ር.ሊ.ጳ. ብህቦብላ ንዝተጠቕዐት ሃገረ ማላዊ ሓገዝ ጻውዒት ኣቕሪቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስህተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነታ ብህቦብላ ነፋስ ኣዚያ ዝተሃስየት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝሰኣነት ማእለያ ዘይብሎም ዝቖሰሉዋን በኣሽሓት ዝቑጸሩ ዝተመዛበሉላን ሃገረ ማላዊ ዘኪሮም፡ “ኩሉ በዚ መዓት ኣዚዮም ዝተፈተኑን ኣባይት ስድራን ማሕበረሰባትን ሓገዝ ማሕበረሰብ ዓለም ከይፍለዮ ጻውዒት አቕርብ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም፥ “ኣብዚ እዋን እዚ ብብርቱዕ ህቦብላ ንዝተጠቕዐት ሃገር ማላዊ ህዝቢ ቅርበተይ እገልጽ ከም ዝበሉን፡ እቲ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ማላዊ ንሞት ዝዳረገ ህቦብላ ዘውረዶ ዕንወትን ብዙሓት እውን ከም ዘመዛበለን ዘኪሮም፥
ስለቶም ዝሞቱ ዝተጎድኡ ዝተመዛበሉን እጽሊ። እግዚኣብሔር ነቶም በዚ መዓት እዚ ኣዚዮም ዝተፈተኑ ኣባይቲ ስድራን ማሕበረሰባትን ይደግፍ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሺየትድ ፕረስ ኣገልግሎት ዜና፥ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ዝነወሐ ህቦብላ ክኸውን እዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ ብርቱዕ ንፋስን ምዕልቕላቕ ማይን ብዙሕ መጉዳእቲ ከም ዘስዓበን ኣስታት 199 ሰባት ንሞት ከም ዝዳረገን ኣብ ሃገረ ሞዛምቢክ እውን በጺሑን ኣስታት 20 ሰባት ንሞት ሓደጋ ከም ዘቃልዔን ክፍለጥ እንከሎ፥ ማላዊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተፈላለየ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ከም እተሃረመትን ንናይታ ሃገር ትሕተ ቅርጺ ልምዓት ከም ዝሃሰየን እዚ ተፈጥሮኣዊ ክስተት እዚ ኣብታ ሃገር ድኽነት ክሰፍሕን ዝዓበየ ድኽነት ንኽህሉ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።