ድለ

2023.03.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ይላበዉ 2023.03.27 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ይላበዉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ስነ ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ይላበዉ

ኣብ መንጎ ኣመንትን ኢኣማንያንን ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ስነ ምግባር ስነ ፍልጠትን ስነ ጥበብን ከምኡ እውን ኣብ ምድላይ ትርጉም ህይወት ዝግበር ዘተ ናብ ሰላምን ናብ ዘይንጽል - ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝወስድ መገዲ ምዃኑ ርግጸይና እየ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ረብሓታት እደ ጥበባውን ሰብ ሰረሖ ብልሒን ዚነኣድ እኳ እንተኾነ ከበድቲ ሕቶታት ከም ዘበገስን ሰብኣዊ ክብርን ሓባራዊ ጥቕምን ንምድንፋዕ ከኣ ብስነ ምግባራውን ብሓላፍነትን ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንረብሓ እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ብልሕን ንሓብራዊ ረብሓ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ባህ ዝብሎም እኳ እንተኾነ፡ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ብዘይ ስነ ምግባርን ብኣልቦ ሓላፍነትን ኣገባብ ምጥቃም ምቅዋም የድሊ፡ ነዚ ዝበሉ ዕለት 27 መጋቢት ኣብቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓልዮ ባህልን ትምህርትን ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ተመራመርትን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ንዘተ ኣብ ዝብል  ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተጋባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ተመራመርትን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን መሃንድሳት ስነ ፍልጠት መራሕቲ ንግድ ናይ ሕግን ፍልስፍናን ሊቃውንቲ ከምኡ እውን ወከልቲ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ኩርያ ሮማናን ናይ ቲዮሎጊያን ስነ ምግብርን ሊቃውንቲ ዘራኸበ፡ ብዛዕባ እቲ ማሕበራውን ባህላውን ጽልዋ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ብጥልቂ ዘለዎ ማሕታ ንምጽናዕን  ክስትውዓልን ዝግበር ጻዕሪ ንምድጋፍ ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ እደ ጥበብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ቀጻሊ ዘተ ብፍላይ ንሓላፍነታዊ ኣጠቓቕማ እደ ጥበብ ዝምልከት ዘተ ዘጠቓልል ብምዃኑ፡ ልዑል ዋጋ ከም ዝህብዎ ገሊጾም፡ እዚ ዘተ “ንሃይማኖታዊ ክብርታት ክፉት” ክኸውን ኣለዎ፥

ኣብ መንጎ ኣመንትን ኢኣማንያንን ኣብ መሰረታዊ ሕቶታት ስነ ምግባር ስነ ፍልጠትን ስነ ጥበብን ከምኡ እውን ኣብ ምድላይ ትርጉም ህይወት ዝግበር ዘተ ናብ ሰላምን ናብ ዘይንጽል - ውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝወስድ መገዲ ምዃኑ ርግጸይና እየ።

እደ ጥበብ ንሰብኣዊ ስድራ ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ሕክምና ምህድስናን መራኸብታት ኣዚዩ ጠቓሚ እዩ። ግብራዊ ረብሓታት ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ኣብ ምእማን “ከም መርትዖ ናይ መሃዝነት ደቂ ሰባትን ውርዙይ ጸዋዕታኦምን ኣብ ምህዞኣዊ ተግባር ኣምላኽ ብሓላፍነት ተሳታፊ ምዃኑ ንርእይ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብስነ ምግባር ምውሳእ

“ካብዚ ኣረኣእያ እዚ ብምብጋስ ሰብ ሰርሖ ብልሒ ኣብ መጻኢ ወዲ ሰብ ብእወታዊ መገዲ ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዓቕሚ ከም ዘለዎ ርግጸና እየ . . . ማዕረ ማዕረ እዚ ዓቕሚ ክውን ክኸውን ብወገን እቶም ነዞም እደ ጥበብ ዘማዕብሉ ኣካላት ብስነ ምግባራውን ሓላፍነታውን መገዲ ንኽዋስኡ ቀጻሊ ተወፋውነት ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፥

ብዙሓት ኣብዞም ዓውድታት ዘለዎ ሰባት ዕደ ጥበብ ኣብ ሰብ ማእከል ዝገበረ ብስነ ምግባር ዝተመርኮዘን ናብ ጽቡቕ ዝቐንዐ ኮይኑ ክቕጽል ይሰርሑ ምህላዎም ምፍላጥ ዘረጋግእ እዩ

እቲ ዝርአ ዘሎ ምርድዳእ ኣብ ኣድላይነት “መስርሓት ልምዓት ከም ሓቛፍነት ማለት ዘይንጽል ግሉጽነትን ድሕነትን ፍትሓውነትን ውልቃዊ መሰልን ተኣማንነት ዝኣመሰሉ ክብርታት ንምኽባር ዝብል ብምዃኑ ብሓቂ ባህ የብል። ብተወሳኺ ኣህጉራው ትካላት ነዞም እደ ጥበብ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ጻዕሪ ዘሐጉስ እዩ። ሓቀይና ምዕባለ ከስፍሑ ማለት ኣብ ዝሓሸት ዓለምን ብውህደት ዝለዓለ ጽሬት ህይወትን ኣበርክቶ ኪገብሩ ዘተባብዖም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ውሽጣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን

“ስለዚ ኣብ ምይይጥኩም ውሽጣዊ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ምግምጋም ንእደ ጥበብ መዐቀኒ ክትገብሩ እላቦ። ክብሪ ንምኽባርን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደረጃ ህይወት ወዲ ሰብ መግለጺኡ ንምዕባይን ክሳብ ዝሕግዙ ብስነ ምግባር ተቕባል ክረኽቡ ኣለዎም፣ . . . ክሳብ ሕጂ ዝተረኽቡ መርትዖታት ብስነ ኣህዛ ዝተራቐ እደ ጥበብ ኣብ ዓለምና ዘይማዕርነት ከም ዘዕበየ ዝሕብር ብምዃኑ እዚ የሰክፈኒ” ምእንቲ እዚ ነዚ ጉዳይ እዚ መፍትሒ ምሃብ የድሊ ቢሎም፥ . . . ክብ እናበለ ዝኸይድ ዘሎ ዘይማዕርነት ንናይ ሰብኣውን ማሕበራውን ምትሕግጋዝ ስምዒት ከዳኽም ዝኽእል ሓደጋ ኣሎ ዶ፥ ሓባራዊ ዕጫ ከም ዘሎና ዘመላኽት ስምዒት ክንስእን ይገብረና ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ዘቕረቡ ቅዱሰነቶም ኣስዒቦም ሓቀይና ዕላማና ንዕብየት ስነ ፍልጠትን እደ ጥበባውን ምህዞታት ብዝዓበየ ማዕርነትን ማሕበራዊ ምትእትታውን ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ውሁብ ጭብቲ ክብሪ ወዲ ሰብ ክዕቅን ኣይክእልን

“ኣምር ውሽጣዊ ሰብኣዊ ክብሪ መሰረታዊ ዋጋ ሓደ ሰብ ብውሁብ ጭብጢ ጥራይ ክዕቀን ከም ዘይክእል ክንፈልጥን ከነኽብርን ይጠልበና” . . . ከምዚ ዓይነት ውሁብ ጭብጢ ብሕብረተሰብኣዊ ጽልእን ቅድመ ኣረኣእያታትን “ክብከል” ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ ሓደ ሰብ ሕሉፍ ባህሪኡ ናብ ለወጢ ክዓቢን ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ናይ ምግባር ዕድልን ንምግታእ ክውዕል የብሉን” እንክብሉ ዝገለጹ ቅዱሰንቶም፥

ሒሳባዊ ኣገባባት ንኽብሪ ደቂ ሰባት ክድርት ወይ ቅድመ ኩነት ክገብር ወይ ድማ ርህራሄ ምሕረት ይቕረታ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሰባት ክቕየሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ተስፋ ከግልል ክንፈቕድ ኣይንኽእልን ኢና፥

ቢሎም ስለ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ዘተን ስለ ምርኻቦምን ተጋባእያን ነንሓድሕዶም ዝህልዎም ኣበርክቶ ጽን ብምባል ንምስትንትና ንዝገብርዎ ጻዕሪ ኣነስጊኖም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊቱ።

29 March 2023, 15:36