ድለ

ር.ሊ.ጳ. ናይ እዋንና ከቢድ ገበን ንግድ ሰብ ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ናይ እዋንና ከቢድ ገበን ንግድ ሰብ ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ናይ እዋንና ከቢድ ገበን ንግድ ሰብ ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ

እቲ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ሰብ ንሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ዝዳርግ ዘሎ ንግድ ሰብ ደው ይበል!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 መጋቢት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ብሓባር መሪሖም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 26 ለካቲት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣሊያ ስደተይናታት ዝጸዓነት ካብ ቱርክ ዝነቐለት ንእሽተይ ጀልባ ምስ ኣኻውሕ ባሕሪ ተላቲማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ኣስታት ሰብዓ ስደተይናታት ከም ዝሞቱን ካልኦት እውን ሃለዋቶም ገና ከም ዘይተረኽበ ዝተነግረ ሓበሬታ ዘኪሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዝተሰምዖን መሪር ሓዘን ደጊሞም ምስ ገለጹ፥

እቲ ማእለያ ዘይብሉ ህይወት ሰብ ንሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ዝዳርግ ዘሎ ንግድ ሰብ ደው ይበል!

እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዞባ ካላብሪያ ኢጣሊያ ኣብ እትርከብ ደቡባዊት ከተም ኣኩትሮ ኣብ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ብዝነበራ ዓቐን ጽዕነት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይና ምስቲ ኣብቲ ገማግም ባሕሪ መዲትራኒያ ኢጣሊያ ካብ ካላብሪያ ኣብ ሒደት ርሕቐት እንኮላ ምስ ኣኻውሕ ተላቲማ ንኽልተ ተገሚዓ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋ 70 ስደተይናታት ከም ዝሞቱን ኣታ ጀልባ ካብ ቱርክ ዝተበገሰት ኮይና ኣስታት 170 ስደተይናታት ጽዒና ከም ዝነበረት ይንገር።

ር.ሊ.ጳ. ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ደው ክብል ጻዒት የቕርቡ

ቅዱስነቶም በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን መዓት ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ስለቶም ግዳያትን ስድራ ቤቶምን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑን ጸሎት ኣቕሪቦም፥

ነበርቲ እቲ ከባቢን ትካላትን ነዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝገበርዎ ምትሕግጋዝን ኣቀባብላን ምስጋናይ እገልጽ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ከብቅዕ ዘመሓላለፍክዎ ጻውዒት አሐድስ!

ቢሎም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክህሉ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ ንግድ ሰብ ኮኒኖም፥ “ንግድ ሰብ ዘካይዱ ህይወት ብዙሓን ንጹሓን ንሕልቂት ይዳርጉ፡” እዚ ጸረ ሰብኣዊ ዝኾነ ተግባር ደው ክብልን፥

ነቲ ናይ ተስፋ ጉዕዞ ናብ ናይ ሞት ጉዕዞ ክቕየር የብሉን፥

እግዚኣብሔር ንኹሉ ሰብ ነዚ ከምዚ ዓይነት መዓት ክርድኦን ብሓቂ ድማ ውሽጣዊ ሓዘን ክስምዖ ይግበር፥

እቲ ጽሩይ ማይ ባሕሪ መዲትራኒያን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሕዝን ሓደጋታት ናብ ደም ይቕየር ኣሎ!

ይኣክል ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Mar 2023, 15:07