ድለ

2023.03.16 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ 2023.03.16 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ

ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ብህጹጽ ኣብ እትጽበየሉ ዘላ ህሉው ተቕዋማዊ ዘይምርድዳእ ይብእስ ምህላዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ብበዓልቲ ቤቶምን ናይ መንግስቶም ላዕለዎት ኣካላትን ንተሰንዮን ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ናጂብ ሚካቲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፥ መራሔ መንግስቲ ሊባኖስ ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 መጋቢት ንወግዓዊ ምብጻሕ  ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ሊባኖስ መራሔ መግንስቲ ናጂብ ሚካቲ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቶም ዝተኻየዱ ክሌኣዊ ርክባት ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ተንከፍ ዛዕባታትን ክሌኣዊ ርክብ ሊባኖስን ቅድስቲ መንበርን ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ዘሰክፍ ህልው ኩነታት ሊባኖሳውያን

ብዛዕባ እቲ ንህዝቢ ሊባኖስ ዘጋጥሞ ዘሎ ከቢድ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንምምራጽ ብህጹጽ ኣብ እትጽበየሉ ዘላ ህሉው ተቕዋማዊ ዘይምርድዳእ ምኽንያት ይብእስ ምህላዉ ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ስክፍታ ከም ዝገለጸት ኣመላኺቱ፡

ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት

“ንመላእ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ንምኽዋን ኣብ ሊባኖስ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘሎ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ምድልዳል ከም ዘድሊ” ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ከም እተሰመረሉን ገሊጹ፥ ኣብ ምዝዛም እቲ ክሌኣዊ ርክብ ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ከም እተኻየደ ኣፍሊጡ።

ስነ ስርዓት ምልውዋጥ ገጸ በረኸት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ሊባኖስ መራሔ መንግስቲ ሚካቲ “ማሕበራዊ ፍቕሪ” ዘርእስቱ ሓደ ሕጻን ንብጻዩ ካብ ዝወደቖ ከተንስእ እንኮሎ ዘርኢ “ፍቕራዊ ሓገዝ” ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ብነሓስ እተቐርጸ ስእሊ፡ ናይ 2023 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰላም፡ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቲ ሰነድ ከምኡ እውን ዕለት 27 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እዋን ተፈናተትን ውሸባን ብምኽንያት ለብዒ ንበይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ መዓት ለብዒ ከናግፈና ዘቕረብዎ ዓለም ለኻዊ ስርዓተ ጸሎት ብስእሊ ዘርኢ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡሎምን መራሔ መንግስቲ ሊባኖስ ሚካቲ እውን ብወገኖም ሕማማት ድንግል ማርያም ቅብኢ ዝተነብሮ መትሓዚ ጸበል ከም ዝለገሱሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

17 March 2023, 15:52