ድለ

ይቕሬታ ምሕታት እኹል ኣይኮነን! ንግዳያት ግህሰት ጭቡጥ መልስን፣ ተግባራትን ውሑስ ቦታታትን! ር.ሊ.

ወርሒ መጸ ዓለምለኸ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ብዘሰናዱ መርበብ ሓበሬታ ዝዝርጋሕ መደብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ መጋቢት 2023 ዓም ብርእየት ኣብ ዝዘርግሖ ‘ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጭቆናን ዝኾኑ ኣብ ኩሉ ነገር “ኣብ ማእከል” ክኾኑ ይግባእ። ቤተ ክርስቲያን ነዞም ግዳያት ውሑስ ቦታታት ናይ ምቕራብን ኣብኡ “ንቃንዛኦምን ስቓዮምን ጭቡጥ ምላሽ” ክረኽቡ ክተፍቅድን ሓላፍነት ኣለዋ’ እንክብሉ ኩሎም ምእመናን ነዛ ወርሒ እዚኣ ስለኦም ክጽልዩ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ንወርሒ መጋቢት ዝቀረበ ሓሳብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሎም ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ስለ እቶም ግፍዒ ዝበጽሖም ሰባት ክጽልዩን ንኣኦም ንምስማዕን ንምስናይን ንምክልኻልን ዝቐርብ ጻውዒት እዩ።

ናይዚ ወርሒ’ዚ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንኹሎም ግዳያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ሰባት፡ ብፍላይ ከኣ ብኣባላት ቤተ ክርስቲያን ብዝተፈጸሙ ግህሰታት ግዳይ ንዝኾኑ ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ቤተክርስትያን ንቃንዛኦምን ስቓዮምን ኣብ ውሽጣ ባዕላ ባዕላ ጭቡጥ ምላሽ ክትረኽበሉ ዝጽውዕ እዩ።

ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እዞም ግዳይ ዝኾኑ ሰባት እዚኦም ማእከል ናይ ኩሉ እዩ። ጭቡጥ መልሲ ዘድልዮምን፤ ነቲ ዘጋጠሞም ራዕዲ ንምጽጋንን ዳግማይ ንኸይፍጸምን ጭቡጥ ስጉምትታት ምውሳድን ዘድልዮም እዚኦም ሰባት እዚኦም እዮም። ቅዱስነቶም መልእኽቶም ብምቅጻል ርግጽ “ይቕሬታ ምሕታት ኣድላዪ እዩ” እንተኾነ “ግን እኹል ኣይኮነን” ይብሉ።

ጽን ቢልካ ምስማዕ፡ ምስናይ፡ ምክልኻል፡ ምኽሓስ!

ቅዱስነቶም ነቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ምላሽ ንምሃብ ዝሓሸ መንገዲ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ኣብ ሕብረተሰብን ኣብ ስድራ ቤትን ነቲ ዝተፈጸመ ግህሰት ናብ ብርሃን ናብ ቃልዕ ብምምጻእ ክጅምር ኣለዎ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይኹን ኣብ ክለባት፡ ወይውን ኣብ ካልእ ዓይነት ትካላት ፈጺሙ ክሕባእ ዘይብሉ ትራጀዲ’ዩ። ቤተ ክርስቲያን “ግዳያት ንኽስምዑ፡ ብስነ-ልቦና ንኽድገፉን ንኽሕለዉን ውሑስ ቦታታት ክእተቕርብ ኣለዋ።”

ዕምባባታት፡ ብርሃን፡ ከምብሓዲሽ ምጅማር!

ኣብዛ ወርሒ’ዚኣ ቅዱስነቶም ብዛዕባ ግዳያት ዘለዎም ስክፍታን ብ ንጉዳያት ግህሰት ናብ ብርሃን ንምቕራብ ዘቕረብዎ ጻውዒትን ብናይ ዓለምለኸ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ምስ ኢጣልያዊ ስነጥበባዊ ሄርሜስ ማንጊያላርዶ ብሓባር ዝቀረጽዎ ተንቀሳቓሲ ቪድዮ ተሰንዩ ኣሎ። ሓያል ምሳልያዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዛንታ’ዩ፣ ምስ ምንጽጻር ብርሃንን ጸልማትን ዝቀርብ ብዛዕባ ፍሉይነት ነፍሲ ወከፍ ህይወት ወዲ ሰብን ብሰንኪ ዓመጽ ዝመጽእ ዓሚቝ ስቓይን ዝገልጽ እዩ። ኣብቲ ቪድዮ ኣብ መንደቕ ናይ ሓደ ጽላሎታዊ መጋረጃታት ንመእተዊ ብርሃን ዝዕንቅፈሉ ጸልማት ገዛ፡ ስእልታት ተሰቒሎም ይረኣዩ።  ነፍሲ ወከፍ ህይወት ከመይ ቢሉ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ምዃኑ ዘመልክቱ - ዕምባባታት ዝገልጹ፡ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ብሰንኪ ሕጽረት ብርሃን ዝነቐጹ ኮይኖም ይረኣዩ። እቲ ስእልታት ዝተፈላለየ ዓይነትን ሕብርን ዘለዎ ኮይኑ - ገሊኡ ዝርዝር ዘለዎ፡ ገሊኡ ድማ ብኢድ ቆልዓ ጥራይ ዝተሳእለ - ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ናይቲ ገዛ ተሰቒሉ: ገሊኡ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ህጻናት፡ ገሊኡ መሳርሒ ስፖርት ኣብ ዝርከቦ ኩርናዕ፡  ገሊኡ ኣብ ሳሎን ወዘተ  ኮይኑ ኩለን ክፍልታት፡ ካብ ነንሕድሕደን ኣዝየን ዝተፈላለያ እየን። ክሳብ እቲ ኣብ ሳሎን ዘሎ መጋረጃታት ጸልማት ዝዓብለሎ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ነቲ መጋረጃታት ብምቅዳድ ብርሃን ክኣቱ የፍቅድ።ጩራታት ብርሃን ጸሓይ ነቲ ገዛ የብርሆ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም ዝቀምሰሉ ዕምባባታት እውን ሕይወት ይዘርኣሎም። እቲ መከላኸሊ ይኹን እቲ ቨትሮ ነዘን ዕምባባታት ካብቲ ኣብ መዓሙቊ ዝኣተወ ዓመጽ ክከላኸሉሎም ኣይከኣሉን። እቲ ብርሃን ግን ቀስ ብቀስ ናብ ህይወት ክምለሱን ቁስሎም ክጽገንን ይሕግዞም።

ናይ ዓለምለኸ መርበብ ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ሓላፊ ዝኾኑ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ብዛዕባ ሕሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ እንክትንትኑ፣ ‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌሉ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ኣናእሽተይ ዘስሕት ድማ እምኒ መጥሓን ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ እንተዝሰጥም ምሐሾ።’ (ማቴ 18፡6) እንክብል ካብ መዓሙቊ ልቡ ዝዛረቦ ነዚ ጉድያ እዚ ይምልከት። እዚ ድማ ኢየሱስ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ዘይጽወር ገበን ንዝሳቀዮ ይገልጽ። ነዚ ምዝንባዕ’ዚ መልሲ ዝህቡ ቃላት ክትረክብ ኣጸጋሚ’ዩ። ከምቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣብ መንፈሳዊ ሱባኤታቱ ቊ.319 ዝብሎ ‘በዚ ቤተ ክርስቲያናዊ ቁስሊ ዝፈጠሮ ምድረበዳ ምስ ኣጋጠመና፡ ምስ እኖና ድንግል ማርያም ኰና ብዝበለጸ ናይ ምጽንናዕ ጸሎት እናደገምና ጽቡቕ ክንገብር ኢና’።  ነዚ ጉዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብታ ‘መልእኽቲ ናብ ሕዝቢ እግዚአብሔር’ እንክብሉ ብ2018 ዓም ዝጸሓፍዋ የዘኻኽሩና። ቅዱስነቶም ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ወርሒ መጋቢት ስለ ግዳያት ዓመጽ ስልጣንን ሕልናን፡ ከምኡ’ውን ጾታዊ ዓመጽ ክንጽሊ፡ ‘ሕልናና ከበራብርን ናይ ሓልዮት ባህሊ ኣጥሪና ምትሕግጋዝናን ተወፋይነትናን ከነዕዝዝ  ብቆራጽነት ክንጋደልን  ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ግህሰት ክንቃለስን ሓደራ። እዚ ናይ ጸሎት ሓሳብ እዚ ነቲ ነዚ ግህሰታት ዘይርአ ንኽኸውን ዝደፋፍእ መዋቕራውን ስነ-ሓሳባውን ጠንቅታት ከነስተንትነሉ ክመርሓና ይኽእል እዩ። ጸሎት ልብና ይኸፍት፣ ክንሰምዕን ክንርኢን የኽእለና፣ ኣንጻር እዞም ንወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስን ገጽ ቤተ ክርስቲያንን ዘበላሸዉ ገበናት ክንዋሳእ ይመርሓና፣ ስለዚ ከምቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓሳብ ጸሎት ዕላማ ዝብሎ ንቃንዛን ስቃይን ግዳያት ጭቡጥ ምላሽ ክንረኽበሉ ንኽእል’ እንክብሉ ርእይቶኦም ደምደሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 Mar 2023, 13:52