ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብታው ብውግእ ዝቖሰለት ዓለም መሰኻኽር ሓቅን ፍቕርን ክኾኑ ኣለዎ ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብታው ብውግእ ዝቖሰለት ዓለም መሰኻኽር ሓቅን ፍቕርን ክኾኑ ኣለዎ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ክርስቲያንን ኣስላምን ኣብታው ብውግእ ዝቖሰለት ዓለም መሰኻኽር ሓቅን ፍቕርን ክኾኑ ኣለዎ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ክልተና ምኽባር ክብርን መሰልን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ ናይ ሃይማኖትን ኣተሓሳስባን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ምንጪ ውልቃዊን ማሕበራውን ቅሳነትን ስኒትን ምዃኑ ንኣምን ኢና፡”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ መንፈሳዊ መራሒ ሺዓውያን ዒራቕ ዓቢይ ኣያቶላህ ዓሊ ኣል-ሲስታኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ምስኦም ዝነበሮም ኣድማዒ ርክብ ብምዝካር ንናይ ሎሚ ብድሆታት ጭቡጥ ምላሽ ንምሃብ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ሕውነት ምስፋሕ እዩ፥ ስለዚ ኣብዚ መዳይ እዚ ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓቢይ ኣያቶላህ ኣል-ሲስታኒ “ክቡር ሓው” ቢሎም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ በርገሳዊ ማሕበራት ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት መሰረታዊ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሕሉን ሕውነት ዘስፍሑን ፖለቲካዊ ተግባራት ከስርጹ ናይ ኩሉ እምነታት መራሕቲ ሓላፍነት ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ሎሚ ብድሆታት ሓድሕዳዊ ምቅብባል ከም ጭቡጥ መልሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፡ ኣብ ናጃፍ ምስ ዓቢይ ኣይቶላህ ናይ ዒራቕ ሺዓውያን መንፈሳዊ መራሒ ኣል - ሲስታኒ ዝገብርዎ ርክብ፥ “ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ህዝብታትን ዝግበር ዘተን ምርድዳእን ክህሉ ንዝካየድ ጻዕሪ መሰረት እዩ” እንክብሉ ከም ዝዘከርዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ንዝኽሪ ካልኣይ ዓመት ዑደት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዒራቕን ርክብ ምስ ኣል-ሲስታኒን ዝተዳለወ ዓውደ ርክብ ኣባላት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮን በቲ ኣብ ናጃፍ ዝርከብ ተቕዋም ኣል - ክሆይን ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እውን ኣባላት ቅዱስ ኤጂዲዮ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም ኣቦ መንበርን ናይ ተቕዋም ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዋና ኣመሓዳሪ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ቪቸንዞ ፓሊያ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ኣዩሶ፡ ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ባቕዳድ ብጹዕ ካርዲናል ልዊስ ሳኮን ከም እተረኽቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥  ቅዱስነቶም ኣብቲ ዕለት 14 መጋቢት ዘመሓላለፍዎ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ዝኾነን መልእኽት፥ ዓቢይ ኣያቶላህ ኣል ሲስታኒ፥ “ነቶም ኣደዳ ኣሳዶ ዝኾኑን ክብሩን ቅዱስን ህይወቶምን ንስለ እቲ ኣዚዩ ኣግዳሲ ዝኾነ ሓድነት ህብዚ ዒራቕ” ዝድርኽ ብርቱዕ ጻዕሮም ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።

ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጎ ኣመንቲ

“ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምትሕብባርን ምሕዝነትን መተካእታ የብሉን፡ ምእንቲ ከምቲ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዒራቕ ዝምህረና፡ ሓድሕዳዊ ምክብባር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኩሉ እቲ ንጽቡቕ ሰብኣውነት ኣበርክቶ ዝገብር ስምምዕ ንምምዕባል እውን ዝድርኽ እዩ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ኣብ እምነት ዝተመርኮሰ ማሕበረሰብ፥ “ናይ ምድሪ መጻኢ ሓድነትን ንፈጣሪ ኩሉ እንጽውዓሉ ፍሉይ ዕድል ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብን ምልክት ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ህይወት ሓለፋ ዝብል ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ናይ ሃይማኖትን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ምንጪ ስኒት እዩ

ኣብቲ ናብ ዓቢይ ኣያቶላህ ኣል - ሲስታኒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቶም፥ “ክልተና ምኽባር ክብርን መሰልን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ ናይ ሃይማኖትን ኣተሓሳስባን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናጽነት ምንጪ ውልቃዊን ማሕበራውን ቅሳነትን ስኒትን ምዃኑ ንኣምን ኢና፡” በዚ ከምዚ ድማ “ኣብ በረጋሳዊ ማሕበረሰብ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት መስረታዊ መሰላት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውሑስ ዝገብር ፖለቲካዊ ተግባራት ብምስፋሕ፡ ኣብ ፍትሕን ሰላምን ዝተመስረተ ባህሊ ንምርግጋጽ፡ ክሰርሑ ምትብባዕ” ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ግዴታ ኣለዎም ከም ዝበሉ ዘመላኸተ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሕውነትን ሓድሕዳዊ ትቕባልን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ከም “ጭቡጥ መልሲ ንእዋናዊ ብድሆታት፥ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ናይ ሕውነትን ሓድሕዳዊ ተቕባልነትን ስምዒት ዳግማይ ክረክብ ኣገዳሲ እዩ፡” ነዚ ንምትግባር ድማ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ተወኪሶም፥ “ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮም ብሓባር ናብ እዚኣብሔር ዝጓዓዙ ኣብቲ ገዚፍ ናይ ሓባር መንፈሳውነት፥ ሰብኣውን ማሕበራውን ክብርታት ኪራኸቡን ነዚ ድማ ኣብ ምስፋሕ ኣብቲ ዝለዓለ ብሃይማኖታት ዝድረኹ ግብረ ገባዊ ሰናይ ባህርያት” ሓይሎምን ዓቕሞምን ከፍስሱ  ኣተባቢዖም፡ ኣስላምን ክርስቲያንን ብሓባር “ኣብዛ ብብዙሕ ግርጭታት ዝቖሰለት ዓለም ርህራሄን ፈስውስን ዘድልያ ዓለም” ወትሩ መሰኻኽር ሓቅን ፍቕርን ተስፋን ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተስፋኦም ምዃኑ ገሊጾም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

15 Mar 2023, 16:09