ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውቅያኖሳት ንኹሉ ወለዶታት ህያብ እግዚኣብሔር እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓናማ ናብ ዝካየድ ዘሎ ሻምናይ ሓቆፍ ጉባኤ ዛዕባ ውቅያኖ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዓለም ዝርከቡ መንግስታት ውቅያኖስ ንረብሓ መጻኢ ወለዶ ብዝኣመተ ኣገባብ ክኸናኸንዎ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ከም ዝሓበሮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ፓናማ፥ “ውቅያኖሳትና፣ ዘሎና ምትእስሳር” ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ እዚ እውን “ንተግባራትናን እነቕርቦ መምርሕታትን ንምርግጋጽ ውሕስነትን ምክልኻልን ውቅያኖስ” መሰረት ኣገዳስነት ፍልጠት ብኣጽንዖት ናብ ዘመላኸተ ካብ ዕለት 2- 3 መጋቢት ናብ ዝተኻየደ ናይ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሻምናይ ዋዕላ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ክፍለጥ እንከሎ፥ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዋና ቤት ጽሕፈት ዛዕባ ምክልኻልን ንዕቃበ ከባቢታት ውቅያኖስ ዝድርኽ ሓድሽ ውዕል ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ንጽሒቱ ዝተላእከ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ውቅያኖሳት ህያብ ፈጣሪ ንኹሉ ሰብ
ካብ ኣስተንትኖን መጽናዕትን ጀሚርና ብዛዕባ ዝተሓላለኸን ዘደንቕን ኣገባባትን ሚዛንን ውቅያኖሳት ዘሎና ርድኢት ንማሕበረሰባት ገማግም ብሕሪ ጥራይ ዘይኮነስ ንዅሉ ፍጥረት ሰብ ዘለዎ ግደ ከነደንቕ የኽእለና፥ ውቅያኖስ “ካብ ፈጣሪ ከም ህያብ” ዝተወሃበና እዩ ስለዚ ድማ ናብ መጻኢ ወለዶታት ንምስግጋር ብፍትሓውን ንዘላቕነት ብዝኣመተ ኣገባብ ክንጥቀመሉ ኣብ ዘኽእል መዳይ ክንዓዩ ኣሎና ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ብውቅያኖሳትና ሰብኣዊ ምትእስሳራትና
ቅዱስነቶም ኣብቲ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ናይ ፖለቲካን ናይ ትካላትን መራሕቲ ኣብቲ ይሴባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፥ “ዘይንጽል ኵለንተናዊ ራእይ ስነ ሕይወት” ማእከል ኪገብሩ ኣተሓሳሲቦም፥ ብከላን ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳን ከምኡ እውን ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝርከብ ጸጋታት ንምውጻእ ዝዋፈራ ኢንዳትሪታት ኣብ ልዕሊ ውቅያኖሳትን ከምኡ እውን ንባሕረይናታትን ተቐማጦ ብማያት ውቅያኖስን ባሕርን ዝመሓደሩ ማሕበረሰብ ዘስዕቦ መዓት ውቅያኖሳትን ሰብኣዊ ፍጥረትን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ፥ ስለዚህ መንግስታት ነዚ ምትእስሳር እዚ ኣፍልጦ ክህብሉ ቅዱስነቶም ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፥
ሓንቲ ስድራ ቤት ኢና ሓደ ዓይነት ሰብኣዊ ክብሪ ንማቐል ክንከናኸኖ ኣብ ዝተጸዋዕናሉ ናይ ሓባር ቤት ድማ ንነብር!
ናብ ተስፋ ሰለስተ ኣንፈታት
ቢሎም ቀጺሎም ርክብ ደቂ ሰባት ምስ ውቅያኖሳት ንምምሕያሽ ሰለስተ ኣንፈት ከቕርቡ እንከለዉ፥ ፈለማ ገዓር ድኻታትን ምድርን ክንሰምዕ ኣሎና፡ ስለዚ ድማ “ኣብ ብኽነትን ኢዘላቕን ዝኾነ ኣገባባት ሃልኪ ዝተመርኮሰ ቀጥዒ ምዕባለ ብህጹጽ ክንግምግም ኣሎና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካልኣይ ወዲ ሰብ “ንስነ ህይወት ባሕሪ፡ ገማግም ባሕርን ሩባን ንምሕላውን ንምዕቃብን ውህደት ክህሉን እቲ ሳልሳይ ድማ መንግስታት ኣብ ውቅያኖሳት ልዕሊ ንዝግበር ንጥፈታት ንምቁጽጻርን ንምውህሃድን ውጽኢታዊ “ስርዓታት ምሕደራ” ክፈጥሩ ኣለዎም ቢሎም፥ “በዚ ኣንፈታታ እዚ ምስ እንሰርሕ ወትሩ ተስፋ ክህሉ እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።