ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ናይ ዘካይድዎ መበል 41 ሓዋርያዊ መገሻ ትእምርትን መርሕ ቓልን ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ናይ ዘካይድዎ መበል 41 ሓዋርያዊ መገሻ ትእምርትን መርሕ ቓልን 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ናይ ዘካይድዎ መበል 41 ሓዋርያዊ መገሻ ትእምርትን መርሕ ቓልን

“ክርስቶስ መጻኢና እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ ሃንጋሪ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ዘካይድዎ መበል 41 ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል “ክርስቶስ መጻኢና እዩ” ዝብል ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ትእምርትን መርሕ ቃልን ዕለት 1 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከናት ልኡካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዘብርሁን፥ ቅዱስነቶም ናይታ ሃገር ናይ መንግስትን ኤቅለሳውያን ኣካላት ዘቕረቡሎም ዕድመ መሰረት ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዝኾነን ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልታት ጉዕዞኦም ምስ ስደተኛታትን ድኻታትን ከምኡ’ውን ምስ ደቂ ብፁዕ ላስሎ ባትያኒ-ስትራትማን ተቕዋም ክራኸቡን እዮም። ከምቲ ልሙድ ንሰበ ስልጣንን በርገሳውያንን መንፈሳውያን ላዕለዎት መራሕትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ዘሳተፈ ዓውደ ርክብ መደረ ከምስዑን ምስ መንእሰያትን ጳጳሳትን ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣባላት ሃዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምኡ እውን ናይ ባህልን ናይ ስነ ፍልጠትን ምሁራትን ላዕለዎት ኣካላትን ተራኺቦም መደረ ከምስዑን ከም ዝኾኑ እውን ኣዘኻኺሮም ቀጺሎም ናይቲ ሓዋርያዊ ዑደት ትእምርትን መርሕ ቃልን እንክሕብሩ፥

ናይቲ ትእምርትን መርሕ ቃልን ባእታታት

ማእከላይ ክፋል ናይቲ ትእምርቲ ነቲ ዝጸንሐ ድልድል ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ማእከላይ ኤውሮጳ ሰንጢቑ ዝሕላፍ ውሕጂ ዳኑብ ዝተሓንጸ ሰነሰላታዊ ድልድል ዝውክል ኮይኑ፡ ናይታ ሃገር ቡዳን ፐስትን ንኸተራኽብ ዝተሃንጸት ርእሰ ከተማ ቡዳፐስት ድልድል ምዃና ዝነገርን ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ሃንጋርን ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ክልተ ጽርግያ ናይቲ ድልድል ክራኸቡ እንከለዉን ዘርኢ ነዚ ኵሉ ዝሓቁፍ ከቢብ ቀለበት ድማ ቅዱስ ቍርባን ዝውክል ኮይኑ ብጸጋማይ እቲ ሓቋፊ ዓንኬል ዕለት 12 መስከረን 2021 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ኣብ ፑዳፐስት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ክርስቶስ መጻኢና እዩ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ዝተነብሮ ኮይኑ ብየማን እቲ ሓቛፊ ክቢ፥ “ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 – 30 መጋቢት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ” ዝብል ጽሑፍ ዝሰፈሮ ምዃኑ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Mar 2023, 15:37