ድለ

2023.03.22 Teresa Enríquez de Alvarado 2023.03.22 Teresa Enríquez de Alvarado  

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ጅግንነታዊ መንፈሳዊ ተግባራት 5 ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ካህንን ኣፍልጦ ሂቦም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንቅዱሳን ዚሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ንዘቅረቡሎም ናብ ጐዳና ቅድስና ዝወስድ ጒዕዞ መጽናዕቲ 3 ገዳማውያትን 2 ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮን 1 ሳሌሳውያን ሚስዮናዊ ካህንን ተቀቢሎም ከምዘጽደቅዎ ካብ ቅዱስ መንበር ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ንጉዳይ ቅዱሳን ዝምልከት ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ማርቸሎ ሰሜራሮ ትማሊ ሓሙስ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ተራኺቦም 6 ሓደስቲ መገልገልቲ ኣምላኽ ዝኾኑሉ ኣዋጅ ኣጽዲቖም።

እዚኦም ናብ ቀዳማይ ጒዕዞ ቅድስና መገልገልቲ ኣምላኽ ዝበጽሑ  ሓደ ካህን  ዝርከበን 3 ገዳማውያት ደቂ ኣንስትዮን 2 ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ምዃነን እንክምልከት ነቲ ገና ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከለው ዘሕለፍዎ መንፈሳዊ ተጋድሎን ጅግንነታዊ ጽቡቕ ባህርያትን ቅዱስነቶም ኣፍልጦ ከምዝሃብዎ እውን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

እቶም ሓደስቲ ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር፡ ኣባ ካርሎ ክረስፒ ክሮቺ ዝተባህሉ ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዱ ሳሌዝያዊ ሚስዮናዊ ካህን ኣብ ኢኳዶር፤ እናቴ ሜሪ ካትሪን ፍላናጋን፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝተወልዳ ኣባል ማሕበር ደናግል ቅድስት ብሪጂት፤ እናቴ ሊዮኒልደ ዲ ሳን ጆቫኒ ባቲስታ ዝተባህላ ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዳን ኣባል ደናግል ልኡካን ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስን ጥቀ ቅዱስ ልበ ድንግል ማርያምን፣ እናቴ ማርያ ዶ ሞንተ ፐረይራ ዝተባህላ ፖርቱጋላዊት ኣባል ማሕበር ደናግል ሆስፒታለር ጥቀ ቅዱስ ልበ ኢየሱስ፤ ተረዛ ኤንሪከዝ ደ ኣልቫሬዶ ዝተባህላ ኣብ ስጳኛ ዝተወልዳ ዓለማዊት ምእመንን ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑን፤ ከምኡ’ውን፡ ማርያ ዶመኒካ ላዘሪ ዝተባህላ ኣብ ኢጣልያ ዝተወልዳ ዓለማዊት ምእመን ኮይና ቅንዋት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣካላታ ዝነበራን ምዃኖም እውን ተመልኪቱ።

ለጋስን ሓላዪትን ኣደ!

ኣብ መንጎ መበል 15ን 16ን ክፍለ ዘመን ኣብ ስጳኛ ዝነብራ ዝነበራ ተረዛ ኤንሪከዝ ደ ኣልቫሬዶ፡ ገና ብዕሸለን ቈልዓ ኸለዋ ብእምነት ኣብ ዝመልአት ቤት እየን ዓብየን።

ብሕቶ ስድራኣ ንሓደ ሚኒስተር ልኡል ተመርዕየን ኣባል ቤተመንግሥቲ ኮና። ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኮይነን ሕጉስ ሕይወት ምምራሕ ጀመራ፡ እንተኾነ ብ1503 ግን መበለት ኮና። ኣብ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ዘሎ ኢየሱስ ዝነበረን ጽኑዕ እምነትን ፍቕርን ካብቲ ተበሃጊ ዝኾነ ቤተ መንግስቲ ስጳኛ ከምዝፍለያ ገቢሩ ኣብ ጸሎትን ንጥፈታት ግብረ ሰናይን ከም እትውፈ ገበረን። ናብታ ኣብ ጥቓ ቶለዶ እትርከብ ንእሽቶ ቊሸት ቶሪጆስ ከይደን፡ ኣብኡ ናይ ቅድስና ህይወት ክመርሓን ንጽጉማትን ንዝተገለሉን ወኪለን ይሰርሓን ነበራ።

ብምኽንያት ዓጸቦን ጥሜትን ዘኽታማት ኮይኖም ንዝተረፉ ኣወዳት ከም ኣደን መምህርን ኮይነን ይዋሳኣ ነበራ፣ ኣብ ጎደናታት ንዝነበራ ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን እውን ይኣልያ ነበራ፣ ንሕሙማት እናተኸናኸና ከኣ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቁርባን ዳግማይ ንምብርባር ኣበርቲዔን ሠርሓ። ብውርሻ ንዝበጽሐን ሃብቲ ስድራቤተን’ውን ብብልሓትን ብጥንቃቐን ኣመሓዲራ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንስራሕ ግብረ ሰናይን ንህንጸት ቦታታት ኣምልኾን ይምድቦኦ ነበራ። ሓያሎ መካነ ሕውነት፣ ገዳማትን ኣርባዕተ ንምቛም እውን ይሕግዛ ነበራ። ብዕለት 4 መጋቢት 1529 ዓ.ም.ፈ ዓረፋ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ እቲ ንሰን ዘዘውትራኦ ዝነበራ ኣብነታዊ ኣምልኾን ስግደትን ቅዱስ ቊርባን ኣብ ጉባኤታት ቅዱስ ቁርባን ዳግማይ ይበራበር ኣሎ።

መንፈሳውነት ዶን ቦስኮ ኣብ ህዝቢ ኢኳዶር!

ሳሌዝያዊ ካህን ኣባ ካርሎ ክረስፒ ክሮቺ፡ ብ1891 ኣብ ለግናኖ፡ ኢጣልያ ተወሊዶም፡ ኣብ ኢኳዶር ሚስዮናዊ ኰኑ። ድሕሪ ትምህርቶምን መዓርገ ክህነትን ብ1923 ናብ ኩዌንካ ተበገሱ፣ ኣብኡ ድማ ን59 ዓመታት ስብከተ ወንጌልን ኲስኰሳ ሰብኣውን ክርስትያናውን ክብርታት ንምድንፋዕ ብዙሕ ተበግሶታት ኣካየዱ።

ኣባ ካርሎ ብባህርያቶም ከም ወንጌላዊ - ምስ ሓቀኛ ክርስትያናዊ ምስክርነት ተደሚሩ - ከምኡ’ውን  ብሳይንሳዊ ሊቅነቶም ብዝነበሮም ዝና ብፍላይ ኣብ ዓውድታት ስነ-ዕጽዋትን ስነ-ጥንቲን ኣዝዮም ፍሉጥ ኰኑ።

ቀንዲ መጋበሪ መንፈሳዊ ተልእኮ ስብከተወንጌላዊ ሕይወቶም ቅዱስ ቁርባንን ማርያም ሓጋዚት ክርስትያንን ከምዝነበሩ እውን ይንገር። ሕይወቶም ብምሉኡ ኣብ ኣብነት ቅዱስ ዮሓንስ ቦስኮ ዝተመሥረተ ነበረ። ብፍላይ ኣብ መንእሰያት እምነት ብምስፋሕ ክመስልዎ ፈተኑ። ኣብተን ዳሕረዎት ዓመታት ህይወቶም፡ ኣባ ካርሎ ንኣገልግሎት ኑዛዜ ተወፍዮም ኣብ መዓልቲ ክሳብ 17 ሰዓታት ኣብቲ መንበረ ኑዛዜ ክሳዕ ምሕላፍ በጽሑ። ኣብ መበል 90 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 March 2023, 12:45