ድለ

2023.03.10   L'intervista del Papa a Infobae 2023.03.10 L'intervista del Papa a Infobae 

ናብ ኣርጀንቲና ክኸይድ እብህግ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብምኽንያት 10 ዓመት ጵጵስናኦም ኢንፎባ ዝበሃል ናይ ኣርጀንቲና መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝገበረሎም ቃለ መሕትት ‘ኣብ ቬንዙዌላ ለውጢ ክመጽእ ዘለዎም ተስፋ ከማኡ እውን፡ ኲናት ዩክሬን ከብቅዕን፡ ኩነታት ኒካራጓ ፍታሕ ክረክብ’ ዘለዎም ምንዮት ምስ ገለጹ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ከኣ ሽሕ’ኳ ንመብጻዓ ንጽሕና ብዝምልከት ሓያል ተቋውሞ እንተሎ ግድን ክሕሎ ዘለዎ ምዃኑ ገሊጾም። ብግሊ ብዝምልከት እውን ተለቪዥን ንዘይምርኣይ ናብ እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም መብጽዓ ከምዝገበሩ ኣዕሊሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቃለ መሕትት ቅድሚ ዝኣገረ ኣተናኦም ኣብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ብምግባር ይጅምሩ እሞ ናብ ኣርጀንቲና ናይ መገሻ ዘለዎም ባህጊ እውን ኣይሓብኡን። ኣብ ቬንዙዌላ ለውጢ ክመጽእ ዘለዎም ተስፋ ብምግላጽ ከኣ ኣብ ኒካራጓ ዘሎ "ሕሱም ምልካዊ ስርዓት" ይዂንኑ። ኣብቲ መንበሪኦም ዝኾነ መሕደር ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ምስ ወናኒ መርበብ ሓበሬታ ፖርታል ዝኾኑ ዳንኤል ሃዳድ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ካብ ከም ኲናት ዩክሬን ዝኣመሰሉ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ክሳብ ኣብ ልዕሊ ግብረሰዶማውያን ሰባት ዘለዎም ኣመለኻኽታን ተራ ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉዳያት ክሳብ ውልቃዊ ጒዳዮም ዝኾነ "ስለምንታይ ተለቪዥን ዘይትከታተሉ’ ዝብሉ ሕቶታት መሊሾም።

ኩነታት ኒካራጓ!

ቅዱስነቶም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣብ ኒካራጓ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጳጳሳትን ካህናትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ መጥቃዕቲ ሎሚ ኣብ ንህዝብን ቤተ ክርስቲያን ኒካራጓ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት፣ ካብ ምብራር ወኪሎም ዝኾኑ ሓዋርያዊ ኑንሲዮ ክሳብ ምእጋድ ዑደት ሶሙን ሕማማት ከምዘሕዘኖም ይገልጹ። ናይቶም ነታ ሃገር ዝመርሑ ሰባት ሚዛን ዘይምህላዎም ብምኹናን ድማ ነቶም ናይ 26 ዓመት ማእሰርቲ ዝተፈርደሎም  ጳጳስ ሰበኻ ማታጋልፓ ብፁዕ አቡነ ሮላንዶ ኣልቫረዝ ብምጥቃስ ከኣ "ዝተኣሲሩ ጳጳስ ኣለውና። ኣዝዩ ዕቱብ ጳጳስ እዩ። ከምኡ’ውን ብቑዕ ሰብ ኮይኑ ምስክርነቱ ክህብ ስለ ዝደለየ ካብ ሃገሩ ክስደድ ኣይደለየን። እዚ ምስቲ እንፍጽሞ ዘሎና ተልእኮ ዘይቃዶ ነገር’ዩ፣ ዳርጋ ከም’ቲ ናይ 1917 ዝነበረ ኮሚኒስታዊ ምልካዊ ስርዓት ወይውን ናይ 1935 ምልካዊ ስርዓት ሂትለር ዳግም ምንባር እዩ።ንሳቶም ጨካናት ውልቀ መለኽቲ እዮ። ወይውን ጽቡቕቲ ኣርጀንቲናዊት ሓረግ ንምጥቃም ጓራንጋስ ምበልክዎም ማለት ዘይቅጹዓት ዝተጀልሑን ዝተበለሉን ሰባት ኮይኖም ንሓላፍነት ብቅዓት ዘይብሎም እዮም።

ብዛዕባ ናብ ኣርጀንቲና ዝግበር ጉዕዞ!

ብዛዕባ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተዛተዩሉ እዋን፡ ናብ ዓዶም ክገሹሉ ተኽእሎ ዝትሕዝቶኡ ዘይተርፍ ሕቶ ተቀልቀለ።  ቅዱስነቶም ቅድሚ ሽድሽተ ዓመታት ማለት "ንታሕሳስ 2017 ተሓሲቡ ነይሩ" እንክብሉ ነቲ ኣቐዲሞም ካብ ሓውጾተ ኖልዎ ዒራቕ ክምለሱ እንከለው ኣብ ነፋሪት ዝሃብዎ መግለጺ ብምድጋም ከኣ፡ "መጀመርታ ናብ ቺለ፡ ድሕሪኡ ናብ ኣርጀንቲናን ኡራጋይን ምኸድኩ። እቲ መደብ ከምኡ'ዩ ነይሩ። ግን እንታይ ኮይኑ? ኣብቲ እዋን ምርጫ ስለዝነበረ፡ ቺለ ናብ ታሕሳስ ከነሰጋግሮን ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ኣርጀንቲናን ኡራጋይን ክንከይድ ግድን ነበረ።ድሕሪኡ፡ እቲ መደብ ተቐይሩ ቺለን ፔሩን ተወዲበን፡ ካብ ኣርጀንቲናን ኡራጋይን ግን ደሓራይ ምኻድ ይሓይሽ ቢልና፣ እንተኾነ ንኣይ ብዝኾነ መልክዕ እቲ ጉዕዞ መደብ ተታሒዙሉ ነበረ። ኣነ ነቲ ዕድል ክፉት እየ ዝሓድጎ ገና ናብ ኣርጀንቲና ክኸይድ እብህግ" ኢሎም።

ተስፋ ንቬንዙዌላ!

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስስ ኣተኲሮኦም ናብ ሃገረ ቬንዙዌላ ብምቕያር እቲ ስርዓት ክቕየር ከምዝኽእል ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም። "ከምኡ ይመስለኒ" ክብሉ ርእይቶኦም ምስ ሃቡ ምኽንያቱ እንከብራህርሁ፡ "ምኽንያቱ ኣገባብ ዘተኦም ክቕይሩ ዘገድዶም ታሪኻዊ ኩነታት'ዩ ዝረአ ዘሎ... ንኽመጽእ ዝኽእል ፍታሕ ማዕጾ ፈጺመ ኣይዓጽዎን እየ። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ'የ ዘተባብዖም" ክብሉ ገሊጾም።

ዩክሬን!

ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ኣብ ዩክሬን ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ፍታሕ ብዝምልከት ጥንቃቐ ብዝመልኦ ኣዘራርባ፣ "ኩሎም ይሰርሑሉ ኣለዉ" እንክብሉ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ይንቀሳቀሱሉ ከምዘለዉ ጠቂሶም።

ኩላትና ሓጥኣን ኢና!

እቲ ቃለ መሕተት ንቅዱስነቶም ናብ ኩነታት ቤተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ንግብረሰዶማውያን፣ ተፋቲሖም ዳግማይ ንዝተመርዓው፣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን መብጽዓ ንጽሕናን ካልእ ኣርእስታትን ቀረቡሎ፣ ቅዱስነቶም እንክምልሱ ብዛዕባ ምቅባል  ግብረሰዶማውያን ብዝምልከት ነቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ "ኩሉ ሰብ! ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዳስ መርዓ ይእቶ’ ዝበሎ ጠቂሶም፣ 'እቶም ዝተመርጹ ዕዱማት' ናብቲ ድግስ ክመጹ ኣብ ዘይደለዩሉ እዋን፡ እቶም ኣገልገልቲ ናብ ጐዳናታ መስቀላዊ መንገዲ ክኸዱ እሞ ንኹሉ ክጽውዑ ኣዚዙ፣ ሽዑ፡ ሕያዎትን ክፉኣትን፡ ኣረገውትን ናኣሽቱ ሕጻናትን ኮታስ ንኹሉ ሰብ ኣኪቦም። ቤተ ክርስቲያን ከማኡ ንኹሉ ሰብ እያ። ኩሉ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ ጎይታ ኩነታቱ በቲ ዝተዓደሎ ጸጋ ሓይሊ ይጸባጸቦ። እዚኣ እያ ብሓጥኣን ዝቆመት ቤተ ክርስቲያን’ ብማለት ከምዚ ክብሉ ኣብርህዎ።

ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ኣበይ ከምዘላ ኣይፈልጥን እየ፡ እንሆ ኩላትና ሓጥኣን ኢና፡ ከምቲ ኣብ 2013 ናብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ኣብ ዝገበርክዎ ናይ መጀመርታ ሓውጾተ ኖልዎ ዝበልክዎ ‘ንሰብ እንተድኣ ክፈርዶ ኮይነ ኣነ መን እየ’! እቲ ሰብ ሰናይ ድሌት ኣለዎዶ ሓቀይ? ምናልባት ብዝያዳ ካብ ናይ ዲያብሎስ ጕጅለ እንተመሲሉ ደሓን ቁሩብ ንከላኸሎ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብዙሕ ትኹረት ይወሃቦ ኣሎ። ኢየሱስ ንኹሉ ይጽውዕ! ነፍስወከፍ ሰብ ድማ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ከምቲ ንሱ ወይ ንሳ እትኽእሎ ገቢሩ ይጸባጸቦ፣ ነዚ ሓንሳእ ሓንሳእ ክደልይዎ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ሸለል ክብልዎ ይከኣል እንተ ጐይታ ግን ወትሩ ምስ ተጸበዮም እዩ።

ቅዱስንቶም ብምቅጻል ምስዚ ብዝመሳሰል መስመር ብዛዕባ ምዕዳል ምሥጢራት ተፋቲሖም ዳግም ንዝተመርዓው ርእይቶኦም እንክህቡ፣ ‘ኣብ 2014-15 ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ብዛዕባ ስድራ ቤት ክዛረቡ ከለዉ ንኩሉ ‘ሕልና ነፍስ ወከፍ ጳጳስ’ ብምሕዳግ እቶም ሰብ ጉዳይን ናይ ግሊ ጳጳሳቶምን ንክፈትሕዎ ንዘቅረብዎ ሓሳብ ብምዝኽኻር ሕጂ እውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ጸገማት ዘለዎም መጻምድቲ ብቀጥታ "ናብ ጳጳሶም ክኸዱን" ኩነታቶም ከቕርቡሉን ሓደራ ኣዘኻኺሮም።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነንሕድሕዶም ይመላላኡ!

ንቅዱስነቶም ስዒባ ዝቀረበት ሕቶ ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስትያን ነበረት። እንክምልሹ ከኣ፣ ‘ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሓ ብዝያዳ ደቂንስትዮ ኣለዋ: እዚ ከኣ ኣድላዪ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ፣ ምኽንያቱ ድማ ማቺዝም እንብሎ ዕብለላ ደቂተባዕትዮ ዝዝውተርሉ ኣገባብ  ሕማቕ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ መብጽዓ ንጽሕና ናብ ማቺዝም ገጹ ክመርሓካ ይኽእል እዩ። ምስ ደቂ ኣንስትዮ ሠሪሑ ዘይፈልጥ ካህን ገለ ነገር ይጎድሎን ኣይበሰለን። ቤትጽሕፈታ ቫቲካን ኣዝዩ ብደቂተባዕትዮ ዝተባሕተ እዩ ነይሩ፣ እንተኾነ ግን ኣካል ናይቲ ባህሊ ብምንባራ ናይ ማንም ጌጋ ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ ከምዚ ይግበር ነሩ ብዝብል ልማድ ይካየድ ነበር። ሕጂ ግን ነገራት ይቕየሩ ኣለዉ። ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ክእለትን ኣገባብን ኣለወን። ናይ ግዜ፡ ናይ ምጽባይ፡ ናይ ትዕግስቲ፡ ካብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ዝተፈልየ ስምዒት ኣለወን። እዚ ንወዲ ተባዕታይ ኣየጉድሎን እዩ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሽሕ’ኳ ዝተፈላለያ ባህርያት እንተለዎም ነንሕድሕዶም ክመላላኣ ኣለዎም።

ከምኡ'ውን ኣብ ምዕራባዊት ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ መብጽዓ ንጽሕና ዝብል ሕቶ ብዝምልከት ቅዱስነቶም "ግዝያዊ ትእዛዝ እዩ... ከም መዓርገ ክህነት ዘለኣለማዊ ኣይኮነን... ብኻልእ ወገን መብጽዓ ንጽሕና ስነ-ስርዓት እዩ’ ምስበሉ፣ እቲ ሓታቲ "እሞ ዳግመ ግምት ክግበረሉ ኣለዎዶ ትብሉ?" እንክብል ምስ ሓተቶም ቅዱስነቶም "እወ" ክብሉ መለሱ።

ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝረኤ ምክፍፋል!

ጋዜጠኛ ሓዳድ ብምቅጻል ብዛዕባ እቶም ወዲ 92 ዓመት ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ጁልያን ሄራንዝ ብምዝካር ካብቶም ምስኦም ዝሰርሓሎም ሽዱሽተ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት "ምናልባት እቲ ጸላኤ ሠናያት ዲያብሎስ ወትሩ ንቤተ ክርስቲያን ንምብታንን ምስፍሕፋሕ ወንጌልን ንምዕንቃፍን ምስ ክልተ ጳውሎስ ሻድሻይን ክልተ ፍራንቸስኮን ሰሪሑ ክኸውን ይኽእል እዩ።" ክብሉ ንዝጸሓፍዎ እንታይ ትብሉ እንክብል ምስ ሓተቶም ቅዱስነቶም ከምዚ ክብሉ መለሹ።

“እዚ ሓቂ ድዩ ኣይኮነን ክፈርድ ኣይክእልን እየ። ሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሕማቕ ዓይነት ተቓውሞ ኣሎ፡ እዚ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ጽቡቕ ተቓውሞ እንተኾይኑ ጽቡቕ ፕሮጀክት እንተሰሪሐ ዝረኣየሉን ዝዝረበሉን እዩ። እቲ ሕማቕ ተቓውሞ ግን ኣብዚ ዝዝረበሉን ጥልመት እናደለየ ንድሕሪት ዝምለስን እዩ። ኣነ ገርሂ እየ ወይውን ኣይሰምዖምን እየ። እንተኾነ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ነገራት ኣለዉ፣ እወ ብርግጽ ኣብ ሓደ ኲርናዕ ተሓቦኦም ኣለው። ምናልባት ከምቲ ዝውረ ኣብ ኣፍደገ ምፍልላይ እንተንኸውን ሕማቕ ነገር ምኾነ፣ ንኣብነት ጉዳይ ናይ ሓደ ኣዝዩ ፍሉጥ ኣሜሪካዊ ጳጳስ ኣሎ፣ ንሱ ኑንሲዮ እዩ ነይሩ። እዚ ሰብኣይ ካቶሊክ ድዩ ኣይኮነን ኣይፍለጥን፣ ኣብ ዶብ እዩ ዘሎ። ነዞም ተቓውሞታት ግን ብሕማቕ ሒዞሞም። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ተቓውሞ ተራእዩ እዩ። ኣነ ብገዛእ ርእሰይ ንዓይ ክነቕፉኒ ከለዉ ሽሕ’ኳ ሓድ ሓደ ግዜ ዘይፈትዎ እንተኾንኩ፡ እቅበሎ እየ!።”

ተለቪዥን የለን!

ኣብ መወዳእታ ንምጥቃስ ዚኣክል ነቲ ቅዱስነቶም ቅድሚ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ንቅድስት ድንግል ማርያም ዘቀርሜሎስ ተለቪዥን ንዘይምርኣይ ዝኣተወዎ መብጽዓ ዘኪሮምሎም። እዚ ከኣ ዕለት 15 ሓምለ 1990 እዩ ነይሩ። ምስ ማህበሮም ተለቪዥን ሕብረተሰብ እናተዓዘቡ እንከለው ‘ንልቢ ዘይጽቡቕ ነገራት ፈነወ ነበረ። ሓጢኣታዊ ነገራት ዘይኮነስ እቶም ንልቢ ዘዳኽሙ ኣንጻራዊነት ነበሩ። ንጽባሒቱ ኣብ ቅዳሴ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ዘቀርመሌዎስ ቅዱስነቶም እዚ ነገራት እዚ "ብዘይ ምንም ጸገም ክርእዮ ከምዘይብለይ ተሰሚዑኒ፡ በዚ ከኣ እንትርፊ ሳሕቲ ግዜ ንሓጸርቲ ፍጻሜታት ይኣክል ኢለ’ እንክብሉ ከምዝቈረጹ ብምግላጽ ቃለ ምልልሶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 Mar 2023, 12:19