ድለ

Pope Francis hospitalised for respiratory infection, in Rome Pope Francis hospitalised for respiratory infection, in Rome 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሕክምናዊ መርመራ ኣብ ዝግበረሉ ዘለው እዋን ስለ እቲ ዝግበረሎም ቅርበትን ጸሎንት የመስግኑ!

ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ሮማ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ብምኻድ ኣቀዲሙ መደብ ዝተገብረሉ መርመራታት ኣብ ዝገበሩሉ ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ከምዘተርኽበሎምን ሓደ ክልተ መዓልታት ሕክምና ከምዘድልዮምን ተመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ፈጺሞም ኣማስያኡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ሕክምናዊ መርመራ ንክገብሩ ከይዶም። ብልማድ ሰዓል ማይ እንብሎ ረኽሲ ሥርዓተ ምስንፍስ ስለዝተረኽበሎም ንገለ መዓልታት ኣብቲ ሆስፒታል ክዕቈቡ ምዃኖም ብዜና ምስ ተዘርገሐ ቈጺርካ ዘይውዳእ መልእኽታትን ጻውዒት ተለፎናትን ከምዝተቀበሉ ተመልኪቱ። በቲ ዝበጽሖም ብዙሕ ናይ ሠናይ ምንዮትን ጸሎትን መልእኽትታት ልቦም ከም ዝተተንከፈ እንክገልጹ፡ ስለቲ ቅርበትን ጸሎትን ንኩሎም ልባዊ ምስጋናኦም ገሊጾም።

ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕትመትን ዜናን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ናብ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝለኣኽዎ ጸብጻብ "ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ንገለ ኣቐዲሙ ዝተመደበ መርመራታት ናብ ጀመሊ ከይዶም" ክብሉ ሓቢሮም ነበሩ።

ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ!

ከምቲ ልሙድ ቅዱስነቶም ትማሊ ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ቅድሚ ምክያዶም ኣብ ማእከል ሕዝቢ ተዘዋዊሮም ሰላምታን ሓዋርያዊ ቡራኬን ምስ ሃቡ ብዛዕባ ቅዱስ ጳውሎስ ከም ኣርማን ምልክትን ኣብነትን ወኒ ስብከተወንጌል ኣስተምሂሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቅዱስነቶም ገለ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ከምዘለዎም ከምዝሓበሩን ንትማሊ ሮቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ቀትሪ ከኣ ናብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ፖሊክሊኒክ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ሕክምናዊ መርመራ ክግበረሎም ቆጸራ ነበሮም።

እቲ ውጽኢት ሕክምናዊ መርመራ ከም ዘመልክቶ፡ ረኽሲ ሥርዓተ ምስትንፋስ ስለዝተረኽበሎም ንውሑዳት መዓልታት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ንምፍጻም ኣብ ሆስፒታል ክዕቆቡ ከምዘድልዮም ተመልኪቱ።

ነዚ ዜና እዚ ስዒቡ ካብ መላእ ዓለም ቀልጢፎም ንክሓውዩ ጸሎትን ሠናይ ምንዮትን ዝገልጽ ብዙሕ መልእኽታት ይውሕዝ ኣሎ። ቅዱስነቶም

በቲ ዝተቀበልዎ ብዙሕ መልእኽትታት ልቦም ከም ዝተተንከፈ ብምግላጽ ንኩሎም ስለቲ ቅርበትን ጸሎትን ዘለዎም ልባዊ ምስጋና ኣቀሪቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 March 2023, 13:34