ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ! ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ!  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ስጉምቲ ዝጠልብ እዩ!

ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ጽሩይ ማይ ምቹእ መሬት ጽሩይ ኣየርን ከስተማቕር ዝኽእል ህዝቢ ብድኽነትን ጥሜትን ክሳቐን ኣብዚ ኩነት ክነብር ቅቡል ክኸው ኣይክእልን ግብኡ እውን ኣይኮነን!

ዕለት 9 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ንማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካውያን ዓንቀጸ ትምህርትን ዝሓልይ ሽማግለ ደያን መላእ ኣመሪካ ኣብ ሃገረ ፓራጉዋይ ጨንፈር ንምቛም ናብ ዘካይዶ ዘሎ ዓውደ ኣኼባ ብመረብታዊ ውሕዘት ተራኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ክሱት ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ነቲ እናዐበይ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ንምምካት ስጒምቲ ክውሰድ ኣለዎ እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሰላምታኦም ድሕሪ ምቕራብ መድረኦም፥ “እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽነት ህጹጽ ስጉምቲ ይጠልብ” ብዝብል ሓሳብ ኣበጊሶም፥

ኣብዚ ወሳንን ዝተሓላለኸን እዋን ሰብኣውነት፥ ማሕበራዊ መሰላትን ፍራንቸስካውያን ዓንቀጸ ትምህርትን ኣነቓቓሒ መሰረት ናይዚ ዝቖመ ሓድሽ ውድብ ምዃኑ ኣዚዩ ባህ የብለኒ፥

እዚ ኣብ ኣርጀንቲና ቺለ ብራዚል ኮሎምቢያ ፐሩ መክሲኮ ድሮ ብሃገራዊ ምዕራፋት ዝተበገሰ ጥርናፈ ሎሚ ኣብ ፓራጉዋይ ከም ዝበጽሐን፥ እዚ ውድብ እዚ፥ “ነቶም ነቲ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነ ሰብ እውን ከይተረፈ ከም ውዳቕ ዝሓስብ ጓሓፋይ ስርዓት ምኽንያት ንዝሳቐዩ ሰባት፡ መሰልን ንሰብኣውነት ዝበረኸ ምንባር ንምድልዳል ኣበርክቶን ንጥፈታትን ዘሳልጥ” ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዘኪሮም፥

ኣብቲ ዞባ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድኽህነት ብህጹጽ ከነስተንትንን ክንዋሳእን ይጽውዓና። ኣብተን ንዅሉ እቲ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ጽሩይ ማይ ምቹእ መሬት ጽሩይ ኣየርን ከስተማቕር ዝኽእል ህዝቢ ብድኽነትን ጥሜትን ክሳቐን ኣብዚ ኩነት ክነብር ቅቡል ክኸው ኣይክእልን ግብኡ እውን ኣይኮነን!

“ማሕበራዊ መሰላት መርሓ ግብራዊ ገርካ ኣብ መናብርተ ጥበብ ከም ጨንፈር ትምህርቲ ምቕራብን ብስነ ሓሳብ ምግላጽ ቀሊል እዩ” ኣብ ህይወት ሰብ ግን፥ “እዚ መሰላት እዚ ብቕዓት ናይ ህዝብታት ናይ ገዛእ ርእሶም ህላወ መግለጺ እዩ። እዚ ብቕዓት ናይ ህላወ እዩ፡ መምዘኒ ናይ ህይወቶም ክብሪ እዩ። ኣብ ሃብታማት ሃገራት እዅል ጸጋታት ስለ ዘየለ ብዝብል ምስምስ ማሕበራዊ መሰላት ምኽባር ዘይምኽባር ባህርያዊ ምግባርን ነቶም ዘመሓድሩ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝፈርዱ እውን ዘጠቓልል ከቢድ ጌጋ እዩ። ጸጋን ሃብትን ህያብ እዩ፥ ንዅሉን ናይ ኵሉን ብማዕረ ክባጻሕ እዩ ዘለዎ” ንኹሉ ብማዕረ ዘማዕብል ክኸውን ዘለዎ!

ድኽነት ምቅላስ የድሊ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣብቲ ብተፈጥሮ ሃብታም ዝኾነ ሃገር ድኽነት ክነግስ እንኮሎ፡ መዋቕራዊ ኢፍትሓውነት ምህላዉ እዩ ዝግለጽ፥ ምኽንያቱ ኣብ ዝተገለለ ሕብረተሰብ ናይ ምምዕባል ተኽእሎ ስለ ዘህስስ፡ ብናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ዝሃብተማ ሃገራት ንዝተፈላለየ ጸገም ተቓልዔን ክርከባ ምርኣይ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ምህላዉ እዩ ዘርኢ፡ ስለዚ ድማ እቶም ነዚ ‘ዘይፍትሓዊ ስእሊ’ ንምዕላው ክሕግዙ ሓይሊ ዘለዎም ደያኑ ዋላ ሓንቲ ምስ ዘይገብሩ ንሓደስቲ ምልካዊ ጎስዓ ልብታት ማዕጾ ይኸፍቱ፡ ድሕሪኡ ድማ ኢሰብኣውን ንገዛእ ርእሱ ጥራሕ ዝሓስብ ፖለቲካ ንኽሰፍሕ ባይታ ይፈጥር” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥

ነቲ ሽማግለ ኣብ ኣገልግሎቱ ኣተባብዖም ኣብ ዕዮኡ ኣሳልጦ ተመንዮም፡ ማዕርነት ንምድንፋዕ ልምዓትን ድኽነትን ንምምካት ቃል ክኣትዉ ድማ ተማሕጺኖም፡ ዘመሓላለፍዎ ክስቱ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Mar 2023, 15:09