ድለ

2023.03.23 ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ኣልቦ ህይወት ዝኾነ ናይ ጠረጴዛ ግብረ ገብ ምጥንቃቕ ይግባእ! 2023.03.23 ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ኣልቦ ህይወት ዝኾነ ናይ ጠረጴዛ ግብረ ገብ ምጥንቃቕ ይግባእ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ኣልቦ ህይወት ዝኾነ ናይ ጠረጴዛ ግብረ ገብ ምጥንቃቕ ይግባእ!

ነፍሲ ወከፍ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ እማም ኣብ መወዳእታ መሰረት ኣለዎ፥ መሪሕና ማለት ውልቃዊ ምርጫታትናን ህላወኣዊ ጉዕዞናን ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ!

ኣልፎንሳዊ ግብር ገባዊ እማም

ቅዱስነቶም እቶም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተጋባእያን ኣብ ዋዜማ መዛዘሚ እቲ ብምኽንያት ዕለት 24 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 75 ዓመት ምስረታ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ግብረ ገብ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ዘካየድዎ ዓውደ መጽናዕቲ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተመገበ ስነ ግብረ ገባዊ  ቲዮሎጊያ፥ ምእመናን ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ናብ ዓለም ንኸብጽሑ ዝተቐበልዎ ጸዋዕታ ዘለዎ ዕብየት ንኽርድኡ ክሕግዞም ከም ዘለዎ የተሓሳስብ፥

ነፍሲ ወከፍ ቲዮሎጊያዊ ግብረ ገብ እማም ኣብ መወዳእታ መሰረት ኣለዎ፥ መሪሕና ማለት ውልቃዊ ምርጫታትናን ህላወኣዊ ጉዕዞናን ዝኾነ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ!

ከም ሳዕቤኑ ድማ ስነ ግብረ ገባዊ ቲዮሎጊያ ተመራመርቲ ልኡካንን ኣናዘዝትን፥ ብፍላይ ናይቶም ዝተነጸሉን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ገዓር ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ እግዚኣብሔር ከቕርቡ ምስኣቶም ክሓብሩን ሓቀይና ጸገማቶም ክርድኡ ንህላወ ክጥምቱ” ሓደራ ቢሎም ካብ ኩርናዓቶም ብብርሃን ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ኣቦ ዘንጸባርቕ መልሲ ንኸቅርቡ ዝተጸውዑ እያቶም፥ ኣብ ጎድኒ እቶም ዝተናዕቑ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ብድሆታቶምን ቃልሶምን ገዛእ ርእሶም ቀረባ ገይሮም ዝነብሩ ድማ ኪኾኑ ከም ዘለዎም የተሓሳስቡ ዝበለ ዜና ቫቲካን፥

ንህይወት ኣልቦ ጠረጴዛዊ ግብረ ገብ ኣይፋል!

እቶም ተግባባኣያንን ተመሃሮን ንናይ ቅዱስ ኣልፎንሶ ትውፊት እሙናት ብምዃን “ንጠለባት ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ እናኽበሩ፥ ኣልቦ ህይወት ዝኾነን ኣብ ጠረጴዛ ዝእመር ግብረ ገብ ዘይኮነስ” ናይ ክርስቲያናዊ ህይወት ሓሳብ ብምቕራብ ክነብርዎ ዝጽዕሩ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም፥ እቲ ከቕርብዎ ዝደልዩ እማም፥ “ንምርዳእ ይቕረ ንምባል ንምስናይን ልዕሊ ኵሉ ድማ ንኵለንተናዊ ውህደት ዝዓለመ ምሕረት ዝመልእ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምልላይ ዝድግፍ እዩ ክኸውን ዘለዎ።” ምስ ዕዮታት ቅዱስ ኣልፎንሶ ብምስምማዕ እቲ ዘካይድዎ ጉባኤ ብዛዕባ ሕልናን ንቑሓዊ ኣቃውምኡን ብምስትንታን ከም ዘበገስዎ ዘኪሮም፡ ብሓቂ ኣገዳስነት ዘለዎ ዓውደ መጽናዕቲ እዩ። . . . ኣብዚ እንነብሮ ዘሎና ዝተሓላለኸን ርቡጽን ተወንጫፍን ናይ ለውጢ ዘመን ብሓቂ ብሱል ሕልና ዝተዓደሉ ሰባት ጥራይ እዮም ኣብ ሕብረተሰብ ኣብ ኣገልግሎት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ጥዑይ ወንጌላዊ ትውሳኤ ከካይዱ ዝኽእሉ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንተስፋና ምኽንያት ምሃብ

ሕልና . . . ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ‘ምስ ኣምላኽ በይኑ ዝኾነሉ። ድምጹ ኣብ ቅርበት ኮይኑ ዘድምጸሉ ቦታ” ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እቲ ተቕዋም ኣብ ስነ ህይወት ስነ ግባርን ኣብ ማሕበራዊ ግብረ ገብን ዝገብርዎ ኣስተንትኖ ብምምስጋን፡ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣዋናዊ እውን ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥

ቅልውላው ከባቢ ስነ መሓዳራዊ ምስግጋር ሰብኣዊ ህይወት ንሓደሽ ጊልያነት ዝድርኽ ቍጠባዊ ስርዓት ኣብ  መንጎ ሰባትን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ሕውነት ናይ ምህናጽ ብድሆን እዞም ጉዳያት እዚኣቶም ንመጽናዕትን ዘተን ከነቓቕሑና ኣለዎም።

ቢሎም፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ከም ስደትን ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝኣመሰሉ ከበድቲ ግብረ ገባዊ ጉዳያት ኣጋጥሚምና እዮም። ሎሚ ካልኦት ተወሳኺ ህጽጽ ዝኾኑ ጉዳያት እውን ንርይ ኣሎና፥ ሃብቲ ዓለምን መኽሰብን ዓለማዊ ስልጣንን ኣብ ውሑዳት ውህሉል ክኸውን ዝገብር ስርዓትን ብሓፈሻ ነዞም ብድሆታት እዚኣቶም ንምግጣም፥ “ብውልቀ እምነት ድሉዋት ኮይንና ናይቲ ኣባና ዘሎ ተስፋ ምኽንያት ዘቕርቡ ኮይንና ክንርከብ ይግባእ።”

ስለዚ እቲ ተቕዋም ስነ ምርምራውን ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕቲ፥ “ንሓቀይና ጸገማት ጭቡጥ መልሲ ንምሃብ ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕትን ቅርበት ንሕዝበ እግዚኣብሔርን ምትዕራቕ የድሊ። ከምኡ እውን ነቲ ናይ ድሕነት ሓቅን ሰናይ ሰባትን ኣቃልቦ ዝህብ ሰብኣዊ ግብረ ገባዊ እማማት ክሕንጽጽ ኣተባቢዖም፥

መንፈስ ቅዱስ ሕልና እትሓንጹ መምሃራን ናይቲ ልቢ እትከፍትን ናብ ኣምላኽ እትመርሕን ተስፋ ክትኮኑ ይሓግዝኩም!

እንክብሉ ዝለገስው ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 March 2023, 15:08