ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪኽ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ዝተሰምዖን ሓዘን ይገልጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ግሪኽ ብውሕዱ 36 ሰባት ንሞት ልዕሊ 80 ሰባት ንመቑሰልቲ ሓደጋ ዘቃልዐ ሓደጋ ባቡር ከም ዘጋጠመ ምስ ተሓበሩ ናብ ሃገረ ግሪኽ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘማሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዕለት 1 መጋቢት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ እቲ ኣብ ግሪኽ ጥቓ ከተማ ላሪሳ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ሓዘን ከም ዝፈጠረሎምን ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተተንከፉ ኩሎም ኣብ ጸሎቶም ዝኩራት ምዃኖም ኣረጋጊጾም፥
እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል እግዚኣብሔር አማዕቁብ
ቢሎም፥ ኣብቲ ብይባጽሕ ናብ ናይ ግሪኽ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ስይሮስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ስተፋኑስ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ነቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡን በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተተንከፉን ኵሎም “ከም መብጽዓ ሓይልን ምትሕግጋዝን ቅርበትን እግዚኣብሔር ቡራከይ አቕርበልኩም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሃገራዊ መዓልቲ ሃዘን
ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር መንግስቲ ግሪኽ ንሰለስተ መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ከም ዝኣወጀን ንዝኽሪ እቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰንደቕ ዕላማ ሃገር ክሳብ ዓርቢ ዕለት 3 መጋቢት ብፍርቂ ክስቀል ከም ዝኣዘዘን ርእሰ ብሔር ካተሪና ሳከላሮፑሉ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሰምዐ ኣብ ሞልዶቫ ዘካይደኦ ዝነበራ ምብጻሕ ከም ዘቋረጻን ዝተሰምዐን ሓዘን ገሊጸን፥ ንኣባይቲ ስድራ ምጽንናዕ ተመንየን ነቶም ዝተጎድኡ ኣብ ምድጋፍን ንምሕጋዝ ዝተሓባበሩ ህይወት ዘድሕን ስሪሒት ንዘካይዱ ዘለዉ ኵሎም ከም ዘመስገና ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።