ድለ

ካብቲ ከም እምኒ መቃብር ጸቂጡ ሒዙና ዘሎ ሽግርና ብኢየሱስ ከም ኣልኣዛር ንውጻእ! ናብ ሕይወት ከአ ንመለስ! ር.ሊ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 26 ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም፣ ‘ፋሲካ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን ትንሳኤ ኣልኣዛር ተስፋ ከይንቈርጽ ይዕድመና። ሕማማት፡ ተስፋ ምቑራጽ፡ ክሕደት፡ ውድቀት ነቲ ናብ ብርሃን ዝወስድ መንገዲ ኣይዕንቅፉን እዮም፡ ምስቲ ወትሩ ዘሰንየና ኢየሱስ እናተጓዕዝና፡ ብቃንዛን ተስፋ ምቑራጽን ክንእሰር ከየፈቐድና ኪኖ ድሩትነትና ክንጥምት ንኽእል ኢና’ እንክብሉ ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ንሎሚ ኣብ ሓምሻይ ሰንበት ዘመነ ዓቢይ ጾም ዝቀርበልና ክፍሊ ወንጌል ካብ ዮሓ 11፣1-45 ኮይኑ ብዛዕባ ትንሣኤ ኣልኣዛር የቕርበልና። ቅድሚ ፋሲካ ካብ ዝተፈጸሙ ተኣምራታት ኢየሱስ እዚ ናይ መወዳእታ እዩ፤ ስለዚ ሰዓቱ ክትኣክል ኣብ ጥርዚ "ምልክታቱ" ኢና ዘለና ክንብል ንኽእል። ኣልኣዛር ናይ ቀረባ ዓርኪ ኢየሱስ ነበረ፣ ኢየሱስ ኣልኣዛር ክመውት ከም ዝቐረበ ይፈልጥ፤ ንከተንሥኦ ይብገስ፣ እንተኾነ ክሳብ ናባኡ ዝበጽሕ ቀቢሮሞስ ኣርባዕተ መዓልቲ ሓሊፉ ኩሉ ተስፋ ምስ ጠፍአ ኣብ ቤቱ ይበጽሕ። ኢየሱስ ኣብቲ ቦታ ምርካቡ ኣብ ልብታት ክልተ ኣሓት ማርታን ማርያን ቊልዒ ንእሽቶ እምነት ዳግማይ የበራብር (ቁ. 22.27)። ሽሕ’ኳ ብቃንዛ መሪር ሓዘን ተጐቢኤን እንተነበራ ምስዚ ብርሃን እዚ ግን ይጣበቃ። ኢየሱስ እምነት ንክህልወን ይዕድመን እሞ ነቲ መቓብር ክኸፍቱ ይሓቶም። ድሕሪኡ ናብ እግዚአብሔር ኣቦኡ ይጽሊ እሞ ንኣልኣዛር «ንዓ ውጻእ!» (ቁ. 43)ይብሎ። እቲ መይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ናብ ህይወት ተመሊሱ ይመጽእ ካብ መቃብር ድማ ይወጽእ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ፦ ኢየሱስ ኣብቲ ዝግበር የለን ቢልካ ድሕሪ ደጊም ተስፋ ዘየሎ ኣብ ዝመስለሉ እዋን እውን ከይተረፈ ህይወት ይህብ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኣጋጣሚ ተስፋ ዘይብልካ ኮይኑ ክስምዓካ፡ እዚ ድማ ምስ ተስፋ ዝቈረጹ ሰባት ምርኻብ: ብሰንኪ መሪር ሞት ቤተሰብ ዝመጽእ ከቢድ ሓዘን ፡ ወይውን ዘይምሕር ሕማም ምስ ሓዘካ፡ ዝስዕብ ተስፋ ምቑራጽ፡ ከማኡ እውን ዘይሓሰብካዮ ክሕደት እንከጋጥም ወይውን ባዕልኻ ብዝፈጸምካዮ በደልን ክሕደትን ወይ ብዝፈጸምካዮ ከቢድ ጌጋ ክኸውን ይኽእል። ሓንሳእ ሓንሳእ ሰባት: ኦሮማይ “ዝግበር ነገር የለን!” ክብሉ ንሰምዕ። እዚ ኣባሃህላ እዚ ናይ ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ህይወት ዕጹው መቓብር ይመስል! በቃ ኩሉ ጸልማት እዩ፣ ኣብ ከባቢኦም ቃንዛን ተስፋ ምቑራጽን ጥራይ እዩ ዝረአ። ኢየሱስ ግን፣ ሎሚ ከምዚ ከምዘይኮነ ይነገራና ኣሎ። ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናየን ተስፋ ዘቊርጻ ህሞታት እዚኣተን በይንና ከምዘይኮንና፣ ኣብዘን ህሞታት እዚኣተን ንሱ ምሳና ከምዝኾነን ብሓቂ ዳግማይ ህይወት ክህበና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ከምዝቐርበናን ይነግረና። ንሕና እንክንበኪ ከምቲ ንኣልኣዛር ዝበኸየሉ: ንሱ ምሳና ይበኪ፣ ወንጌል ክልተ ግዜ ብዓቢ ስምዒት ድንጋጼን ርሕራሔን ከምዘርኣየ ይትርኽ (ቁ. 33.38) ከምኡ’ውን ንብዓት ከም ዝነብዐ የስምረሉ (ቁ. 35)። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኢየሱስ ካብ ምእማንን ተስፋ ምግባርን ከይነቋርጽ ይዕድመና፣ ብኣሉታዊ ስምዒታት ከይንጉባእ ይዕድመና። ከምቲ ናይ ኣልኣዛር ናብቲ ተቀቢርናሉ ዘሎና መቓብርና ቀሪቡ ድማ "ነቲ መቃብር ሓቲሙ ንዘሎ እምኒ ኣውጽእዎ" ይብለና (ቁ. 39)። ኢየሱስ ዝብለናኸስ እዚ እዩ ‘ነቲ መቃብር ሓቲሙ ዓጽዩ ዘሎ እምኒ ኣውጽእዎ’ ይብለና። እዛ እምኒ እዚ ብዘሎ ቃንዛን ስቃይን: ብዝተፈጸመ ጌጋታት: ዋላውን ዓቢይ ውድቀት: እንክተመልክት ኣብ ውሽጢ ልብና: ኣብ ጸልማትን ጽምዋን ዝወረሮ ዕጹው ክፍሊ ኣይትሕብዎ ይብለና ኣሎ። ነቲ ረጊጡ ዚዓጹ እምኒ ኣውጽእዎ: ኣብ ውሽጥኹም ዘሎ ኩሉ ኣውጽእዎ: ብዘይ ፍርሒ ብተኣማንነት ናባይ ደርበዩለይ: ወትሩ ምሳኹም ስለ ዘለኹ: አፍቅረኩም እየ: ዳግማይ ክትነብሩ ሕይወት ድማ ክትዘርኡ እደሊ እየ። ንነፍስወከፍና ድማ ከም ኣልኣዛር ደጊሙ ‘ንዓ ደገ ውጻእ’ ይብለና። ንዓ ደገ ውጻእ! ተንስእ፡ ጉዕዞኻ ሕይውትካ ዳግማይ ጀምር፡ ርእሰ ተኣማንነትካ እንደገና ርኸቦ! ብኢድካ ክሕዘካ እየ፡ ከምቲ ሕጻን ከሎኻ ቀዳሞት ስጉምትኻ ንክትጅምር ዘታተኹኻን ሕጂውን ክሕግዘካ እየ። ነቲ ኣሳሲሩ ሒዙካ ዘሎ እለዪ (ቁጽሪ 45)፡ በቲ ጸቂጡ ዝሕዘካ ዘጨንቕ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ኣይትገዛእ። ካብ ነጺሉ ዝሕዝ ፍርሕን፡ ተስፋ ዘቊርጽ ዝኽሪ ሕማቕ ተመኩሮታት ሕሉፍን ዘልምስን ፍሕርን ኣይውረርካ! ኢድካ ኣይትሃብ። ሓራ ክትከውን ብህይወት ክትነብርን እየ ዝደልየካ! ኣይክገድፈካን እየ! ወትሩ ድማ ምሳኻ ኣለኹ! ንነብስኻ ብቃንዛን ስቃይን ክትእሰር ኣይትፍቀደላ፡ ንተስፋኻ ክትመውት ኣይተፍቅድ: ናብ ህይወት ተመለስ! ይብለና ኣሎ። ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ምዕራፍ 11 ወንጌል ዮሓንስ ዝርከብ ዝርከብ እዚ ክፍሊ እዚ ንኸተንብቦ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ህይወት መዝሙር እዩ። ፋሲካ ምስ ቀረበ ድማ ነንብቦ። ምናልባት ንሕና እውን ኣብዚ ህሞት እዚ ገለ ክብደት ወይ ገለ ስቓይ ኣብ ልብና ተሰኪምና ክንህሉ ንኽእል! እዚ ድማ ብክብደቱ ዝጸቅጥናን ዝጭፍልቀናን ኮይኑ ክስምዓና ይኽእል። ኣብ ከምዚ ዝበለ ህሞት ነቲ ጸቂጡና ዘሎ እምኒ ኣውጺእና ነቲ ወትሩ ኣብ ጐድንና ዘሎ ኢየሱስ ክነረኽቦ ሓራ ክንወጽእ ግዜኡ በጺሑ እዩ። እስኪ ናብ ሕልናናኣ ምልስ ቢልና፣ ልብና ከፊትና ጭንቀትና ንዕኡ ክንህቦ ንኽእል ዲና፧ መቓብር ሽግራትና ከፊትና ኪኖ ደድሩትና፡ ናብ ብርሃኑ ክንጥምት ንኽእልዶ ኣሎና? ቢልና ነስተንትን። ከማኡ ንሕና እውን ብግደና ከም ንኣሽቱ መስትያት ፍቕሪ ኣምላኽ፡ ነቲ እንነብረሉ ከባቢታት ብዘረባን ኣካላዊ ምንቅስቓስን ብምስክርነትናን ህይወት ከነብርሆ ንኽእል ዲና? ብዛዕባ ተስፋን ሓጐስን ኢየሱስ ንምስክር ዲና፧ ቢልና ንሕልናና ንሕተት። እታ ኣደ ተስፋ ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም፡ በይንና ኮይኑ ናይ ዘይስምዓና ሓጎስን ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ጸልማት ብርሃን ንምምጻእ ዝቀርበና ጻውዒትን ኣባና ተሓድሰልና ።

ብድምጺ ንምክትታል!
27 March 2023, 10:35

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >