ዘይምግዳስ ምልክት ተስፋ ዝቖረጸን ላንጋ ላንጋ ዝኾነን ሕብረተሰብ እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ትማል ሓሙስ ዕለት 9 መጋቢት ንግሆ ብኢናይል ዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ቋንቋ ጣልያን ዝፍለጥ ማሕበር መድሕን ኢንዱስትርያዊ ሓደጋታት ሃገረ ኢጣልያ ተወከልቲ ተራኺቦም። ‘ማንም ሰብ ዘይግለለሉ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ንዝገበርዎ ተወፋይነት’ ብምምስጋን ነቲ ብዙሕ ግዜ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ጾር ሓደጋ “ኣብ ዝባን ስድራ ቤት ከም ዝቕመጥ” ብምግንዛብ ጀሚሮም። እቲ ኩነታት ምስ ምምጻእ ለበዳ ኮቪድ-19 እናገደደ ከምዝኸደ ብምስማር ከኣ በዚ መዳይ ነቲ ማሕበር “ኣብ ጥርዚ ቅልውላው ጥዕና፣ ብፍላይ ናብቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ክፍሊ ሕብረተሰብና ክግደሱ’ ተማሕጺኖም።
ቅዱስነቶም ብምቅጻል “ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ’ውን ቁጽሪ ናይተን ሓደጋ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ወሰኽ ብምርኣዩ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ምሉእ ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ገና ከምዘይተረኽበ ዘዘኻኽረና’ዩ” ኢሎም።
ህይወት መተካእታ ኣልቦ እያ!
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ህይወት መተካእታ ኣልቦ እያ’ ክብሉ ኣስሚሮምሉ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ውሕስነት ድሕነት ወፍሪ ዘይምግባር ካብ ዘስዕቦ ሳዕቤናት ሓደ ምውሳኽ ሓደጋታት ምዃኑ ኣብሪሆም። "ጥዕና ሓደ ሰብ ብውሑዳት ተወሳኺ ገንዘብ ወይውን ስለ ናይ ሓደ ሰብ ውልቃዊ ረብሓ ክቕየር ኣይክእልን'ዩ" ኢሎም።
ቅዱስነቶም ብምቅጻል “ንጹር ምፍልላይ ስድራ ቤትን ናይ ስራሕ ሃዋህውን ኣብ ስድራ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ስራሕ ባህሊ እውን ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምዘስዓበ” ኣመልኪቶም። ስድራቤት ናይ ናይ ሃልኪ ቦታ፣ እቲ ትካል ድማ ናይ ምፍራይ ቦታ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘሐየለ እውን ገሊፆም። እዚ ድማ ሰባት በቲ ዘፍረይዎ መጠን ዋጋ ይህልዎም ዝብል ኣተሓሳስባ የሐይል። እንተኾነ ግን ከምኡ ኣይኮኑን ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ስንክልና ኣካላዊ ጥራይ ኣይኮነን!
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ “ኣብ ገጽ ናይ ኩሉ ዝለዓል ዓይነት ስንክልና እሞ ጥምቱ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ኣካላዊ ስንክልና ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ምሳኡ ዝተኣሳሰር ስነ-ኣእምሮኣውን፡ ባህላውን መንፈሳውን ስንክልና’ውን ኣብ ግምት ኣእትውዎ” ብማለት ከምዚ ክብሉ ተማሕጸንዎም።
ስምን ገጽን መጉዳእቲ ዝበጽሖ ሰብ እምበር ‘ዝተጎድአ ሰብ’ ዝበሃል የለን፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ርህራሄ ክተጒድል የብልካን፣ ምኽንያቱ “ናይ ሱታፌ መበገሲ እዩ”።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነፍስወከፎም ናብ ነንሕድሕዶም ክቀራረቡን “ኩሎምና ነንነፍሶም ኣብ ጽፍሒ ተኣፋፊ ሰብኣውነትና ብምንባር’ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ከጽብቡን ብምዝኽኻር “ሓደ ሰብ ተኣፋፊ ምዃኑ ብዝተሰምዖ መጠን ቅርበት ይግብኦ” ክብሉ ኣስሚሮምሉ።
ቅዱስነቶም ንዘረባኦም ንምዝዛም ‘ብቑስሊ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ክንትንከፍን በዚ ከኣ “መንገዲ ሕውነት ክንከታተልን ክንፈቅድ” ብምዝኽኻር ነዛ እትስዕብ ሓጻር ምሕጽንታ ኣቅሪቦም።
ዘይምግዳስ ወይውን ሸለል ምባል ምልክት ተስፋ ዝቖረጸን ላንጋ ላንጋ ዝኾነን ሕብረተሰብ እዩ! እንክብሉ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ናብ ሓለዋ ናይቲ ሓላዊ ኩሎም ሰራሕተኛታት ዝኾነ ቅዱስ ዮሴፍ ብምምዕቋብ ቃላቶም ደምደሙ።