ድለ

2023.03.17 ር.ሊ.ጳ. ንዮሴፋውያን ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ከጉልሑ ይዕድሙ 2023.03.17 ር.ሊ.ጳ. ንዮሴፋውያን ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ከጉልሑ ይዕድሙ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንዮሴፋውያን ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ከጉልሑ ይዕድሙ

“ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዓለም ኣተኩሮ ምሃብ ከምኡ እውን ኣቦኣዊ ግብረ ለውሃትን”

ዕለት 17 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቅዱስ ሊዮናርዶ ሙርያልዶ ዝተመሰረተ መበል 150 ዓ.ም. ቅዋሜኡ ናይ ዘብዕል ዘሎ ማሕበር ልኡካን ቅዱስ ዮሴፍ ኣባላት ተቐቢሎም ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ብፍጥነት ንዝቐያርየር ዘሎ ዓለም ኣተኩሮ ምሃብ ከምኡ እውን ኣቦኣዊ ልኡምነት ለውሃት ዝተሞርኮዘ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መዳይ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብታ ካብተን ብዙሓት ቅዱሳት ዘፍረየት ካልኦት ዝተፈላለየ ጸረ ክህነት ኣቋም ዝነብሮም ምንቅስቓሳት ካብ ዝተወለዱላ ከተማታት ኢጣሊያ ኣብ ዝኾነት ከተማ ቶርኒ ቅድሚ 150 ዓመት ብቅዱስ ሊዮናርዶ ሙሪያልዲ ዝተመስረተ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ቅዱስ ዮሴፍ ኣባላት ተቐቢሎም ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥

ናይ ፍቕሪ ወርሻ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ማሕበር ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን ዝነበረ ጽንኩር ኩነታት ዘኪሮም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ክፍለ ዘመንን ፈረቓን ዮሴፋውያን “ብሰባትን ዕዮታትን ብናይ ዝተፈላለየ ባህልታት ተመክሮታትን ልዕሊ ኩሉ ድማ  ብዓቢኡ ብፍቕሪ እግዚኣብሔር” ሃብታማት ንምዃን ከም ዝበቕዑን እቶም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ንእዋናዊ ዓለም “ብፈጠራ መንፈስ ቅዱስ” ምላሽ ክህብሉን እዚ ድማ “ምስትውዓልን ተኣማንነትን” ብዝሓትት ተወፋይነት ዝኽወን እዩ ከም ዝበሉ ዚሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ

ንኣባላት እቲ ማሕበር ንህይወቶምን ኣገልግሎትን ኣገዳሲ ዝኾኑ ሰለስተ መዳያት ኣስሚሮም፥ እዚ ድማ “ቀዳምነት ፍቕሪ ኣምላኽ ነቲ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዓለም ኣተኩሮ ምሃብ ከምኡ እውን ኣቦኣዊ ግብረ ለውሃትን” ዝብሉ ምዃኖም ገሊጾም፥

ንቓላትን ኣብነትን መስራቲኦም ብምዝካር፥ “እሙናት መሰኻኽር ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንምዃን” ብእግዚኣብሔር ክፍቀሩ ክፈቕዱ ከም ዘለዎም ዓዲሞም፡ ቅዱስ ሊዮናርዶ ኣብ ዘመናዊ ዓለም ዋጋ ዓለማውያንንን ሓዋርያዊነት ህዝበ እግዚኣብሔር ዘለዎ ምርዳእ ኣስተብሂሎም፡ እዚ እውን ንርድኢት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቐዲሙ ዘስተብሃለ ምንባሩ የረጋግጸልና ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣቦኣዊ ልኡም ሓልዮት

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብነት ናይታ ኣብ ምስክርነት ሓያልን ብፍቕሪ ለዋህን ዝኾነት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምስዓብ፥ “ኣቦኣዊ ልኡም ሓልዮት” ከናድዩን ከንብሩን ድማ ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሓደ ሰብ ብዘይ እምነት ንኣምላኽ ባህ ከብል ከም ዘይክእል፥ ብዘይ ለውሃት ድማ ንብጻይካ ባህ ከተብል ዝክኣል ኣይከውንን” ዝብል ትምህርቲ ቅዱስ ሊዮናርዶ ዘኪሮም፡ ነቶም ኣባላት ማሕበር ቅዱስ ዮሴፍ፥ “ቅዱሳት ኩኑ - እዚ ድማ ብዘይ ውዓል ይሕደር ይዅን ሓደራ” ቢሎም፥ “ኣብ ኣሰር ቅዱስ ሊዮናርዶን ብቅዱስ ዮሴፍ ተነቓቒሕኩም ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ምዃንኩምን ስለ ዘለኩም ግደን” አምስግነኩም ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 March 2023, 16:08