ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ማይ ንምርግጋጽ ዳግማይ ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ.፥ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ማይ ንምርግጋጽ ዳግማይ ጻውዒት የቕርቡ 

ር.ሊ.ጳ.፥ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ማይ ንምርግጋጽ ዳግማይ ጻውዒት የቕርቡ

ንገዛእ ርእስናን ንመጻኢ ወለዶታትን ብምሕሳብ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ክትዕ ብዘይ ምፍራሕ ምስኡ ክንዓቢ እዩ ዘሎና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ናብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዋዕላ ዛዕባ ሃብቲ ማይ ተጋባእያን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኵላዊ ሰብኣዊ መሰል ማይ ንምርግጋጽ፥ “ጭቡጥን ኣድማዕን” ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ማይ ምርካብ መሰል ህይወት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ሰሙን እዚ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ማይ ኣብ ዘብዓለሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2010 ዓ.ም. ማይ ከም መሰረታዊ መሰል ኣፍልጦ ዝሃበሉ፡ ኵላዊ ተበጻሕነት ጽሩይ ማይን ጽሬትን ንምዕዋት ዳግማይ ኣህጉራው ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ እንክብሉ ዘቕረብዎ ህጹጽ ጻውዒት ደጊሞም ኣረጋጊጾም፥ “ኵሉ ማሕበረሰብ ዓለም ብምትሕባር ሓደ ርድኢት ክህልዎ መታን ኣሳታፊ ሓይሊ ክንፈጥር ኣሎና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዋዕላ ዛዕባ ማይ ሕቡራት ሃገራትን መደብ “ማይን ተስፋን”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሕቡራት ሃገራት፥ “ማይን ተስፋን፥ ተመክሮታትን ብድሆታትን፡ ንምድንፋዕ ዘላቒ ልምዓትን ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትናን” ኣብ ዝብል  ርእሰ ጉዳይ ካብ ዕለት 22 – 24 መጋቢት ዘካየዶ ዋዕላ ዛዕባ ማይ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ኣብ ማይን ምዕባለን ብምትኳር፡ ነቲ ሎሚ ንምድሪ ዘጋጥም ዘሎ ህጹጽ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ብዛዕባ ዝሕግዝ ሜላታት ዝተመያየጠ ክኸውን እንከሎ፥ ማይን ለውጢ ኩነታት ኣየርን መንግስታት ንሰብኣዊ መሰል ማይ ኣብ ምኽበር ዘለዎም ግደ፥ ከምኡ እዉን ደቀባትን ሰብኣዊ መሰል ማይን ዝብሉ ኣርእስታት ኣማእኩሉ ዝተመያየጠ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንዘይንጽል ምዕባለ ወዲ ሰብ ዝኸውን ጭቡጥን ኣድማዕን ስጉምቲ

ቅዱስነቶም . . . ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይነትን” ንምብዳህ፥ “ጭቡጥን ኣድማዕን” ስጉምቲ ከም ዘድልን እዚ ድማ ኣብ መንጎ መንግስታት፥ “ንዘይንጽል ምዕባለ ደቂ ሰባት” ዝያዳ ምትሕብባር ዝጠልብ ምዃኑ ከም ዘተሓሳሰቡን፥

ድሕሪ ሰላሳ ዓመት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ማይ ተባሂሉ ዝተሰምየ፥ ተበጻሕነት እዚ መተካእታ ዘይብሉ ሃብቲ ክስትውዓል፡ ከምቲ ብኹለን ተሳተፍቲ ኣባላት ሃገራት ዝፍለጥ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ እናዐበየ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይነት፡ ካልኦት ጉዳያት ኣዚዩ ዘሰክፍን ዘሕዝንን እዩ፡ ስለዚ ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ብጭቡጥ ኣድማዒ ክኸውን ኣለዎ።

እምበኣር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ ዋዕላ ዛዕባ ማይ ሕቡራት ሃገራት፥ ዓለም ዘድልዩ መፍትሒታት ክረክብ ተስፋ ከም ዘለዎም ገሊጾም፡ ምእንቲ ኣድማሳዊ ተበጻሕነት ማይን ጽሬትን ክረጋገጽ ነዚ መሰል እዚ “ምእንቲ መሰልን ህይወትን ተስፋን፡ ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽሞ” ይግባእ፥

ንገዛእ ርእስናን ንመጻኢ ወለዶታትን ብምሕሳብ ነቲ ክህሉ ዝኽእል ክትዕ ብዘይ ምፍራሕ ምስኡ ክንዓቢ እዩ ዘሎና!

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘጠቓለሉ ኣፍሊጡ።

24 March 2023, 15:04