ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣዒንትኹም ከፊትኩም ብውህበት ኣምላኽ ተገረሙ

ብመዓልታዊ ውህበት እግዚኣብሔር ክንግረምን ከምቲ ኢየሱስ ምስቲ ዕዉር ዝገበሮ ነቲ ዝተፈላለየ ኩነታት ህይወት ዋላ ውን ክትቅበሎ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እንተኾነ ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ገይርና ክንርእዮ ክሕግዘና ንለምን። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቕን እሙንን ሓቢራ ትሓግዘና

ዕለት 19 መጋቢት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 9, 1 – 41 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፥ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚእብሔር፥ ከምቲ ብኢየሱስ ናይ ምርኣይ ጸጋ ዝተዓደለ ዓይነ ስውር፡ ኣዒንትና ከፊትና በቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ሰናይ ክንገብረሉ ዘኽእልና ህያባቱ ብዘቕርበልና እግዚኣብሔር ዝግረሙ ንኹን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ዕለት 19 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ቢሎም፥ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ዕለት 19 መጋቢት) ኢየሱስ ንሓደ ዓይነ ስውር ኮይኑ ዝተወልደ ሰብኣይ የዕንቱ ክበርሃን ክርእያን ከም ዝገበረ ዘዘንትው ታሪኽ መሰረት ገይሮም፥ እዚ ቃለ ወንጌል ከነንብቦ ሓደራ፡ ጐይታ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅረና ዝገልጽ ታሪኽ እዩ፡ . . . ኢየሱስ ነቲ ተኣምር ክፍጽም እንከሎ ዝረኣዩ ሰባት እንታይ መልሲ ከም ዝህብሉ እውን ነንብብ፥ ብተቐባሊ ልቢ ድዩ ወይ ልቡጥን ፍርሒ ብዝወሓጦ ወይ ድማ ብተባዕ ልቢ እዮም ዝምልከትዎ . . .

መስተንክራዊ ዑረት

ኣተሓሒዞም ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኵነታት እቲ ዓይነ ስውር ዝተወሃበ ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ ገሊጾም። ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ናይቲ ዓይነ ስውር ገበን ይደልዩ፡ እቲ ዓይነ ስውር ድዩ ወይ ወለዱ ሓጥኣን ዝብሉ ምኽንያት ዓይነ ስውርነቱ ይደልዩ . . . እዚ ድማ እቲ ኣብኦም ናይ ምግራም ወይ ናይ ምድናቕ ዝምባለ ዘይምህላዉ ዘርእይ እዩ . . .

ኣብዞም ግብረ መልስታት እዚኣቶም ዝውቱር ባእታ “ልብታት ኣብ ቅድሚ ምልክት ኢየሱስ ተዓጽዮም፡ ገበን ስለ ዘናድዩ በቲ ኢየሱስ ዝዓደሎ ዘደንቅ ስራሕ ከመይ ገይሮም ኪግረሙ ይኽእሉ፡ ክቕየሩ ስለ ዘይደልዩን ብፍርሒ ስለ ዝተዓጽዉን” እዮም፥

ዓይነ ስውር ነይረ ሕጂ ግን ይርኢ ኣለኹ

እቲ ብኢየሱስ የዕንቱ ዝበረሃሉ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ብምስጋንን ብሓጎስን ብምምስካርን ግብረ መልሲ ይህበሉ፡ “ዕዉር ነይረ ሕጂ ይርኢ ኣለኹ” ብምባል፡ ብስጋን ብመንፈስን ናጻ ኮይኑ በዘይ ፍርሒ ብዛዕባ ኢየሱስ ብግልጺ ይምስክር፡ ካልኦት እንታይ ክብሉኒ ከይበለን ከይፈረሐን፡ እቲ ዝኽፍአ ዕዉር ምንባሩ ተነጺሉን እናለመነን ዝነብሮ ዝተረግመ እናተባህለ ዘሕለፎ ህይወት እዩ፡ ምፍዋሱ እቲ ካልኦት ብዛዕባኡ ክብልዎን ክገብርዎን ዝኽእሉ ኩሉ ከም ዝኣለየሉ ዘስተውዓለ . . .

ድሕሪ ደጊም ነቲ ንዕቀት ዝተመልእ ኣብ ልዕሊኡ ዝበሃልን ዝብልዎን ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣይፈርሕን እዩ፡ ምኽንያቱ ኢየሱስ ምሉእ ክብሩ ስለ ዝመለሰሉ፡ . . . ኢየሱስ ስለ ዝገበረሉ ኵሉ ይምስክርን!

ኣነ እንተዝኸውን እንታይ ምላሽ ምሃብኩሉ?

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ኣብቲ ዝሰማዕናዮ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣብ ዝቐርቡ ቀንደይና ተዋሳእቲ ህይወት ናትና ንግበር . . . እሞ ኣነ እንተዝኸውም እንታይ ምላሽ ምሃብኩ ነይረ ቢልና ንሕተት፡ ካብ እግዚኣብሔር እንረኽቦ ህያብ ዘስተውዕሉን ዘመስግኑን ምኾንና ዶ? ምኾንኩ ዶ? ንፍቕርን ምሕረትን ኢየሱስ ዲና ንምስክር ወይስ ፍርሕን ድኽመትናን ኣሉታዊ ነቐፈታ ንነንዝሕ? ነቶም ኣምላኽ መዓልታዊ ዘቕርበልና ህያባት ዝፈጥረልና ሓጎስ ንካልኦት ንምክፋል ክፉታት ዲና ወይስ ነዚ ግብረ መልሲ ብፍርሒ ተዋሒጥና ኣብ ውሽጥና ንዓቝሮ? ኣብ መወዳእታ ድማ ኣካላዊ ወይ ማሕበራዊ ብድሆታት ካልኦት ከም ጭንቀት ዲና እንርእዮ፡ ወይስ ከም ኣጋጣሚታት ብምጽንናዕን ብፍቕርን ንቐርቦም?

ብመዓልታዊ ውህበት እግዚኣብሔር ክንግረምን ከምቲ ኢየሱስ ምስቲ ዕዉር ዝገበሮ ነቲ ዝተፈላለየ ኩነታት ህይወት ዋላ ውን ክትቅበሎ ኣዚዩ ኣጸጋሚ እንተኾነ ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ገይርና ክንርእዮ ክሕግዘና ንለምን። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስ ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቕን እሙንን ሓቢራ ትሓግዘና፥

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

20 March 2023, 16:01