ድለ

2023.03.27 ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ጓሶት እምበር ሙያተይናውያን ኣይኮኑን 2023.03.27 ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ጓሶት እምበር ሙያተይናውያን ኣይኮኑን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ጓሶት እምበር ሙያተይናውያን ኣይኮኑን

ሞያውነት ሓደ ካብቲ ንሕና ካህናት ክህልወና ዝኽእል ጽዩፍ መልክዕ እዩ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካብ ኢጣሊያ ዞባ ካላብርያ ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ጳጳሳትን ዕለት 27 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን፡ ህንጸት ካህን ምስ ምልክታ ዘመንና ከመዓራረዩ፡ ብሓድነትን ሕውነትን ብሓባር ክጓዓዙ ዘተባብዖም ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ደቡብ ኢጣሊያ ዞባ ካላብርያ ዝመጹ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ሃነጽቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ጳጳሳትን ኣብ ሰበኻታቶም ዘሎ ሓድሽ ናይ ጉስነት ብድሆታት ሕዳሴ ብምቛምን ህዳሴ ህንጸት ክህነትን ሓይልታት ብምውህሃድን ክፈትሕዎ ኣተሓሳሲቦም፥ . . . ናይ ዘርኣ ክህነት ተመሃሮ ሃነጽቲ ኣገልግሎት ገለ ገለ እዋን ህቡእን ብዙሕ ጻዕርን ስቓይን ዘለዎ ክኸውን ይኽእል፡ የጋጥም እውን እዩ፡ ስለዚ መዓልታዊ ጻዕርን ስንዮትን ምስትውዓልን ዝሓትት እዩ። ብሓቂ ስለ ኣገልግሎትኩም አመስግን” እንክብሉ መደረኦም ዘበገሱ ቅዱስነቶም፥ ካላብርያ መብዛሕቲኡ ግዜ ምስ ገበን ዝተኣሳሰሩ ፍጻሜታት ኣርእስተ ዜናታት እኳ እንተኾነት “ንምብራቕን ምዕራብን ዘራኽብ” ክብሩ ባህላውን መንፈሳውን ውርሻ ከም ዘለዎ ጠቒሶም፥ “ኣስፍሆተ ወንጌልን ህንጸት ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ንምድንፋዕ ዝተሓደሰ ቃልሲ እንተዘይሃልዩ እቲ ውርሻ ካብ ዘመን ግሪኽ ኣትሒዞ ዝመጸ ዘድንቕ ሕሉፍ ጥራይ ኮይኑ ናይ ምትራፍ ሓደጋ እዩ ዘጋጥም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህርፋን ንስልጣንን ሞያውነታዊ ቀሲስነትን መዓት እዩ

ኣስዒቦም ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 1, 39 ጠቒሶም “ምስኡ ጸንሑ” እትብል ቃል መሰረት ገይሮም ድማ፡ ነቶም ንኢየሱስ ዝሰዓቡ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ፥ እተን ቃላት ንካህናት መሰረታዊ ኣገልግሎቶም የዘኻኽራ፡ “እዚ ጸዋዕታኹም እዩ። ኣብ መገዲ ምስ ጎይታ ብፍቕሪ ኣምላኽ ክትመርሑ መታን . . . ክህነታዊ ኣገልግሎት ናብ ሞያዊ ዕዮ ከይተውድቕዎ ተጠንቀቕቑ ብሓቂ እዚ መዓት እዩ።”

ሞያውነት ሓደ ካብቲ ንሕና ካህናት ክህልወና ዝኽእል ጽዩፍ መልክዕ እዩ!

ጓሶት እምበር ሞያተናውያን ኣይኮንኩምን

ኢየሱስ ነቶም ንመጀመርታ ዝሰዓብዎ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም” እንክብል ዘቕረበሎም ሕቶ ተወኪሶም፡ ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ክህነት እንታይ ከም ዝደልዩ ባዕሎም ገዛእ ርእሶም ክሓቱ ዓዲሞም፡ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ዘይፈልጡ ወይ ከኣ ከም ኢየሱስ ናይ ኣቦ ለውሃት ምልክት ክኾኑ ዝደልዩ ምዃንኩም ገዛእ ርእስኹም ሕተቱ፡ . . . ካብ ታሪኽ ከም እንፈልጦ ጓሶት ህዝቢ ምዃኖም ረሲዖም ኣብ ገለ ገለ ከባቢ ሹመተይናታት ናብ ናይ መንግስቲ ካህናት ዝተቐየሩ ነይሮም እዮም፡ እዚ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።”

ሓደስቲ ብድሆታት ጉስነት ንምፍታሕ ሓይልታት ምውህሃድ

ቀጺሎም፥ ነቲ ሕቶ ናብቶም ኣብቲ ርክብ ዝተረኽቡ ናይ ካላብሪያ ጳጳሳት ኣቕኒዖም፡ እንታይ ዓይነት ቤተ ክርስቲያን ከም ዝሓልሙን፥ ንመጓሰኦም እንታይ ዓይነት ካህን ክኾኑ ከም ዘለዎም ከስተንትኑ ዓዲሞም፥ ሎሚ ጽልዋ ክርስትና በብቑሩብ እናነከየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዚ መመያ እዚ ዝያዳ ኣድላዩ ምዃኑን “ሓድሽ ቤተ ክርስቲያናዊ ወቕቲ ኣብ ቅድሜና ይኽፈት ኣሎ” እዚ ኩነታት እዚ “ኣብ ኣገልግሎታት ናይ ክህናት” ድሕሪ ሕጂ ኣብ ሰበኻታቶም ተዓጽዮም “ብሕታዊ ጓሶት” ገይርና ክንሓስቦም ዝከኣል ከም ዘይኮነ የረጋግጸልና።

ሓይልታትን ሓሳባትን ምውህሃድ ኣድላዪ እዩ። ገለ ሕጂ ንኹለን ኣቢያተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ናይ ሓደ ዞባ ሰገር ዶባዊ ዝኾኑ ገለ ጉስነታዊ ብድሆታት ንምፍታሕ። ብዛዕባ ስብከተ ወንጌልን መንእሰያትን እየ ዝሓስብ ዘለኹ። ናይ መባእታ ክርስቲያናዊ ትምህርቲ ሕንጸት፡ ናይ ህዝቢ ፈሪሃነት እግዚኣብሔር ብወንጌል ዝተደረኸ ምርጫታት ዘድልዮ ግናኸ ብዛዕባ ድሌታት ምግባረ ሰናይን ምድንፋዕ ናይ ሕጋውነት ባህል እውን እየ ዝሓስብ።

ሕንጸት ካህናት ምስ ምልክታ ዘመን ምትዕጽጻፍ

በመንጽር እዚ ሕጂ ዘሎ ተርእዮ . . . ንጳጳሳት ካላብርያ፥ “ብዛዕባ ህንጸት ካህነት ንጽሩ ምርጫ ኪገብሩ” ዓዲሞም ጸዓታቶም ኣብ ውሑዳት ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብምትኳር ኣብ ክንዲ ካህናት ኣብ ምብዛሕ“ ሓይልታት ካብ ምብታን፡ እዚ ዝተሓላለኸ መስርሕ ምስትውዓል - መመያ ዝሓትት እኳ እንተኾነ እዚኣቶም ብናይ ከባቢኦም ኣቢያተ ክርስቲያን ዝድገፉን ብመንፈስ ቅዱስ ዝተደረኹን ጳጳሳት ክገብርዎ ዘለዎም ኣድለይቲ ውሳኔታት እያቶም። ገዛእ ርእሶም “ብናፍቆት ከልምሱ ከምኡ እውን ነቲ ዞባውነት ዝብል ዕጽው ከቢድ መጉዳእቲ  ዘስዕብ ኣመለኻኽታ ምቁሓት” ከይገብሩ ሓደራ ቢልም፥

ምስ ታሪኽናን ምስቶም ኣገደስቲ ቦታታት ትውፊትናን ምትእስሳር ብፍላይ መገዲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝጠልበሉ እዋን ሓድሽነት መንፈስ ዝኽተሎ መገድታት ካብ ምድህሳስ ዝዓግት ክኸውን ከም ዘይብሉ ንዘክር። ምልክታት ዘመን ሒዝና ንቕድሚት ክንጥምት ክፉት የዒንትን ትኩር ልብን የድልየና!

. . . ነዚ ጻዕሪ እዚ እቶም ልሂቕ ጳጳሳት ድማ “ብጸሎትን ጽሞናን ምኽርን” ደጊፎም ከቕርቡ ዓዲሞም።

ሓልዮት ሓድነት ሕውነት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ሓነጽቲ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ከምኡ እውን ጳጳሳትን ለውጢ ኣብ ምእታው ተባዓት ኪኾኑን ከምኡ እውን ኩሉ ግዜ “ብሓልዮትን ሓድነትን ሕውነት~ ብሓባር ክዋስኡን ክጓዓዙን ቃል እቲ ዕለት 27 መጋቢት ዝተወልደሉ ዕለት እንዝክረሉ ሓላዊ ቅዱስ ካላብሪያ ፍራንቸስኮ ዲ ፖል ብምዝካር ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 March 2023, 15:40