ድለ

2023.03.16 ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ሃይማኖታት ሕውነት ኣብ ምዕባይ ወሳኒ ግደ ኣለወን! 2023.03.16 ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ሃይማኖታት ሕውነት ኣብ ምዕባይ ወሳኒ ግደ ኣለወን!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ንቡድሃውያን፥ ሃይማኖታት ሕውነት ኣብ ምዕባይ ወሳኒ ግደ ኣለወን!

ካልኦት ኣብ ብዙሕነቶም ናይ ምቕባል ተመክሮ ምስ ዝህልወና እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፍልልያትና ክንቅበልን ክንሓቑፍን ንተባባዕ!

ዕለት 16 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ንልኡኻት ሕቡራት ማሕበር ቡድሃዊ ሰብኣውነት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ሕውነት ኣብ ምዕባይ ሃይማኖታት ዘለወን ወሳኒ ግደ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ንደቂ ሰባትን መሬትን ዝጸሉ ለውጥ ቀጻሊ ፍጥነት ኣብ ዘርእየሉ ዘሎ እዋን ሃይማኖታት ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ናይ ርክብ ባህሊ ብምስፋሕ ሕውነት ከዕብያ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ይጽውዓ፥ ዝበሉ ቅዱሰንቶም ነቶም “ባህላዊ ንግደት” ንዘካይዱ ዘለዉ ልኡካን ሕቡራት ማሕበር ቡድሃዊ ሰብኣውነት፥

ናይ ርክብ ባህሊ መራኸቢ ድልድ ይሃንጽ መናድቕ ጽልኢ የፍርስ!

ነቲ ናይ ርክብ ባህሊ ንምስጓም “ኣብኡ ንኻልኦት ገዛእ ርእስና ናይ ምኽፋት ግድል ንቕበል ኣብኦም ኣዕሩኽን ኣሕዋትን ኣሓትን ክንረክብ ዝብል ምትእምማን ክህልወና ይግባእ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዝያዳ ንፈልጥ፥

ካልኦት ኣብ ብዙሕነቶም ናይ ምቕባል ተመክሮ ምስ ዝህልወና እቲ ኣብ መንጎና ዘሎ ፍልልያትና ክንቅበልን ክንሓቑፍን ንተባባዕ!

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝካየድ ባህላዊ ንግደት - ምንጪ ዓቢይ ሃብቲ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሓድሕድና ክንራኸብ ካብ ነንሕድሕድና ክንመሃርን ዝተፈላለየ ተመክሮታትና ከነደንቕን ዝተፈላለየ ዕድላት የንብረልና”

ናይ ርክብ ባህሊ ድልድል ይሃንጽን ነቲ ንኻልኦት ዘነቓቕሕ ኣስተንፍሶን ቅዱስ ክብርታትን እምነታትን መስኮት ክኽፈት ይገብር። ነቲ ንሰባት ዝፈላልዮም መናድቕ ቅድመ - ፍርድን ጽልኢ ወይ ዘይምግዳስ ምቑሓት ዝገብር ሰንሰለት ይበትኽ

ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፡ ከምቲ ብናይ ቡድሃ ሃይማኖት ሰዓብቲ ዝካየድ ዘሎ ባህላዊ ንግደት፥ “ንፍሉይነት ካልኦት ሃይማኖታትን ፍሉይነት ኣቀራርባ ናብ መለኮትን ዘሎ ኣድናቖት ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖታት ዘሀብትም እዩ፡ ኣብ ከተማ ሮማ ዘሎ ስርሓት ሃይማኖታዊ ስነ ጥበብ ብኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ባዕሉ በቲ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዘለዎ ፍቕሪ ተደሪኹ ናባና መጸ ዝብል እምነት ዘንጸባርቕ እዩ፥

ብባህሊ ኣቢልካ ሕውነት ደቂ ሰባት ምዕባይ

ኣብ ታሪኽ ኣመንቲ ሃይማኖት ዝፈጠርዎ “ናይ ርክብ ዓይነ ማይ” ንኵለንተናዊ ውሁድ ህንጸት ሰብኣዊ ፍጥረት” ዓቢይ ኣበርክቶ ከም ዘለዎን  እዚ ኣበርክቶ እዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዝተገማምዐ ዓለም ዝያዳ ኣድላዩ ምዃኑ ገሊጾም። ምስ እዚ ተኣሳሲሩ “ኣብ ዓለምና ኵላዊ - ሕውነት ንምስጓም” ሃይማኖታት ንመንእሰያት ኣብ ምምሃርን ዘለወን ወሳኒ ግደ ኣጊሊሖም፡ ኣብ መደምደምታ፥ ኣብ ሮማ ዝግበር ባህላዊ ንግደት ምስ ክርስቲያናዊ ትውፊት ከምኡ እውን ምስ ጽባቐ ምድሪ ዝዓሞቐ ርክብ ከስዕብ ከም ዝኽእል ተስፋኦም ገሊጾም፡ እዚ ኣብ ፍልጠትን ጥበብን ዘተን ምርድዳእን ከዕቢ ዝክእል ክቡር ዕድል እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 March 2023, 16:03