ር.ሊ.ጳ. ዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሸይሞም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይጀሪያዊ ሊቀ ጳጳሳት ፎርቱናቱስ ንዋቹኩዉ ዛዕባ ኣስፍኖተ ወንጌል ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ሸይሞም ብጹዕነቶም ኣብዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቀዳማይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሓደስቲ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ከም ዝተወሃቦም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ተወላዲ ናይጀሪያ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፎርቱናቱስ ንዋቹኩ ዋና ጸሓፊ ዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌልን ሓደስቲ ዞባውያን ኣቢያተ ክርስቲያንን ኮይኖም ከም እተመዙ ክሕበር እንከሎ፡ ናይ ኣኵዋቪቫ ስዩም ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ዓለም ሓቆፍ ንግድ ማሕበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኮይኖም ክሳብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ከም ዘገልገሉን ኣብ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ውድብ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥
ሓጺር ታሪኽ ህይወት ብጹዕ ኣቡነ ንዋቹክዉ
ኣብ ናይጀሪያ ዕለት 10 ግንቦት 1960 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 17 ሰነ 1984 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ስብከት ኡሙዋህያ ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን ኣብ 2012 ዓ.ም. ብበነዲክቶስ መበል 16 ጳጳስ ተሰምዮም ናይ ኣኩዋቪቫ ስዩም ሊቀ ጳጳሳትን ኣብ ኒካራጓ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ተሰምዮም ካብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ታይላንድን ቶባጎን ቦባርባዶስን ደመኪካን ጃማይካን ሳይንት ኪትስ ነቪስ ሳይንት ቪንሰንትን ግረናዲነስን ጉያናም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካብ 2018 ዓ.ም. ንደሓር ኣብ ሳይንት ሉቺያን ግረናዳን ባሃማስን ሱሪናመን በሊዘን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም ዘገልገሉ የዘኻኽር።