ድለ

2022.12.25 Benedizione Urbi et Orbi 2022.12.25 Benedizione Urbi et Orbi  (Vatican Media)

ዓሰርተ ዓመት ከም ዕለት! ብመንገድታት ምሕረትን ሰላምን ብዓቢ መንፈሳዊ ቅንኣት ዝተገብረ ወፍሪ ሰፊሕ ስብከተ ወንጌል ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ!

10 ዓመት ይገብር ከምዛ ሎሚ ዕለት 13 መጋቢት 2013ዓምፈ ከምቲ ሽዑ ር.ሊ.ጳ ባዕሎም ዝበልዎ ብፁዓን ኣበው ፓትርያርክታትን ካርዲናላትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ር.ሊ.ጳ ‘ካብ ኣጽናፍ ዓለም’ መሪጾም ንመጀመርያ ግዜ ካብ ደቡብ አመሪካ ከምኡ እውን ካብ ማሕበር ኢየሱሳውያን ንመጀመርያ ር.ሊ.ጳ ዝተሾሙ ንመጀመርያ ግዜ እውን ኢጣልያውያን ዘይዘኮርዎ ፍራንቸስኮስ ዝብል ስም ዝመረጹ ብፁዕ ካርዲናል ቦርጎልዮ ናይ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ነበሩ። መለለዪ እዘን 10 ዓመታት ፍቅሪ ስብከተ ወንጌልን ቀጻሊ ሕዳሴ ተልእኮ ቤተክርስትያንን ኮይኑ ንቅድሚት ዝግሥግሥን ምስ መሳርሕቱ ንምጒዓዝ ዙርያኡ ዝሓለወን ምዃኑ እውን ይገልጽ።

ዜና ቫቲካን!

ንቅዱስነቶም ብዛዕባ እዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት እንታይ ትብሉ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረቦም ሰምብራ እየረ ከምዛ ትማሊ ዝሓለፈት ዕለት ኮይኑ ይስመዓኒ ዝበልዎ 10 ዓመታት ከም ዕለት ሓሊፈን። እንተኾነ ከምቲ ማንም ሰብ ርሑቅ ዝጠመተን ተሪርን ጒዕዞ ንምፍጻም ዘንቀደ ክገብሮ እንጽበዮ ቅዱስነቶም ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝጥቅስናየን ዕላማታት ንምድንፋዕ ሓጺርን ነዊሕን መደባት ክሕንፁ ግድን ስለዝነበረ በታ ኢቫንጀሊ ጋውድዩም ሓሴት ወንጌል እትብል ቀዳመይቲ ሓዋርያዊት ምዕዳኖም ብንጹር ኣንበሩ። ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ ቅዱስነቶም ቀዳምነት ካብ ንግዜ ንቦታ ክህቡ መረጹ እዚ ከኣ ‘መስርሓት ንምጅማር ዘፍቅድ ኣገባብ ኮይኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ሓድሽ ምቅስቃስ ዘመንጩ ተግባራት ዝድግፍ ምዃኑ’ ብምእማን ነበረ። ብካልኣይ ደረጃ ከኣ  የማነ ጸጋም ቅድሚት ድሕሪት እተቋምተሉ ክቢ ናይ ርክብን ሕውነትን ሓድሕዳዊ ርእይቶ ምልውዋጥን ኮይኑ ሓደ ንድሕሪት ዝተርፍ ዘይብሉ ኩልኻ ሓቢርካ እተጐዓዘሉ ነበረ። ኣብዘን 10 ዓመታት እንታይ እንታይ ተገብረ እንተበልና በቲ 9 ዓመት ምሉእ ዝተሰርሓሉን ንሕዳሴ ቤተክርስትያን መምርሒ ክኸውን ዝተኣወጀ ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ሑሩ ወመሓሩ ወንጌለ መንግሥት ዝብል ሓዋርያዊ ቅዋም ጀሚርና ፍርይ ፍርይ ዝበሉ ጉዳያት ንመልከት።

ሓዋርያዊ ቅዋም "Praedicate evangelium"።

ኣብቲ ንቅድሚ ምግስጋስ ዝበልናዮ ጒዕዞ ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ብዛዕባ መሣርሕቶምን መማኽርቶምን ዘጥቃልል ብኩርያ ሮማና ዝፍለጥ ዝለዓለ ቤትጽሕፈታት ቅድስት መንበር ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ዝህቦ ኣገልግሎት ዝሕደሰሉ ሓዋርያዊ ቅዋም ፕረዲካተ ኢቫንጀልዩም ብ2022 ዓም ተኣወጀ።  እቲ ሰነድ ንኩርያ ሮማና ዝያዳ ተልእኮ ስብከተ ወንጌላዊ ቅርጺ ከምዝሕዝ ገበሮ። ካብቶም ዘተኣታዎም ሕዳሴታ፡ ምምስራት ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስት መንበር ንኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ንስብከተወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብቐጥታ ብር.ሊ.ጳ. ክምራሕን ዝእዝዝ ነበረ። ብተወሳኺ እውን ኣብ ውሽጢ ሮማዊ ኩርያ ኣብ ምምሕዳርን ላዕለዋይ ሓላፍነትን ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ማለት ምእመናን እውን ሱታፌ ከምዝህልዎም ዝፍቅድ ኮነ።  ኣብ ውሽጢ እዘን ዓሰርተ ዓመታት እዚኤን ብመሠረት እዚ ጒዕዞ እዚ ሕዳሴ ካብ ዝተገብረሎም ሓደ እቲ ብ2015 ዝተገብረ ምቋም ቤትጽሕፈት ቊጥባዊ ጒዳያት ቊጠባ እዩ።

ኢኩሜኒዝምን ሓልዮት "ናይ ሓባር ቤትናን"!

ካልእ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍረ ዝበጽሑ ንጒዕዞ ቤተክርስትያን ዝምልከቱ ሠለስተ ነገራት እንተደኣ ክንጠቅስ ደሊና እቲ ቀዳማይ ንከባቢና ብዝምልከት ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ዝተመሥረተ ዓለማለኻዊ መዓልቲ ጸሎትን ሓልዮትን ፍጥረት፣ በብዓመቱ ብባሕቲ መስከረም ምስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓባር ዝኽበር፣ ንኩለን ኣብያተ ክርስትያናን ኣብ ግምት ዘእተወ ብምዃኑ ኢኩሜኒዝምን ሓልዮትን "ናይ ሓባር ቤትናን" ይዝከር።  ተመሳሳሊ ጻውዒት እውን ንጹር ብዝኾነ መንገዲ በታ ብ2015 ዓም ዝተሓትመት ካልኣይቲ ሓዋርያዊት መልእኽቶም ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ ብዛዕባ ሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና ንምሕብሓብ ንዝኣትወ ቃል ሓላፍነት ንኽንወስድ ሓቀኛ ለውጢ ንምትእትታው ዝመክር ነበረ። ድኽነት ምጥፋእ፣ ንድኻታት ቆላሕታ ምግባርን ኩሉ ንሃብቲ እዛ መሬትና ማዕረንትን ፍትሓውነትን ዘማእከሎ ብጽሒት ኩልና ምዃኑ ነዚ ከኣ ብተወፋይነት ክንገብሮ ኣዘኻኺሮም ነበሩ።

ርክብ ምስ ፓትርያርክ ኪሪል!

ካልእ ቅዱስነቶም ብሃንደበትነቱ ንብዙሓት ዘደነቀ እቲ ብዕለት 12 ለካቲት 2016 ዓም ኣብ ኩባ ምስ ፓትርያርክ ሞስኮን መላእ ሩስያን ኪሪል ዘካየድዎ ርክብ ነበረ። እቲ ዘመናዊ ፍጻመ፡ ነቲ ቅድስነቶም "ናይ ግብረ ሠናይ ሓድነት ኣብያተክርስትያን" ቢሎም ዝገልጽዎ፡ ማለት ልዑል ሕውነት ዝዓብለሎ ሰብኣውነት ንምህናጽ ሓባራዊ ተወፋይነት ክርስትያን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሓባራዊ መግለጺ ዝተፈራረሙሉ ነበረ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እቲ ተወፋይነት እቲ ብዘሕዝን መልክዑ በቲ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዘካየደቶ ወራር፣ እሞ ኸኣ ኣብ ማእከል ኤውሮጳ ብዝኻየድ ዘሎ ውግእ እኳ ዛሕቲሉ እንተሎ፣ ኣብ መንጎ ሓደ ጥምቀት ዝሳተፉ ክርስትያን ዝተኻየደ ሰፊሕ ጠመተ ዘለዎ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርይ ጃስቲን ዌልቢን ኣካያዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ኢያን ግሪንሺልድስን ብሓባር ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘካየድዎ ናይ ሰላም  መንፈሳዊ ንግደት ብሓቂ ኢኩመኒካዊ ንግደት እዩ። ብዛዕባ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ቅዱስነቶም ብ4 ለካቲት 2019፡ ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ናይ ኣልኣዝሓር ዓቢ ኢማም ብሓባር ዝከተምዎ ሕውነት ዘመደ ኣዳም ዝምልከት ሰነድ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘተባብዕን ንሽበራን ዓመጽን ብዘይ ምግናን ዝኹንን ብምንባሩ፡ ኣብ ዝምድና ክርስትናን እስልምናን መሰረታዊ ስጉምቲ ነበረ።  ማዕረ ማዕረ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኩሎም ሓቢሮም ምእንቲ ክጐዓዙ ድሕሪት ዝተርፍ ወይውን ቅድሚት ዚሓልፍ ዘይብሉ ሓባራዊ ጒዕዞ ንምግባር መበል 16 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት ምስ መላእ ቤተክርስትያን ኮይኖም ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ፡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ክልተ ህሞታት፡ ማለት ኣብ 2023ን ኣብ 2024ን፡ "ንሓንቲ ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ውህደት፡ ተሳትፎን ተልእኾን" ብዝብል ቴማ ተመዲቡ ኣሎ። ከማኡ እውን ‘ጽን ቢልካ ምስማዕ፡ ምስትውዓልን፡ ምምኽኻርን’ ብዝብል ኣብ ሰለስተ ምዕራፋት ማለት ሰበኻዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ኣድማሳዊ ደረጃታት ዝተኸፋፈለ ናይ ሰለስተ ዓመት ጉዕዞ ሲኖዶስ እውን ኣብ ናይ መወዳእታ መድረኹ እዩ ዘሎ።

ኣንጻር ግህሰት ዝግበር ቃልሲ!

ጒዕዞ ቅዱነቶም ግን ብኩሉ ኩሉ ጥጡሕ ነሩ ማለት ኣይኮነን ኣብቲ ዝገብርዎ ግስጋሴ ከም ውሻጣዊ መደመይቲ ዚሓቅዮም ግድል ማለት ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽን ግህሰት  መሰላትን ዝግበር ቃልሲ ኮይኑ ነዚ እውን ዕረ እናጠዓሞም ኣብ ዋዕላ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ብወርሒ ለካቲት 2019 ኣብ ቫቲካን ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ንጹር መግለጺ ናይቲ ቤተክርስትያን ብሓቅን ብግሉጽነትን ክትሰርሕ ዘለዋ ድሌት፣ ሓላፍነታ ዘልብስ ኣብ ርሲ ምዃኑ ንስሓ እውን ዘድልዮ ምንባሩ፡ ብምዝኽኻር ናይቲ ጉባኤ ውጽኢቱ ድማ ብሞቱ ፕሮፕሪዮ ዝፍለጥ ኣዋጅ ቮስ ኤስቲስ ሉክስ ሙንዲ ንስኹም ብርሃን ዓለም ኢኹም ዝብል ንዝኾነ ግፍዕን ዓመጽን ብዘይወዓል ሕደር ንምሕባር ሓድሽ ኣገባባት ዝውስን ነበረ። ጳጳሳትን ሓለፍቲ  ገዳማውያንን ገዳማውያትን ብተግባራቶም ተሓተትቲ ምዃኖም ዘረጋግጽ ነበረ። ካብዚ ሓሊፎም እውን ነዚ ኣዋጅ ስዒቡ ዝመጽእ ብሪስክሪፕት ዝፍለጥ መብራህርሂ ብምጽሓፍ ነቲ ንጉዳያት ጾታዊ ዓመጽ ዝምልከት ምዕቃብ ጳጳሳዊ ምስጢር ሰሪዞም ንኩሉ ኣብ ቃልዕ ብዘይ ምንም ምስታርን ምሕባእን ክኸውን ኣዚዞም።

ኣቓልቦ ኣብ ሻውላት ቦታን መነባብሮን!

ክሳብ ሕጂ ዝተመልከትናዮ ንግስጋሴ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ካልኣይ ሸነኽ፡ ማለት የማነ ጸጋምካን ቅድሜኻን ድሕሬኻን እተቋምተሉ "ክቢ" ዝኾነ ግዜ ቅዱስነቶም፡ ቅድሚ ዝኣገረ ኣቃልቦ ንሻውላት ቦታን መነባብሮን ምግባሮም ነዚ ከኣ ብቃልን ብግብርን ካብ ውሻጠ ውጽእ ቢልና ክነገልግል ብምምሃርን ብግብሪ ባዕሎም ብምኻድን ኣብነት ኮይኖም። ኣብተን ብሓውጾተ ኖልዎ እግሮም ኣብ ዘንበሩለን ልዕሊ 40 ሃገራት ከምኡ’ውን 36 ምብጻሕ ኣብ ዞባታት ሃገረ ጣልያን፡ ቅርበቶም ምስቶም ዝተጉስዩ ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።  እቲ ቀዳማይ ሃንደባታዊ ጒዕዞ፡ ብ8 ሓምለ 2013 ዝተገብረ፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ፡ ድራማ ማእከላይ ባሕሪ ተርእዮ ስደት ኮይኑ ‘ሓውኻ ኣበይ’ እንክብሎ ስለዝኽሪ እቶም ዝሞቱ ሕቋፍ ዕንባባ ኣንቢሮም ዝድንግጸሎምን ዝበኽየሎምን ዝሰኣኑ እዮም እሞ ኣነ ክበኽየሎም ብማለት ልቢ ብዙሓት ዝተንከፈሉ ጒዕዞ፣ ከምኡ’ውን ብወርሒ ሚያዝያ 2016፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሌስቮስ፣ ኣብ ግሪኽ፣ በጺሖም እንክምለሱ ምሳኦም 12 ሶርያውያን ስደተኛታት ኣብ ነፋሪቶም ሒዞም ብምምላስ ኣብ ሮማ ከምዝሕገዙ ገቢሮም።

ኣቀባብላ ስደተኛታትን ክንክን ንውሑዳትን!

ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ካብ ዘስመሩሉ ጒዳያት ሓደ ኣቀባብላ ስደተኛታትን ክንክን ንውሑዳትን ኮኑ፣ ብመሰረት ኣርባዕተ ግሥታት፡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፡ ምክንልኻል፡ ምድንፋዕን ምውህሃድን ክግበር ተማሕጺኖም። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ንጒስነት ብዝምልከት ከምዚ ይግበር ነሩ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወጺኦም ካብ ብኽነትን ዓለማዊ መንፈስን ሓራ ኮይኖም በግዕ በግዕ ክጨንው ቅርበቶም ምስ እግዚአብሔርን ኣሕዋቶም ጳጳሳትን ካህናትን ምናዳ ኸኣ ኣብ ማእከል ሕዝቦም ክነብሩ ደጋጊሞም ኣዘኻኸሩ። ካህናት ኣብነት ናይቲ ወትሩ ኣብ ማእከል ሕዝቢ ኣብ ጐደናታት ዝመላለስ ዝነበረ ሕያዋይ ጓሳ ብምስዓብ "prete callejero"፡ ወይ ምስ ምእመናን ኣብ ጐዳና ዘወን ዝብል ካህን ጎደና ክኾኑ ኣዘኻከሩ። ቅዱስነቶም ብማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ክሳብቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ህቡብ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ ትዊተር ኣካውንቱ @Pontifex፡ ብትሽዓተ ቋንቋታት፡ ልዕሊ 50 ሚልዮን ተኸታተልቲ እንክህልዎም፡ ኣብ ኢንስታግራም እውን እቲ ብ19 መጋቢት 2016 ዝተኸፍተ ኣካውንት ፍራንቸስኮስ 9 ሚልዮን ተኸታተልቲ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ "ንድኻታት ዝኸውን ድኻ ቤተክርስትያን" ብዝብል ኣረኣእያ፡ ንድኻታትን ኣረጋውያንን ብዙሕ ኣቓልቦ ሂቦም።  ንዓኣቶም ድማ ኣብ 2016ን 2021ን ክልተ ዝተፈላለየ ዓለማለኻዊ መዓልታት ማለት ዓለም ለኸ ዕለተ ድኻታትን ዓለምለኸ ዕለተ ኣረጋውያንን ኣዊጆም። ከማኡ እውን "ዓርቢ ምሕረት" ኣብ ማእከል ጾመኣርባዓ ብምድኳን ባዕሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝመርሕዎ ናይ 24 ሰዓታት ስግደትን ኣምልኾን ቅዱስ ቊርባንን ኑዛዜን ከምዝዝውተር ገቢሮም።

ዘየቋርጽ ተወፋይነት ንዕርቀ ሰላም!

ቅዱስነቶም ንሕውነት መላእ ዘመደ ኣዳምን ንዕርቀ ሰላምን ብዙሕ እንከበርክቱ እታ ብዕለት 4 ጥቅምቲ 2020 ዝተዘርግሐት ፍራተሊ ቱቲ ኩልና ኣሕዋት ኢና እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቶም እያ: ንሕውነትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ትጽውዕን ንውግእ ኣይፋልን ብጽኑዕ ትገልጽ። ምሕታሙ እውን ኣብ ዘመነ ለበዳ covid-19 ምንባሩ ፍሉይ ትርጉም ሂብዎ። ኣብቲ ኩሉ ጸሚትሉ ዓለምና ህጹጽነት ጥዕና ወሪርዋ እንከሎ ቅዱስነቶ "በይኑ ክድሕን ዝኽእል የልቦን፣ ብሓባር ጥራይ ኢና ክንድሕን እንኽእል" ክብሉ ዝጸሓፍዎ እዋናዊ ነበረ።  ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ እቲ ኣብ ዩክሬን ዘሎ ግጭት ምስ ተወለዔ፡ ኣብታ "በብቊጣሮ ትፍጸም ዘላ ሳልሳይ ውግእ ዓለም" ስለዝጀመረት "ዓለማዊ ስነ-ምግባር ምትሕግጋዝ" ክንጅምር "ሓቀኛን ነባሪን ሰላም" ንኽህሉ ዘቅረብዎ ጻውዒት እውን ትንቢታዊ ይመስል።

እቲ ብዙሕ መንፈሳዊ ዝኾነ ጐድኖም ዳርጋ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ስለዘይዝረበሉ ነዙይ ዝምልከት ነጥብታት ብውሑዱ ነዚኤን ንመልከት።

  • 1.      እምነትካ ብግቡእ ምንባር ማለት ምስ ኢየሱስ ምርኻብ እዩ።

ቅዱስነቶም ሀ ኢሎም ኣብ መሪሕነት መንበረ ጴጥሮስ ምስ ደየቡ ትኩረት ናይ ኩሉ ክኸውን ዝመረጽዎ ካብቲ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል ዝነቅል ነቲ ሓቀኛ እግዚአብሔርን ሓቀኛ ሰብን ዝኾነ ክርስቶስ ምርካብ ኮይኑ እዚ ከምቲ ኣብ ሓሴተ ወንጌል እትብል ሓዋርያዊ ቃለ ምዕዳኖም ዘስፈርዎ `ኢየሱስ የፍቅረካ እዩ! ምእንቲ ከድሕነካ ሕይወቱ ምእንታኻ ወፍዩ! ሕጂ ከኣ ንከብርሃልካን ንከሐይለካን ሓራ ንከውጸኣካን ዕለት ዕለት ኣብ ጐድንኻ ኮይኑ ይጐዓዝ ኣሎ’ እንክብሉ እምነት ናይ ሓደ ሥነሓሳብ ከምዘይኮነ ከመይ ሓሳባት ስለዝመቃቅሉን መናድቅ ፍልልይ ስለዝሃንጹን እምነትሲ ምስቲ ሕያው ዝኾነ መድኃኔ ዓለም ምርኻብ እዩ። መድኃኔ ዓለም ከኣ ብግዲኡ ምስ ካልኦት እናኣራኸበና ሕይወትና ንዘለዓለም ከምትልወጥ ይገብር። ካብዚ ፍቅራዊ ርክብ ነቲ ታሕጓስ ወንጌል ኣብ መላእ ዓለም ናይ ምብጻሕ ሃረርታ ይውለድ። ሓይሊ ፍቅሪ ኢየሱስከስ ንኩሎም ነቲ ሠናይ ዜና ክተባጽሕ ይደፋፍእ። ክርስትያንከስ ካብኦም ዚዓቢ ዓቢ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ዝተጸውዑ እዮም እንክብሉ ዓንዲ ማእከል ትምህርቶም እምነት ምስ ክርስቶስ ብኣኡ ኣቢልካ ከኣ ምስ ካልኦት ዝግበር ቀጥታዊ ርክብ ምዃኑ ብግብሪ የርእዩ ይምህሩ ከኣ ኣለው።

  • 2.     ጸሎት፡ እግዚአብሔር ኣቦና እዩ ንሕና ከኣ ኣሕዋት ኢና!

ከም ካልአይቲ መፈለጥታ ነጥቢ ቅዱስነቶም እትጥቀስ ጸሎት እያ። ጸሎት ከኣ ብዓንዲ ርእሱ መሠረት ሕይወት ክርስትና ኮይኑ ክንዮ ቃላት ምድርዳር ምስ እግዚኣአብሔር ልቢ ንልቢ ተወሃሂብካ እተዕልለሉን ምሉእ ምትእምማን ኣብ ሰማያዊ ኣቦኻ እትገብረሉን ምዃኑ ይሕብሩ። ጸሎትከስ ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም ሓቀኛ ሕያው ርክብ ምስቲ ሕያው ዝኾነ ኣቦና ኮይኑ ዕለት ዕለት ዝንበር ንሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ጽን እናበልካ ምስ ኣቦኻ እናዕለልካ ዝግበር ናይ ምጽንናዕን ሓራ ምውጻእን መጋበሪ እዩ ኮይኑ ግን ሓንሳእ ሓንሳእ እትቊጠዓሉ እውን እዩ። ከመይ እዚ እውን ጸሎት ዝኾነሉ ግዜ ኣሎ። ከመይ እግዚኣአብሔር ኣቦና ብምሉእ ተኣማንነት ውሉድነት ነቲ ዝስመዓካ ሓሪቅካስ ኮይኑ ሓንቂቅካ ኣብ ገጹ ክትዛረቦ እንከሎ ባህ ይብሎ! ከመይ ኣቦ እዩ። ኣብ ብርቱዕ ፈተና ኣብ እንርከበሉ ግዜ ካብ ልብና `ኦ ጐይታ ስለምንታይ እዚ ከምዚ ኮይኑ` ዝብል እህህታ ክወጽእ ዚከኣል እዩ። ኣብ ጸልማት ናይ ፈተናታት ምስ ተረኸብካ ዚግበር ገዓርን ኣውያትን እዩ ምኽንያቱ ከኣ ንቃንዛ ክሳብ ዕምቈቱ ክርዳእ ዚኽእል ወላ ሓደ ሰብ ስለዘየለ። ጸሎት ማለትከስ ይብሉ ቅዱስነቶም ደቂ ሓደ ኣቦ ምዃና ምርዳእን እዚ ኣቦ እዚ ከኣ ፈጺሙ ከምዘይሓድግናን ምስ ካልኦት ኣሕዋትና ከምእንራኸብን ይገብረና። ብካልእ ኣዘራርባ ጸሎት ማለትሲ ኣብ ኣእምሮኻ ንምሥጢረ ፍቅሪ ፈጣሪኻ ገርካ ነሕዋትካ ክትረክብ ምኻድ እዩ ይብሉ።

  • 3.     መንፈስ ቅዱስ ክልውጠካ ፍቃደኛ ምዃን!

ድሕሪ እምነትን ጸሎትን ሣልሠይቲ መለለዪት ቅዱስነቶም ምሉእ ብምሉእ ንሕሹዅታ መንፈስ ቅዱስ ጽን ምባልን መንፈስ ቅዱስ ክልውጠካ ፍቃደና ምዃንን ትብል ኮይና ነዚ ከኣ ንኩሎም ክርስትያን ዝምነይዋን ዝምህርዋን እያ። ሕይወት ሓደ ክርስትያን ይብሉ ቅዱስነቶም ቀጻሊ ለውጢ ኮይኑ ዕለት ዕለት ካብቲ ኣነ ዝብል ዓንኬል ውጽእ ኢልካ ናብ ካልኣይካ ምስጋር ካብቲ ተዓጺኻሉ ዘሎኻ ውጽእ ኢልካ ካብ ምክልኻል ናብ ምቅባል እትሰጋገረሉ ስለዝኾነ ዓሚቚ መንፈሳዊ ተሓድሶ የድልየካ። እዚ መንፈሳዊ ተሓድሶ እዚ ብዙሕ ግዜ በቲ ብፍቅሪ ክልወጥ ዘይደሊ ውሳጣዊ ተቃውሞና ነቂሉ ብስም ሓቂ ዘይተኣደነ ዓምዲ ሃይማኖታት ብምድርዳርን ኣብኡ ተደሪትካ ከምትተርፍን ብምግባር ምንም ዓይነት ምጥርጣር ኣይፈቅድን። መንፈስ ቅዱስ ግን ነዚ በቲ ዘደንቅ ሃንደበታዊ ውህበታቱ ይገማጥሎ እሞ ብሓይሉ ንቅድሚት ከም እትስጉም ይገብረካ ንእምነትካ ብጥበቡ የዕብየልካ ኮይኑ ግን ኣዎንታዊ ብዝኾነ ምጥርጣር እውን ነቲ ከም ዕርዲ ሒዝካዮ ዝነበርካ ነቃጽ ኣተሓሳስባን እምነትን ይፈራሽኾ። ከምዚ ዓይነት ኣዎንታዊ ምጥርጣር ንኢየሱስ ብዝበለጸ ንክንፈልጦን ነቲ ኣባና ዘለዎ ምሥጢር ፍቅሩ ንክንርዳእን ይሕግዘና። መንፈስ ቅዱስከስ ነታ ዕጽውቲ ማሕበርና ንክነኣማዕብልን ቊጽሪ ክነብዝሕን ኣባላትና ንክንገብርን ካብ ምጽዓር ሕልፍ ኢልና ሓቀኛታት ሰበኽቲ ወንጌል ኰና ነታ ምንም ዓይነት ተጽዕኖ ዘይትፈጥር እኳ ደኣ ሓርነት እተልብስ ሰብ ዝኾነት ሓቂ ክርስቶስ ናብ ካልኦት ከምእነብጽሕ ይገብረና ይብሉ።

  • 4.     ቤተክርስትያን  ወትሩ ክፍቲ ገዛ ኣቦ ትኹን!

ቅዱስነቶም ደረጃ ብደረጃ ብግላዊ ርክብ ምስ ክርስቶስ ዝጅምር እምነትን ወትሩ ምስ ኣቦ እተዋስእ ጸሎትን ንኩሉ ኣዋሃሂዱ ዝመርሕ መንፈስ ቅዱስን ናብታ ዝዓበየት ምሥጢረ ድሕነት ዝኾነት ኣደና ቤተክርስትያን ንምህናጽ ከምዘብጽሕ እዚኣ ቤተክርስትያን እዚኣ ከኣ ንኩሉ ዝተኸፍተት ገዛ እግዚአብሔር ኣቦ ክትከውን ይምሕጸኑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብዘን ዝሓለፋ ሽድሽተ ዓመታት መዓጹኣን መሳዅታን ንክትከፍት ሒዅ ዝብልዎ ዘለው ቀንዲ ውራዮም ኮይኑ ዘሎ እዩ። እቲ ጸገም ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዲ ናይ ጸጋ ዓደልትን ተሓጋገዝትን ንኸውን ናይ ጸጋ ተቆጻጸርቲ ሓንሳእ ሓንሳእ ከኣ ዓንቀፍቲ እውን ኰና ንርከብ። ኮይኑ ግን ቤተክርስትያን ድጓና ኣይኮነትን። ገዛ ኣቦ ኮይና ነቶም በዛ ኣድካሚት ጉዕዞ ሕይወት እንሳቀ ገዛ ነፍሲወከፍና እያ። ብምንም ተኣምር እተን መዓጹ ቅዱሳት ምሥጢራት እውን ክዕጸዋ የብለንን። እቲ ዘሕዝን ይብሉ ቅዱስነቶም ክንዲ ንኩሉ ንኸፍት እታ ናይ ድሕነት መጋበሪት ክትከውን ዝነበራ ሻምነይቲ ምሥጢር ዝኾነ ቤተክርስትያን ክንዲ ንሓገዝ ዳርጋ ድጓና ገርናያ። እቲ ምልኣት ምሥጢራዊ ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ ቊርባን ከይተረፈ እውን ከም ብልጫ ንፍጹማን ሰባት ዝዕደል ዘይኮነስ ልግሲ ዝመልኦ መድሓኒትን መግብን ናይ ድኹማት ምዃኑ ንዝንግዕ። እዚ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት እውን ሳዕቤን ኣለዎ። ብዓቢ ጥንቃቄን ልቦናን ክንምልከቶ ዝተጸዋዕና ኢና። ማሕበረ ክርስትያን ከኣ ከምቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገበሮ ኣብ ዘፈር መንገዲ ወዲቆምን ቆሲሎምን ንዝጸንሑ ኣሕዋት ተምበርኪኾም ክረድኡ ዝተጸውዑ እዮም። ልዕሊ ኩሉ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ግን ንኢየሱስ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ከይንዓጽዎ ንጠንቀቅ ከመይ ንሱ ብውሽጢ ኮይኑ ንደገ ክወጽእ እሞ ሕይወት ክዕድል ማዕጾ ይኲሕኩሕ ኣሎ ይብሉ።

  • 5.     ቀጻሊ መንፈሳዊ ተሓድሶ!

ቅዱስነቶም ዘተኲሩላን ሓደራ ዝብልዋን ሓምሸይቲ ነጥቢ ከኣ ቤተክርስትያን ከም ሕዝበ እግዚኣአብሔር ኣብ ክርስቶስ ዘለዋ እምነታ ብቀጻሊ ክትሕድሶ ዝተጸወዔት ምዃና ብምዝካር እዚ ምሕዳስ እዚ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝድፋእ ውሳጣዊ ሓይሊ ኮይኑ ንሓቅታት ክርስትና ብዝበለጸ ንምርዳእን ኣብ እምነት ንዘሎ ኣፍልጦ ዘዕብን ኮይኑ ነቲ ክዕንቅፍ ዝኽእል ምዕባሌ ዓምዲ እምነት ወላውን ነተን ሎሚ ብቀሊሉ ዝተበጽሓ ዝመስላና ጒዕዞታት ድሕሪ ክልተ ሺሕ ዓመታት ናይ ታሪኽ ዳግም ንክነሕድሶ ዝጽውዕ እዩ። ንኩሉ ነገር ፍጹም እዩ ኢልካ ፍጽምና ክትህቦ ናይ ምጽዓር ሓደጋ ነዚ ጉዕዞ ምሕዳስ ብመንፈስ ክደንዝዞ ስለዝኽእል ምጥንቃቅ የድሊ። ስለዚ ከምዚ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ዝተራእየ ብርቱዕ ፈተናታት እንከጋጥም እውን ቤተክርስትያን ንክትነጽሕ ክትፈቅድ ኣለዋ። በዚ ከኣ ንድኻታት እተገልግልን ምስ ድኻታት ብሓባር እትጓዓዝን ውሉደክህነትን ይኹኑ ገዳማውያንን ገዳማውያትን እንኮላይ ዓለማውያን ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ካብ ፈተና ውሉደክህነታዊ ጥራይ ዝብል ርሒቅና ብሓባር ክንጐዓዝ የድሊ። እቲ ጸገማት ብሩሕ ኮይኑ ንጸዋዕታ ክህነት ከም ዓለማዊ ሜላ ናብራ ብምምልካት ካብቲ ሕይወት ዝህብ ሓይሊ ድሕነት ናብ ዝጨውን ዘዕኑን ኢድ ጒሒላ ይልውጦ።  ስለዚ ከኣ እዮም ቅዱስነቶም ንጳጳሳትን ካህናትን ኣብ ዘመሓላልፍዎ ኩሉ መልእኽታቶም ከም መሳፍንትን ሰበሥልጣንን ዘይኮነስ ናይ ማሕበረ ክርስትያኖም ታሕጓስን ሥቃይን እናተሳተፉ ሕያዎት ጓሶት ክኾኑ ዝምሕጸኑ። ቅዱስነቶም ከም ማሕበረ ክርስትያን ትሕት ክንብልን ሕዝቢ ዘይነበርና ሳላ ጸጋ እግዚአብሔር ሕዝበ እግዚአብሔር ክነከውን ከምዝበቃዕና ወትሩ ንዘክሮ ይብሉ።

  • 6.     ሓቀኛ እምነት ወትሩ ኣብ ፈተነ ከምእንህሉ ትገብር!

ቅዱስነቶም እምነት ጸጋ እግዚአብሔር ኮይኑ ንሕና ከኣ ብጸሎት ምስ ጐይታ ጥቡቅ ርክብ ብምግባርን ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ እናተመራሕና ዕለት ዕለት ብመንፈስ ክንሕደስን ኣብታ ንኩሉ እተሳትፍ ቤተክርስትያን ሕያው ኣእማን ኰና ብተግባር ክንምስክር እኳ እንተጸውዑ ከምቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ሊቃውንቲ ሕግን ዝበሃሉ መማህራን ወይልኹም ብምባል እናገንሐ ሓቀኛ እምነት እንተለዎም ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዝፍተን ክፍተን ከምዘለዎ ብምግላጽ ፊት ንፊት ዝገጥሞም ዝነበረ ቅዱስነቶም እውን ኣብ ቅልውላው ዘይእቱ እምነት እንተልዩና ዕለት ዕለት ዘይዓቢ እምነት እንተልዩን ጸገም ኣሎ ማለት ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት እምነት ክንሓትት ኣሎና። ዘይኲስኲስ እምነት ክዂስኰስ ኣለዎ። ክዓቢ ኣለዎ። ዘይንቀሳቀስን ዘይቅስቅስን እምነት ክነቃቃሕ ኣለዎ ይብሉ። ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ወልደ እግዚኣአብሔር ሰብ ይኸውን ይመውት ምእታና ይስቀል ካብ ሞት ከኣ ይትንስእ። እዚ ብሓቂ ዝቅስቅስ እዩ። ፈሪሳውያን ብዛዕባ እምነት ኣኽል ታርፍ ኣፍልጦ ነርዎም፣ ንኩሉ ከም ኣጻብዕቲ ኣእዳዎም ይፈልጥዎ ነሮም። ሓይሊ ሥልጣኖም እናዓቀቡ ከኣ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ነሮም። ብዛዕባ ጉዳይ እግዚኣአብሔር ከኣ ዕንክሊል ይብሉ ነሮም። ኢየሱስ ግን ነተን ንሱ ዝሓለፈን ኣሰሩ ክንክተል እምበር መንግድታትና ክንክተል ኣይኮነን ዝጽውዓና እንክብሉ ነቶም ንተልእኮኦም ከም ሥልጣን ዝጥቀሙ ደስ ዘይብል ዓይነት ተሪር ቋንቋ ይዛረቡ ኮይኑ ግን ኳሕኲሑ ዘነቃቅሕን ናብ ግብዝነት ንከይንወድቅን ዝጽውዕ እዩ።

  • 7.     ናይ ፍቅሪ ሥራህ ክንዮ ዝኾነ ነገር!

ካብ ትምህርቲ ቅዱስነቶም ከም ሻብዓይቲ ነጥቢ እትቀርብ እታ የማነይቲ ኢድ ቤተክርስትያን ዝኾነት ንእምነት ብግብሪ እትገልጽ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እያ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ትምህርቶም ከኣ መሠረታዊ ትርጉም ክርስትና ናይ ፍቅሪ ሥራሕ እዩ እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ ፍቅሪ ዘይብለይ እንተዀይነ ኩሉ ከንቱ እዩ ንዝብሎ የጋውሑ። ንመላእ ዓለምና ነቲ ዝዓበየ ሓቂ ወንጌል ብምስባኽ ክንናውጻ ንኽእል ሕይወትና ብምውፋይ ክሳብ ብሰማዕትነት እውን ክንገብሮ ንኽእል ርኹሳት መንፍስቲ እናሰጐጒና ድንቅን መስተንክርን ዝኾነ ነገራት ክንፍጽም ንኽእል ብዘይፍቅሪ ግን ኩሉ ብላሽ እዩ። እዚ ፍቅሪ እንብሎ ፍቅሪ ክርስትና ሓሳብ ጥራይ ኣይኮነን ስለዝኾነ ከኣ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ንብሎ። ግብሪ ዘይብሉ ዘረባን ፍቅርን ከንቱ ስለዝኾነ። ቅዱስነቶም ከኣ ደጋጊሞም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ምዝራብ ዓዲ ኣይወዓሉን። ነዚ ጭቡጥ ብዝኾነ መንገዲ ንምግላጽ ነቲ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ዘቅርቦ ፍርዲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 25 ዘሎ ‘ጠምየ ነረ ዝብላዕ ሂብኩምኒ፡ ጸሚኤ ዝስተ ሂብኩምኒ፡ ጋሻ ኰይነ መጺኤ ተቀቢልኩምኒ፡ ዓሪቀ ነረ ክዳን ሂብኩምኒ፡ ሓሚመ ነረ በጺሕኩምኒ፡ ተኣሲረ ነረ መጺእኩም ርኢኹምኒ’ ንዝብል ይጠቅሱ። እዚ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ድኻታት ስደተኛታትን ዝሳቀዩ ዘለው ወገናትን ዝገብርዎ ኣተኲሮ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቅድሚ ምቅራቦም ኣብ መንጎ ምእመናን ተዘዋዊሮም ሰላም እንክብሉስ ይኹን ኣብ መገሻታቶም ብግብሪ ኣርኢዮም እዮም። ብካልእ ኣዘራርባ ነታ ጐይታና ኢየሱስ ክመጻደቁ መኣስ ጠሚኻ ርኢናካ መኣስከ ተጸጊምካ ዘይረዳእናካ ምስ በልዎ ካብዞም ናኣሽቱ ንሓደ እኳ እንተገበርኩም ንዓይ ዝገበርኩምዎ ኢኹም ንዝብል ብምጥቃስ ኣብ ድኻታትን ስደተኛታትን ጽጉማትን ንክርስቶስ ርኢና ክንክእል ደጋጊሞም ይምሕጸኑ።

  • 8.     ናይ ዘወትር ቅድስናን ምሕረትን

ቅዱስነቶም ሢመተ መንበረ ጴጥሮስ ትቅብል ምስ ኣበሉ ኣጥቢቆም ዘስተምሃርዋ ብዛዕባ ዕብየት ምሕረት እግዚኣአብሔር እንክኸውን ብኡ ንብኡ ዝዓወጅዎ ዓመት ምሕረት ኢዮቤልውን ይዝከር። ምናዳ ኣብ ዘመነ ጾመአርባዓስ ይኹን ኣብ ካልእ ፍሉይ በዓላት ‘እዚ ግዜ እዚ ግዜ ምሕረት እዩ’ ትብል ሓረግ ብምሉእ ልቦም ዝደጋግሙዋ እዮም። ምሕረት እግዚአብሔር መወዳእታ የብሉን እዚ ግን እንተተቀቢልናዮ እዩ እምበር ነዚ ምሕረት እዚ እንተዘይተቀቢልና ቚጥዓ ኣምላኽ ኢና እንቅበል ይብሉ። ከመይ ፍቅሪ እግዚኣአብሔርን ምሕረት እግዚኣአብሔር ምንጻግ ገሀነመ እሳት እዩ። ከኣሊ ኩሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ጠጠው ዝብለሉ ነገር እንተልዩ ኣብ ቅድሚ ፍቃድ ወይ ድላይ ደቂሰባት እዩ ከመይ ሓራ ገሩ ስለፈጠረና ብዘይ ናትና እሺታ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ሓጢኣተኛታትን ብልሽዋትን ፍልልይ ብምግባር ደጋጊሞም ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና እሞ ንነሳሕ ምሕረት እግዚኣአብሔር ወሰን የብሉን ብልሽዋት ግን ብምንም ተኣምር ክንከውን የብልናን። ብሓጢኣት ተበላሽዩ ኣብኡ ዚቈማጣዕ ንምሕረት እግዚአብሔር ኣብዩ ቚጥዓ ኣምላኽ ዝምህለል እዩ። እዞም ብልሽዋት ዝበሃሉ ከመይ እዩ ጠባዮም ንዝብል ክምልሹ ቅዱስነቶም ኣጽድቆ ርእስ ዘጥቅዖም ኩነቱ ክርእዩ ዘይክእሉ ምሕረት እግዚኣአብሔር ዝሕሰሙ ይብልዎ፣ እንተ እቶም ጻድቃን ንመለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ኣብ ድኻሞም ብትሕትና ዝቅበሉ ንርእሶም ኮይኖም ከኣ ንካልኦት ዘካፍሉ እዮም። ርግጽ ሓጢኣተኛታት እዮም ግን ብቀጻሊ በታ ብነጻ ብፍቅሪ እግዚአብሔር እትዕደል ምሕረት እግዚአብሔር ብምሕታት ይነጽሑ እዚ ከኣ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም ሓይሊ ይህቦም ንካልኦት ብርሃን ክኾኑ ከኣ ኣብቲ ዕለት ዕለት ብሱቕታ ዘሕልፍዎ ቅድስና ሕይወት ይረድኦም።

  • 9.     ክርስትያን ኣብ ዓለም ይነብር ናይ ዓለም ግን ኣይኮኑን

ምስክርነት ክርስትያን ኣብዚ ዓለም ከም ብርሃንን ጨውን ኮይኑ ዘብርህን መቀረት ዝህብን እምበር ናይዚ ዓለምዚ ከምዘይኮነ ከምቲ ጐይታ ነርድእቱ ዝበሎ ቅዱስነቶም እውን ክርስትያን ሰማይ ሰማይ እናጠመተ ኣብዚ ዓለምዚ ዘገልግል እዩ ይብሉ። እታ መንግሥትኻ ትብጻእ ትብል ዕለት ዕለት ዝደግማ ጸሎት ከኣ ኣብዚ ዓለምዚ እታ መንግሥቲ ፍቅሪ ዝኾነት መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንምህናጽ ይቃለስ። ክርስትያንከስ ይብሉ ቅዱስነቶም ክርስትያን ማለትከስ ኣብ ወገኑን ደቂ እምነቱን ጥራይ ተዓጽዩ ዝተርፍ ዘይኮነስ ናይ ሰላም ማሕበረሰብ ንምህናጽ እታ ትከኣሎ ጸጸሩ ሑዙ ስለ ሰላም ስለፍትሒ ስለሕውነት ዝቃልሰስን ዝሃንጽን እዩ ምስ በሉ ንኩሉ ተጻይ እዚ ንዝግበር ኢፍትሓውነት ውግእን ተነጽሎን ብሓይሊ ይነቅፉን ይውግዙን። ስለ ነጻነት ሕልናን እምነትን ስለ ነጻነት ሕይወት ስለ ሥድራቤት ስለትምህርቲ ይማጐቱ። ካብዚ ሓሊፎም እውን ብዛዕባ ተፈጥሮን ከባብን ሓዋርያዊ መልእኽቲ ብምጽሓፎም ዓቢ ኣድናቆት ዘትረፉ ናይ ልምዓት ጳጳስ ተባሂሎም እውን ዝተሰምዩ እዮም። ናብ ክርስትያን ዘቅረብዎ ጻውዒት ከኣ ክርስትያን ነዛ እንነብረላ ዓለም ኣጋይሻ ከምዘይኮናን ብክርስትያናዊ መንገዲ ኣብዚ ዓለም ኣብርክቶ ክገብሩ እዩ።

  • 10.    ሓገዝ እኖና ድንግል ማርያምን ተጻይ ዲያብሎስ ዚግበር ቃልስን!

ቅዱስነቶም ነቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ጸላኤ ሠናያት ብስሙ ዲያብሎስ ሰይጣን ኢሎም ደጋጊሞም እንኪዛረቡ ነቲ ግሉጽን ሥውርን ሥራሑ እውን ይገልጹ። ካብተን ቀንዲ ዘመናውያን ፈተናታት ዲያብሎስ ሓንቲ ‘ሰይጣን ዝበሃል የሎን! ናይ ቀደም ሰባት ሓሳብ እዩ’ ዝብል ሽሕጣን ኮይኑ ቅዱስነቶም ግን ተጻይ ናይ ውሽጥን ደገን ተሓባበርቲ ዲያብሎስ ‘ሰይጣን ኣብ መበል 21 ዘመን ኣሎ፡ ክፍኣቱ ግብሩ ከኣ ኣይገደፈን’ እንክብሉ ኩሉ ጽልእን ውግእን ክፍኣትን ንሱ ዝዘርኦ ምዃኑ ይገልጹ። ነዚ እንክብሉ ከኣ ሓላፍነት ደቂሰባት ከውሕዱ ዘይኮነ ደቂሰባት ብድላዮም ነቲ ፈተናታት ናቱ ሃንጐፋይ ኢሎም ስለዝቅበሎ ነታ ካብ ቀደም ዝቃለሰላ ዝነበረ ንሰባት ካብ እግዚኣአብሔር ንምፍላይ ከምኡ እውን ካብ ኣሕዋት ንምፍላይን ሕዝብታትን ማሕበራትን ቤተክርስትያንን ሥድራቤታትን ከይተረፈ ንምብትታን ለይትን መዓልትን ከምዝሰርሕ ገሊጾም ከምቲ ጐይታ ዝበለኦ ሓሳዊ ኣቦኣ ንሓሶት ስለዝኾነ ይኸስስ ጸላኢ ስለዝኾነ ከኣ ይቀትል ኢሎም። ኣብዚ ኩልና ክነቅሕ ካብ ፈተናኡ ክንርሕቅ ረድኤት እኖና ድንግል ማርያም ክንሓትት ከምዘድልየና ምምሃር ጥራይ ዘይኮነ ንባዕሎም ዝኾነ ሓዋርያዊ ጒዕዞ ቅድሚ ምግባሮም ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ሮማ እትርከብ ብጥዕና ሕዝቢ ሮማ እትፍለጥ ኣብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጆረ ከይዶም ከምዝምሕጸኑን ጉዕዞኦም ፈጺሞም ምስ ተመልሱ እውን ብቀጥታ ናብኣ ብምኻድ ውሉዳዊ ምስጋና ከምዝቀቅርቡ ኣብ ዘቅርብዎ ጉባኤ ኣስተምህሮ መልኣከ እግዚኣአብሔር ወትሩ ሓገዛ ከምዝሓቱን ምእመናን እውን ሓገዛ ክሓቱ ጸሎተ መቊጸርያ ከዘውትሩ ኣብነታ ክኽተሉ ወትሩ ምስተማሕጸኑ እዮም። ንቤተክርስትያን ካብ መጥቃዕቲ ሠይጣን ምእንቲ ክከላኸለላ ናብ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ንዚዓርግ ጸሎት ኩሎም ክጽልዩ እውን ይዕድሙ። ሓይሊ ጸሎት ስለዝፈልጡን ስለዘስተማቀሩን ከኣ ከይተሓለለዩ ኣብ ፍጻሜ ኩሉ ስብከታቶምን ኣስተምህሮታቶምን በጃኻትኩም ምእንታይ ጸሎት ግበሩ ዳርጋ ፍልጥቲ መዕጸዊት ዘረባኦም እያ።  

ብድምጺ ንምክትታል!
13 Mar 2023, 12:31