ቅዱስ ወንጌል ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ፋሕፋሕ ዘብል ትንቢት እዩ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
እቲ ቅዱስነቶም ክታሞም ዘንበሩሉ ናይ መባእታ ጽሑፍ ሕጽር ብዝበለ ንምስክርነት ስምዖን ነቢይ መበገሲ ገቢሩ ብከምዚ ክቀርብ ይኽእል። እዚ ከኣ ነቲ ሽማግለ ነቢይ ስምኦን ንብዙሕ ዓመታት ምጽንናዕ ጐይታ ድሕሪ ምጽባይ፡ ንኢየሱስ ሕጻን ኣብ ሕቊፉ ሒዙ ኣብቲ ህጻን ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝለኣኾ መሲሕ ዘለለዮ፡ እሞ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ልቢ ብዘንቀሳቐስ ቃና ዘመስገኖን ዝባሮኾን፡ ኣብቲ ህጻን ከኣ እቲ ኩሎም ህዝብታት ዝጽበይዎ ዝነበሩ ብርሃን ድሕነት ከምዘሎ ዘለለየ ዝመሳሰል ተመኩሮ ይገልጽ (ሉቃ 2፡30-31)።
ኢየሱስ ኣብ ድቅድቅ ጸልማት ለይቲ ደቂ ሰባት እግዚአብሔር ኣቦ ዝለኣኾ ብርሃን እዩ። ደቂሰባት ገና ኣብ ጸልማት እናተመላለስና እግዚኣብሔር ከብርቆ ዝደለየ ወጋሕታ እዩ። ኣብቲ ጠፊእናሉ ዝነበርና ዘመን ንርሑቕ ኩርናዓት ምድርን ንዝተሰባበረ ልብታትንን ንቊስልታትናን እናኣብርሀ ማዕጾ ተስፋ ዝኸፈተን ዘብርሀን ንሱ እዩ። ንሱ እቲ ሕጂ ንጸልማት ህይወትና ንምብታን ኣብ መንጎና ዝበርህ ዘሎ መበቆላዊ ብርሃን ፍጥረት እዩ። ኢየሱስ ብርሃን ዓለም እዩ (ዮሓ 8፡12) ስለዚ ድማ፡ ዋላኳ ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ጸልማት ንወድቅን ራእይ እንስእንን እንተኾና፡ ሳላሉ ግን ወትሩ ተስፋ ኣሎና። ምኽንያቱ ኩሉ ግዜ ከም ዕዉር ባርጢሜዎስ እናበኸና ናብኡ ከይድና ካብ ኢየሱስ ሓድሽን ድሙቕን ብርሃን ኣዒንቲ ክንቅበል ንኽእል ኢና።
በዚ ተስፋ እዚ ህያው ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ከኣ በቲ ሥነ መለኮታውን ሥርዓተ ኣምልኾኣውን ትውፊታታ ገቢራ ወትሩ ናብ ምብራቕ ገጻ ብምቕናዕ ናብኡ ክንጥምት ትዕድመና። ምኽንያቱ ከኣ ካብ ምብራቕ ብርሃን፣ ጸሓይ ፍትሒ፣ እቲ ብርሃን ዝህብ ኮኾብ ንሱ ድማ ክርስቶስ ብምብራቅ ስለዝወጽእ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ብክርስቶስን ወንጌሉን ክትበርህ የድልያ፣ ንሳ ከምታ መብዛሕትኡ ግዜ ብማዕበል እትናወጽን ብማዕበል ታሪኽ እትጓዓዝን ጃልባ ኮይና፣ ኩሉ ግዜ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ኣብ ናይ ዘይምዃን ሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል እያ። ሽማግለ ነቢይ ስምኦን ንማርያምን ዮሴፍን ከምዚ ክብል ይነግሮም፦ እዚ ዝተወልደ ህጻን "ኣብ እስራኤል ንውድቀትን ትንሳኤን ብዙሓት ንምዃን እዩ ኣብዚ ኣሎ" (ሉቃ 2፡34) ይብሎም። ኢየሱስ ሎሚ እውን እንተኾነ ንብዙሓት ዕንቅፋት መስቀል ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፣ ንርግጸኝነትና ዘዳኽምን ልብና ዘንቀጥቅጥን ምልክት ተጋራጫውነት ኮይኑ ብፍርሒ ከይንልመም፣ ኣብ ምስሉይነት ተኣሲርና ከይንተርፍ፣ ልብና ኣብ ሓጢኣት ከይተርር ምልክት ዕንቅፋት ኮይኑ ገና ይቅጽል ኣሎ። ሓጎስ ወንጌል፡ ብሓቂ ክጸናንዓናን ከልዕለናን ከሎ፡ ኣተሓሳስባ ደቂሰባት ከኣ ዓለማዊ መዔቀኒታትን ኣጽዋር ጭቆናን ሥነ መጎት ምፍልላይን ዘንጹርነትን ብምፍጣር ኣብ ቅልውላው ንዘእትወና ፋሕፋሕ ዘብል ትንቢት’ውን እዩ። ኢየሱስ ነቶም ብደገ ደገ ጽቡቓት ዝመስሉ፡ ውሽጦም ግና ምዉት ኣዕጽምትን ኩሉ ዓይነት ምብስባስን ዝመልኦም ልቅሉቃት መቃብር ዝብሎም ... ምስሉይነትን ዓመጽን ዝመልአ ናይ ሓሶት መነባብሮ ሰላም ዝዘርግ ኮይኑ ገና ይቕጽል ኣሎ (ማቴ 23፡27-28)።
ስለዚ ድማ እየ ነዛ ኣብ 2014ዓም ኣብ እዋን ዓለምሓቈፍ ዕለተ መንእሰያት ኤስያ ንመጀመርታ ግዜ ዝተላለኹዎም ሎሚ ከኣ ንላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ካህናት ክመርሑ ዝተጸውዑ ብፁዕ ካርዲናል ኣልኣዛር ዩ ሄንግ-ሲክ ብዛንታታትን ትረኻታትን ኣስተንትኖታትን ኣሰንዮም ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምብራቕ ድምጺ ክትህብ ዝዓለመት መጽሓፍ ከቕርባ ከለኹ ዓቢ ሓጐስ ዝስመዓኒ። በቲ ምሕዝነታዊን ምዉቕን ኣካይዳኦም ድማ ሳላ ሕጉስ ምስክርነት ህያው ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምድሪ ሰማእታት ዝተዘርአን ብቐሊሉ ብቚሉ ፍረ እምነት ክንዓጽድ ኣኽኢሉና። ካብቲ ቀስ ብቐስ ቅርጺ ዝሕዝ ዛንታ ድማ፡ ኩላትና፡ ካብ ኩሉ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ርሒቕና፡ ንኢየሱስን ወንጌሉን እምንቲኦ ቤተ ክርስቲያን ኮይንና ክንጸንሕ እንኽእለሉ መንገዲ ክንርኢ ንኽእል።
ካብቲ ኣብዘን ገጻት እዚ መጽሓፍ እዚ ተመልኪተን ዘለዋ ንኩሉ ዝሓዋውሳ ዘተታት፡ ማለት ታሪኽ ሕይወታዊ ባእታታትን መንፈሳውን ጓሳውን ኣስተንትኖታትን ዝሓዋውስ፡ ብፁዕነቶም ስእሊ ናይ ሓደ ምስ ቃል ኣምላኽን ምስ ምስክርነታት ወንጌልን ቐጻሊ ርክብ ዝፍጠር እምነት ይውለድ። ከማኡእውን ስእሊ ናይ ሓንቲ መንእሰይን ዋኒን ዕላማን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን፣ ንሳ ከኣ ካብ ዓለም ዝተወልደት ኮይና፣ መሳርሒ ተስፋን ርህራሄን ንክትከውን፣ ነቶም ዝቖሰሉ እትከናኸን ንምልከት። ኣብ መወዳእታ፤ ስእሊ ናይ ሓደ ብብርሃን ወንጌል ንርእሱ ዳግማይ ክሕደስ ዘለዎ ክህነታዊ ኣገልግሎት ብምንጽብራቅ፡ ካብ ኩሉ ክህነታዊ ልዕለትን ባዶነትን ንርእሱ ሓራ ብምግባርን ንገዛእ ርእሱ ኣብ ጎኒ ዓለማውያንን ምስ ዓለማውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣሰሊፉ፡ ኣብቶም ሲኖዶሳውን ኣገልገልታውያንን ማሕበረሰባት ንክስራዕ ዳግመ ግምት ክገብር ኣለዎ።
ስለዚ ንብፁዕ ካርዲናል ላዛሮን ነዘን ገጻት መጽሓፍ ኣርቲዖም ዘቀመጡ ምስጋናይ እገልጸሎም። ምኽንያቱ ከኣ እዚ ካብ ምብራቕ ዝመጽእ ብርሃን ንኩላትና የድልየና እዩ። ሽሕኳ’ኳ ብመከራ ዝሓልፉ እንትኾኑ ሎሚ ንዓና ብውዕዉዕ ስምዒት ዝወሃብ ምስክርነት ብዙሓት ኣሓትን ኣሕዋትን ክንሰምዕ ከምቲ ሽማግለ ነቢይ ስምኦን ዝገበሮ ብዝተዘርገሐ ኣእዳው ንኢየሱስ ሕጻን ዝተቐበለ፡ ከማኡ እውን ስብከት ቅዱስ እንድርያስ ኪምን ናይ ብዙሓት ህይወቶም ዘሕለፉ ሚስዮናውያንን ዝቕበልዎ ድፍረት ዝመልኦ ምስክርነት ክንሰምዕ የድልየና ኣሎ። ንሓጐስ ወንጌል! ንካልእ ጥራይ ዝጠመተ ማለት ንገዛእ ርእስና ዘይማእከ ክንገብራ፡ ናብ ምብራቕ ገጽና ጉዕዞ ክንገብርን እምነትና ዳግም ከሐይል ዝኽእል መንፈሳውን ቤተ ክርስቲያናውን መንባብሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ከነኣታኣታቱ የድልየና። ኣብ ጸበባን ኣብ ድቅድቅ ጸልማትን እውን እንተኾነ ጐይታ ከም በርቂ ከም ዝመጽእ ክንዝክር የድልየና። ወትሩ ከኣ ንህይወትና ከብርህ ከምዝደሊ ዝገልጽ ጽሑፍ ነበረ።