ድለ

ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ካርዲናላት የሐድሱ ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ካርዲናላት የሐድሱ 

ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ካርዲናላት የሐድሱ

ናይዚ ሓድሽ ዝቖመ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተስኣቱ መማክርት ካርዲናላት ናይ መጀመሪያ ኣኼባኡ ዕለት 24 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ንኸካድ ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንቤት ምኽሪ ካርዲናላት ካብቲ ከቕምዎ እንከለዉ ናብ ዝነበሮ 9 ኣባላት ክምለስ ብምግባር ከም ዝሓደሱን፡ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከገልግሉን ናይዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ላዕለዋይ መማክርት ቤት ምኽሪ ተስኣቱ ካርዲናላት ናይ መጀመርታ ኣኼባኡ ዕለት 24 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ዘካይድ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ብጉጅለ ትሽዓተ ዝፈለጥ ፍልዩ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ካርዲናላት ኣባላት ንኽኾኑ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፡ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ግዝኣተ ቫቲካን ኣመሓዳሪ ብጹዕ ካርዲናል ፈርናንዶ ቨርገዝ ኣልዛጋ፡ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ፍሪዶሊን ኣምቦንጎ፡ ናይ ቦምባይ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ኦስዋልድ ግራስያስ፡ ናይ ቦስተን ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሲን ኦምላይ፡ ናይ ባርቸሎና ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዅዋን ኾሴ መላ፡ ናይ ኪበክ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ገራርልድ ላክሩዋ፡ ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ዣን ክላውደ ሆለሪኽ፡ ኣብ ብራዚል ናይ ሳል ሳልቫዶር ዲ ባሂያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ሰርጆ ዳ ሮቻን ናይቲ ድርገት ዋና ጸሓፍ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ መሊኖ ከም ዝሓረይዎምን፡ ናይዚ ሓድሽ ዝቖመ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተስኣቱ መማክርት ካርዲናላት ናይ መጀመሪያ ኣኼባኡ ዕለት 24 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ንኸካድ ቅዱስነቶም ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 March 2023, 15:08