ድለ

Pope Francis hospitalised for a respiratory infection, in Rome Pope Francis hospitalised for a respiratory infection, in Rome 

ር.ሊ.ጳ ጥዕናኦም ይመሓየሽ ስለዘሎ ኣብ ዝቕጽል ሒደት መዓልታት ካብ ሆስፒታል ክወጹ ይከኣል!

ካብታ ንመርመራ ሕክምና ዝኸዱላ ድሮ ሳልስቲ ኣብ ሆስፒታል ዘለው ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በቶም ዝሕክምዎም ዘለው ሓካይም ዝቀረበ ጸብጻብ መሠረት ኣብ ዝቅጽል ሒደት መዓልታት ካብ ሆስፒታል ክወጹ ከምዝኽእሉ ዝገለጹ ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕትመትን ዜና ቅድስት መንበር ማቴዮ ብሩኒ፡ "ቅዱስነቶም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዕረፍቲትን ጸሎትን ገለ ናይ ስራሕ ዕማማት ብምፍጻምን ኣሕሊፎሞ። ዝከታተልዎም ሓካይም ከኣ ብኢንፍዩዥን ኣንቲባዮቲክ ዝበሃል ጸረ-ታህዋስያን መድሃኒት ከምዝሃብዎም ጽቡቅ ምምያሽ የርእዩ ከምዘለውን ኣመልኪቶም’ ዝብል ሓበሬታ ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ዋላ እኳ ቁሩብ ተጸሊእዎም እንተሎ ምስ ዕረፍትን ጸሎትን ኣመንግዮም ገለ ናይ ስራሕ ግቡኣቶም ይፍጽሙ ከምዘለው እንክምልክት፣ ነዚ ከኣ ካብታ ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሆስፒታል ፖሊክሊኒክ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ዝተዓቊቡሉ ጀሚሮም ዝገብርዎ ዕለታዊ ተግባሮም  ምዃኑ ተገሊጹ። ነዙይ ዝገለጹ ዋና ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሕትመትን ዜና ቅድስት መንበር ማቴዮ ብሩኒ፡ እንክኾኑ ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ ነበረ።

ሓበሬታ ሓካይም!

ማተዮ ብሩኒ ነቲ ​​ኣብ ሆስፒታል ንር.ሊ.ጳ ትጽቢት ዝግበር ምክትታል ምስ ንጹር ምምሕያሽ ኩነታት ጥዕናኦም ብምግንዛብ፣ ብመሰረት እቶም ሓካይም ዝህብዎ ጸብጻባትን መግለጽን "በቲ ክሳብ ሕጂ ዝረአ ውጽኢት መሰረት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት ካብ ሆስፒታል ክወጹ ዚከኣል እዩ" ኢሎም።

ናይ ሎም ንጋሆ ዜና!

ወሃቢ ቃል ማተዮ ብሩኒ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ'ውን ‘ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብለይቲ ጽቡቕ ከም ዘዕረፉን እቲ ክሊኒካዊ ጸብጻብ "በብቑሩብ እናተመሓየሸ ይኸይድ ከምዘሎን" ኣመልኪቶም። ቅዱስነቶም ቅድሚ ምሳሕ ናብታ ኣብቲ ሆስፒታል እትርከብ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት ከይዶም ከምዝጸልዩን ቅዱስ ቁርባን ከምዝተቐበሉን እውን ሓቢሮም።

31 March 2023, 12:47