ድለ

2020.03.14 Petersdom Petersplatz Piazza San Pietro Basilica San Pietro

ር.ሊ.ጳ "Vos etis lux mundi" ንስኹም ብርሃን ዓለም ዝብል ኣዋጅ ኣንጻር ግህሰት ኣጽዲቆም

ድሕሪ ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመታት ፈተነ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተኣፈፍቲ ዓበይትን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻልን ንምምካትን ዝሕግዝ እዋናዊ ስርዓተ ሕግታት ተሓቲሙ ኣሎ። ናይዚ ዝተሓደሰ ሕጊ ትርጉም ዘለዎ ሓድሽ ነገር ንሓላፍነት ጳጳሳትን ገዳማውያን ሓለፍትን ዝምልከት ስርዓታት እውን ናብ ዓለማውያን ኣካየድቲ ናይተን ብቅድስቲ መንበር ኣፍልጦ ዝረኸባ ዓለምለኸ ማሕበራት ምእመናን እውን ዝምልከት ምዃኑ እዩ። እዚ ዝተሓደሰ ጽሑፍ እዚ ምስቶም ካብ 2019 ክሳብ ሕጂ ዝተኣታተዉ ካልኦት ኣውጃት ጽገናታት ሕዳሴን ምቁጽጻርን ብዝሰማማዕ መንገዲ እዩ ቀሪቡ ዘሎ።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንዝፍጸም ተርእዮ ጾታዊ ዓመጽ ንምክልኻልን ንምምካትን ዝሕግዙ ኣገባባትን ዓንቀጻት ሕግን ድሕሪ ናይ ዳርጋ ኣርባዕተ ዓመት ፈተነን መጽናዕት፡ ንጳጳሳትን ላዕለዎት ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበርን ብኩርያ ሮማና ዝፍለጡ ሓገዝቶምን መማኽርቶምን ብምውካስ ብውዱእ መንገዲ ነቲ ሕጊ ኣዊጆምዎ። እቲ ብmotu proprio "Vos estis lux mundi" ማለት ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም ዝብል ሓዋርያዊ ኣዋጅ ትማሊ ተሓቲሙ። እዚ ሕጊ እዚ  ካብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2023 ዓም ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብወርሒ ግንቦት 2019 ዝተኣወጀ ሓዋርያዊ ቅዋም ዝስርዝን ኣብ ቀጻሊ ኣንጻር  እዞም ገበናት እዚኦም ዚካየድ ቃልሲ ክቕጽል ድሌት ከምዘለዎም ዘረጋግጽን እዩ።

ኣብዚ ሓድሽ ሥርዓታት ናይዚ ሕጊ ዝተኣታተወ ዕዙዝ ትርጉም ዘለዎ ሓዲስ ጉዳይ ኣብ ካልኣይ ኣርእስቲ ናይ ሕጊ ዝርከብ ኮይኑ፡ ንሓላፍነት ጳጳሳት፡ ሓለፍቲ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ናይ ሓንቲ ፍልይቲ ክልላዊት ቤተ ክርስቲያንስ ይኹን ኣብ ሰበኻውን ዕቅብናውን ምምሕዳራት ምምራሕ ዝርከቡ ሓላፍነት ዘለዎም ጳጳሳትን ካህናትን ዝምልከት ድንጋገታት እዩ። ብሓቂ ክርአ ከሎ ከኣ ፡ "ብሓዋርያዊት መንበረ ጴጥሮስ ኣፍልጦ ዝረኸበ ወይውን ዝተተኽለ ዓለምሓቆፋዊ ማሕበራት ምእመናን ዝኾኑ ወይውን ዝነበሩ ዓለማውያን ምእመናን እውን ከይተረፉ፡ በቲ ዝተፈጸመ ተግባራት"  ተሓተቲ ምዃኖም የመልክት።

እቲ ሰነድ ንዝተፈጸሙ ዝተፈላልዩ ግህሰት መሰላትን ጾታዊ ዓመጻትን ንምጽናዕን ግቡእ መልስን መአረምታን ንምሃብን ምእንቲ ክሕግዚ ነቲ ካብ 2019 ክሳብ ሎሚ ዝተኣታተዉ ካልኦት ምቁጽጻራዊ ጽገናታትን ንምስምማዕ ካልኦት ብዙሓት ለውጥታት ኣተኣታትዩ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ምስቲ ብ2021 ዝተመሓየሸ ሕግታት motu proprio "Sacramentorum sanctitatis tutela" ንምክልኻል ቅዱሳት ምሥጢራት ዝምልከት ሓዋርያዊ ኣዋጅ ኣብ ራብዓይ መጽሓፍ ሕገ ቀኖና ዝተገብረ ምምሕያሻት) ከምኡ'ውን ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኣወጀ ሕዳሴ ኩርያ ሮማና ዝምልከት "Praedicate Evangelium" ኣብ 2022 ዝተኣወጀ ወንጌል ስብኹ ዝብል ኣዋጅ የጠቃልል።

ካብዚኦም ንኣብነት ነቶም ተኣፈፍቲ ዝበሎም ሽማግለታት ዝምልከት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ነቲ ዓመጻት "ምስ ትሕቲ ዕድመ ወይ ምስ ሓደ ተኣፋፊ ወይውን ድኹምን ንጥቅዓት ተቓላዓይ ሰብ ጾታዊ ተግባራት ምፍጸም" ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ሓድሽ ሥርዓት ግን ‘’ተጻይ ሻድሻይ ትእዛዝ ምስ ዓሰርተ ዓመት ዝዕድሚኦም ትሕቲ ዕድመ ወይውን ምስ ሓደ ዘይፍጹም ኣእምሮኣውን ኣካላውን ብቅዓት ዝጐድሎ ሰብ ዝፍጸም ገበን" እንክብል ይገልጾ። እዛ ተኣፋፊ ሽማግለ ወይውን ሓደ ዓቢ ተቓላዓይ" ትብል ቃል የስምረላ። ካልእ ለውጢ ድማ ንሓለዋ ናይቶም ዝተፈጸመ ግህሰት ዝሕብሩ ዝምልከት እዩ: ማለት ነቲ ጒድለት ንዘብ መዚ ዘመልክቱ በቶም ገበነኛታት ክወርዶም ካብ ዝኽእል ጒድኣት ምክልኻል ማለት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሕብር ሰብ ናይ ስቕታ ግዴታ ክግበር ከምዘይክእል ክግለጽ እንከሎ፡ ሕጂ ግን እዚ ሓለዋ ክናዋሕ ከምዘለዎ ተወሰኸሉ፣ እዚ ከኣ ብዘይካ እቶም ነቲ ገበን ዝሕብሩ እቶም ናይቲ ዓመጽ ግዳይ ኮይኖም ዝኸሱን ንምስክርነት ዝቀርቡን ሰባት ሓለዋ እውን ክቅጽል ምዃኑ እዩ። "ሕጋዊ ሓለዋ ናይቲ ጽቡቕ ስምን ናይ ብሕቲ ዓውዲ ኩሎም እቶም ዝምልከቶም ሰባትን" ክሕሉ ዝሕተተሉ ክፋል፡ ከምኡ'ውን ዝተኸሰ ሰብ ኩሉ ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ብምእታው እቶም ኣብ ትሕቲ መርመራ ናይ ዝርከቡ ሰባት ንጽህና ማለት ካብ ገበን ነጻ ምዃን ግምታት ይድልድል።

ኣብቲ ሓድሽ "Vos estis lux mundi" ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም ዝብል ኣዋጅ ኣብ ሃገረ ስብከታትን ኤጳርቅናታትን ኩሎም "ኣካላትን ኣብያተ ጽሕፈታትን" ቤትክርስትያን ክተኣታቶ ከም ዘለዎ እውን ተገሊጹ ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ጽሑፍ ብሓፈሻ ብዛዕባ "ርጉእ ስርዓታት" ይዛረብ ነይሩ። ህዝቢ ጸብጻባት ዓመጽ ብቐሊሉ ምልክታ ክቅበል ይብል። ከምኡ’ውን እቲ መርመራ ናይቲ ገበን ኣብቲ እቲ ክሲ ዝተመሥረተሉ ሰበኻ ዝርከብ ጳጳስ ወይ ኣቡን ዕማም ምዃኑ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

ከም ዝዝከር፡ ኣብ 2019 ዝተኣታተወ ኣገባባት፡ ኣብ ቅድሚ ጸብጻባት ግህሰት ብኸመይ ክመላለሱ ከም ዘለዎም ብትኽክል ዘቐምጥ፡ ማለት ቦታ ጳጳሳትን ሓለፍቲ ገዳማትን ዝገልጽ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ርእሲ ዓለምሓቆፋውያን ማሕበራት ዘለዉ ዓለማውያን ምእመናን እውን ብስርሖም ተሓተትቲ ምዃኖምን ግዴታ ከምዘለዎምን ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝተመስረተ ሕጋዊ ትእዛዝ ዝፈልጥዎ ግህሰት ክሕብሩ ትሑዛት ምዃኖም ይገልጽ።

እቲ ሰነድ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተኣፈፍቲ ዓበይትን ሽማግለታትን ዝፍጸም ግፍዕን ዓመጽን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ምጥቃም ስልጣን ዝመጽእ ጾታዊ ዓመጽን ግፍዕን እውን ዘጠቃልል እዩ። ስለዚ እዚ ግዴታ እዚ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ገዳማውያት ደቂ ኣንስትዮ ብካህናት እንክፍጸም፣ ከምኡ’ውን ንጉዳይ ግፍዒ ተመሃሮ ዘርአክህነት ወይውን ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ተመካርያን እውን የጠቓልል።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 March 2023, 10:41