ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ትምህርቲ ናስቪል ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለ ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ትምህርቲ ናስቪል ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለ ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤት ትምህርቲ ናስቪል ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለ ዘሕደረሎም ሓዘን ይገልጹ

“ንኹሎም በዚ ትርጉም ኣልቦ ብዝኾነ ናይ ዓመጽ ተግባር ዝተሃሰዩ ልባዊ ሓዘን” ገሊጾም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተነሲ ከተማ ናሽቪል ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ፕረስቢተርያን ቤተ ክርስቲያን ቤት ትምህርቲ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቶኽሲ ዘሕደረሎም ሓዘን ዝገልጽን ምእንቲ እቶም ግዳያት ኩሎም ድማ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዝሕብር ናብ ናይ ከተማ ናሽቪል ጳጳስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተነሲ ከተማ ናሽቪል ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ፕረስቢተርያን ቤተ ክስቲያን፡ ሓንቲ ዜጋ ብዝፈጸመቶ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕቲ ሰለስተ ሕጻናት ሰለስተ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተይናታት ከም ዝቐተለትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ መሰረት ገይሮም ናብ ናይ ከተማ ናሽቪለ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጆሰፍ ስፓልዲንግ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉን ቅድስነቶም እቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ፕረስቢተርያን ኪዳናዊ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቶኽሲ ዘስዓቦ ሞት ብዙሕ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፥ “ንኹሎም በዚ ትርጉም ኣልቦ ብዝኾነ ናይ ዓመጽ ተግባር ዝተሃሰዩ ልባዊ ሓዘን” ገሊጾም፡ “ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘንን ቅርበትን ጸሎትን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ምዉታት ምጽንናዕ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ተማሕጺኖም፡ ንነፍሲ ወከፍ ቁስሊ ንምፍዋስን ካብ ዘይንገር ክፉእ ሰናይ ዘምጽእ ኣብ ሓይሊ ትንሳኤ ዘለዎም እምነት ክጸንዕ ድማ እጽልይ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሰኑይ ዕለት 27 መጋቢት ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ግዝኣት ተነሲ ከተማ ናሽቪል ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ፕረስቢተርያን ብሓንቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ነበር ተመሃሪት ጓል 28 ዓመት ኣውድረይ ሃለ ብዝተኮሰቶ ጠያይት ሰለስተ ህጻናትን ሰለስተ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሰራሕተይናታት ከም ዝቐተለትን ናይታ ከተማ ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝሕብሮ እውን ሃለ ሰለስተ ሸጓጉጥ ሒዛ ከም ዝነበረትን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብመኪና ብምኻድ ነቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ማዕጾ ብዝተኮሰቶ ጥይት ከፊታ ናብ ውሽጢ እቲ ቤት ትምህርቲ ብምእታው ድሕሪ ዝፍፈጸመቶ ግብረ ቅትለት ምስ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ዘካየደቶ ምልውዋጥ ቶኽሲ ከም እተቐትለት ዜና ቫቲካን ካብታ ከተማ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

እታ ነዚ ግብረ ቅትልት ዝፈጸመት መንእሰይ ብዝነበራ ስምዒታዊ ጸገም ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ክንክን ከም ዝነበረትን ምስ ወለዳ ኣብ እትነብረሉ ቤት 7 ኣጽዋር ብሕጋዊ መገዲ ዝገዝኣቶ ከም እተረኽበን ወለዳ ጓሎም ኣጽዋር ክትውንን ድላይ ኮነ ፍቓዶም እውን ከም ዘይነበሮም ካብታ ከተማ ዝወጸ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ኣብ ናሽቪለ ዝተፈጸመ ጅምላዊ ቶኽሲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ መንበረ ጥበብ ዝተፈጸመ መበል 19 ምዃኑ ይሕብር።

31 March 2023, 15:33