ ዕለት 18 መጋቢት ከም እተራኸቡን፡ እዚ ተበግሶ እዚ ብካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ብፈደራላውያን ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብ ቫልደዝን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኢጣሊያን ብደገፍ ዝተፈላለዩ መንግስታት ሃገራት ኤውሮጳ ዝዳሎ ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

 “ሰብኣዊ መተሓላልፎ” ንስደተይናታት ውሑስ ሰብኣዊ መገዲ እዩ

ኣብ 2016 ዓ.ም. ብዘጋጠመ ሞትን ሃለዋት ምጥፋእ ብዙሓት ስደተይናታት ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ መዲትራኒያን ምኽንያት ዝተነቓቐሔን ሓደገይና ጉዕዞታት ከይህሉ ንምግባር ሃቂኑ “ሰብኣዊ መተሓላልፎ” ዝብል ሕጋውን ውሑስን መእተዊ ፍቓድ ንምሃብ ዝዓለመን፡  እዚ እውን ናይ ዘእንግዳ ሃገራት ብዘድሊ ጸጥታዊ ቁጽጽር ናብ ኢጣሊያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ዕድል ዝህብን ኮይኑ፡ በዚ ውጥን መሰረተ እዚ እውን ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 5,300 ስደተይናታት ናብ ኢጣሊያ  ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ከም ኣተዉን ብጀካ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣተዉን ከምኡ እውን ኣብ ኡክረይን ኲናት ካብ ዝባራዕ በዚ መደብ መሰረት ብሓገዝ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ 1,800 ዩክረይናውያን ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ከም ዝኣተዉ ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቶም ካብ ሃገሮም ብዘጋጥሞም ሓደገይና ኩነታት ተደሪኹም ዘምልጡ ኣማኢት ሰባት ኣብተን ዘአንግድዎ ሃገራት ብሰላም ብሕጊ ብክብሪ ክበጽሑ ዝኽእል “ንተስፋ ብዙሓት ዘተዓናቕፍ ናይ ሸለልትነት መናድቕ” ዘፍርስ፡ እቶም ስደተይናትታ ኣብ መሪርን ዘይጽወርን ኩነታት ንዓመታት ተዓጊቶም ንኸይተርፉን ንዝገደደ ስቓይ ንኸይዳረጉ ዝገብር ሰብኣዊ መደብ ምዃኑ ኣብሪሆም፥

“ሰብኣዊ መተሓላልፎ” ንኤውሮጳ ናይ መጻኢ ኣብነት እዩ

ዋላ እኳ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ክህሉ ዝድርኽ ሓደጋታት ንምውጋድ ግብራዊ መገዲ ምንዳይ ግድን እንተኾነ ነቲ ካብ ሓደጋ ዘምልጥ ሰብኣዊ ፍጥረት ብሕጋዊ ኣገባብ ንኽስደድ መዓጹ ዘርህው ኣገባብ ንምስፋሕ ገና ብዙሕ ጻዕሪ የድሊ፥ ውሑስን ስሩዕን ስርዓታውን ዘላቕን ስደት ኵሉ ግዜ ንረብሓ ኩለን ሃገራት እውን ምዃኑ ገሊጾም፡ እዚ ኣፍልጦ እዚ እንተዘይሃልዩ ፍርሒ ክነግስን መጻኢ ሰባት ምሕካኽን መሰናኽላት ክነግስ ምግባር እዩ ዝኸውን፡ ነቶም ኣዚዮም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ምቕባል “ንኤውሮጳ ንቕድሚት ዘሰጒም መገዲ እዩ . . . ፍርሒ ኣብ ዘይብሉ ራእይ ክትጓዓዝ ዝገብር እዩ፥”

ናብ ገዛእ ርእስኻ ወይ ናብ ባህልኻ ነቲ ካልእ መውሓጥ ሓድሽ ተስፋ ዝህብ ቅኑዕ መገዲ ኮይኑ ኣይፈልጥን

ኣገዳስነት ‘ውህደት’

ስደተይናታት ንምሕጋዝ ምውህሃድ ኣገዳሲ እዩ፡ ስደተይና ምቕባልን ስዒብ እውን ኣብ ዝተኣንገዶ ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ ንኽነብር ዘኽሎም ዕድላት ክቐርበሉ ምግባር፡ ክህሉ ዝኽእል ዘይምርድዳእን ከይተላለኻ ምንባር ካብ ዝድርኽ ኩነታት ዘናግፍ ምዃኑ ኣብሪሆም፥  ነቶም ነዚ መደብ ዘሳልጡ፥

ስለ ጻዕርታትኵም ኣዝየ አመስግነኩም . . . ንመጻኢ ክፉት ዝኾነ ገጽ ኤውሮጳ እተርእዩ ኢኻትኵም!

ቢሎም ተወፋይነት ዝሓትት ጻዕሪ እውን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሰብኣዊ መተሓላልፎ ከም ምልክት ሓድነት ክርስትና

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ “ሰብኣዊ መተሓላልፎ ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ዝካፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓድነት ዘርኢ መስተንክር ምልክት እዩ” ቢሎም፥ ነቶም በዚ መደብ ሰብኣዊ መተሓላልፎ ናብ ኢጣሊያ ዝኣተዉ ጉጅለ ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታት ምዉቕ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ “ኣብተን እትነብሩለን ሃገራት ሕግታተንን ባህለንን ከተኽብሩ እትህነጹለን ሃገራት በረኸት” ምዃነን ኣስተብህሉ፥ ሓደስቲ ባህልታትን ቋንቋታትን እትመሃርሉ እዩ፥ ንስካትኵም እውን ብተራኹም ኣአንገድቲ ኵኑ . . . ጻዕርታትኵም ሰናይ ኣብነትኵም ብዛዕባ መጻእተይና ክህሉ ዝኽእል ፍርሕን ስግኣትን ዝኣልይ እዩ . . . ኵላትና ብትብዓትን ጽንዓትን ሓቢርና ናብ ብሩህ መጻኢ ዝወስድ መገዲ ክንሃንጽ ዝተጸዋዕና ኢና” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 March 2023, 15:53