ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብመቕተልቲ ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ናይ ሎስ ኣንጀሎስ ተራዳኢ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ዳቪድ ኦኮነል ዝተፈጸመ መቕተልቲ ዘሕደረሎም ከቢድ ሓዘን ገሊጾም ንሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስን ምእመናንን ካህናትን ጽንዓት ይሃብኩም እንክብሉ ጸሎቶምን ቅርበቶምን ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ መቕተልቲ እቶም ንህዝብን ድኻታትን ቀረባ ብምዃኖም ዝፍለጡ ተፈታው ጳጳስ ዝተሰምዖን ሓዘን ምሪር ምዃኑ ገሊጾም፥ ከም ካህን መጠን ስለ ምስርክነቶም ነመስግን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዕለት 3 መጋቢት ክፍጸም ምዃኑ ናይ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ መግለጺ ጠቒሱ የመላኽት።
ናይ ሎስ ኣንጀሎስ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኾሰ ጎመዝ ዕለት 19 ለካቲት ሰንበት “ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ሞይቶም ከም ዝተረኽቡን ምኽንያት ሕልፈቶም እውን መቕተልቲ ምዃኑ ምስ ተሰምዐ፥ ኣብ ልዕሊ መላእ ርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረን፥ ብዘይ ተጸበናዮ መገዲ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዮምና እንክብሉ ስንባደኦምን ሓዘኖምን ከም ዝገለጹን፥
ኣላይን ሓላይን ድኻታትን ስደተይናታትን ገባሬ ሰላምን ቅድስናን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ህይወት ዝኽበረሉን ዝሕለወሉን ማሕበረሰብ ኣብ ምህናጽ በዓል ኒሕ
እንክብሉ ከም ዝዘከርዎምን፥ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ኣብ ኣየርላንድ ዕለት 16 ታሕሳስ 1953 ዓ.ም. ዝተወልዱን ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝርከብ ኦል ሃሎውስ ተቕዋም ናይ ቲዮሎጊያ ትምህርቶም ዘጠናቐቑን ንናይ ርእሰ ሰበካ ሎስ ኣንጀሎንስ ካህን ንምዃን ዕለት 10 ሰነ 1979 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ 2015 ዓ.ም. ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳታ ንርእሰ ሰበኻ ሎስ ኣንጀሎስ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ምእመናን ኣብቲ ብጹዕ ኣቡነ ኦኮነል ዝተቐትልሉ ስፍራ ናይ ሽምዓ ምውላዕን ጸሎትን ስነ ስርዓት የካይዱ ምህላዎም የመላኽት። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብጹዕ ኣቡነ ጎመዝ ሓይሊ ጽጥታ ነቲ “ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ንዝገበርዎ ጻዕሪ” ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።