ቤተ ክርስቲያን ገዛ ውሱናት ሰባት ዘይኮነ ናይ ኩልና ቤት እያ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ኣቀዲሞም ብዝተቋጸርዎ መሠረት ቃለ መሕትት ንክገብሮም ወኪል ሬድዮን ቴሌቪዥንን ስዊስ ኢጣልያ ብዛዕባ እቲ ከም ሓንቲ ዕለት ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትነቶም ንምውሳእ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ መንበሪኦም ማለት ሕንጻ ቅድስት ማርታ ቤቶም ኣርሒዎም ተቀበልዎ። ትሕዝቶ ናይዚ ቃለመሕትት ንዝመጽእ ሰንበት 12 መጋቢት ምሸት ኣብ www.rsi.ch ዝብል ኣገልግሎት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ስዊስ ኢጣልያ ክመሓላለፍ ተዳልዩ ኣሎ። ኣብዚ ቃለ መሕትት እዚ እቲ ንብዙሓት ብውጥምና ወጢሩ ሒዞ ዘሎ ሕቶ ሥልጣን ሕጽር ብዝበለ ቅዱስነቶም ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ከምዘይሓስቡ እኳ እንተገለጹ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ከም ሰብ መጠን ምናልባት ነዚ ንኽገብሩ እንተተገዲዶም ቀንዲ ዝድርኾም ምኽንያታት እንታይ ምዃኑ ንምግላጽ፡ "ንነገራት ብንጹር ክትሪኦም ዘየኽእል ድኻም ምስ ዘጋጥም፣ ኩነታት ከመይ ጌርካ ከም እትግምግም ንምፍላጥ ንጹርነት ምስ ዘይህሉ፡" ምዃኑ ኣውኪኦም። ኣብ መነባብሮኦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ቡኤኖስ ኣየርስ ዝነበሩሉ እዋን ኣዝዮም ዝናፍቅዎ ነገር እውን ይዛረቡ። እዙይ ድማ “ነጻ ኰንካ ምጉዓዝ፣ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ዘወን ምባል” ከምዝነበረ ብናፍቆት ይዝክሩ። እንቲ እቲ ኣብ ሮማ ዘሕለፍዎ ዓሠርተ ዓመታት እውን እንተኾነ፣ “ኣብዛ ፍልይቲ ከተማ፣ ዋላ’ውን ጭንቀት እንተዘይሰኣነ፣ ጽቡቕ ኣሎኹ’ እንክብሉ ብዕግበት ገሊጾም። ካብቲ ጭንቀታት ሓደ ኲናት ምዃኑ ንምግላጽ ከኣ “ኣብ ኲናት ዓለም ኢና ዘለና። በብቑንጣሮ እዩ ጀሚሩ ሕጂ ድማ ብዓለም ደረጃ ኣይኮነን ክብል ዝኽእል የለን። ምኽንያቱ ዓበይቲ ሓይልታት ኩሎም ተሓዋዊሶም ኣለዉ። ዓውደ ውግእ ድማ ዩክሬን ኮይና ኣላ። ኩሉ ሰብ ኣብኡ እዩ ዝዋጋእ ዘሎ” ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ‘ፕረሲደንት ሃገረ ሩስያ ፑቲን ክረኽቦ ከም ዝደሊ ይፈልጥ እዩ፣ እንተኾነ ኣብኡ ናይ ግዝኣታዊ ረብሓታት ኣሎ፣ እዚ ግዝኣታዊ ረብሓታት ግን ናይ ግዝኣት ሩስያ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካልእ ቦታታት ግዝኣታት ኣሎ” ኢሎም። እቲ ቃለ ምልልስ ብሓጺሩ ከምዚ ዝስዕብ ተኻዪዱ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብዚ ዓሰርተ ዓመት ክሳይ ክንደይ ተቐይርኩም፧
ኣነ ኣሪገ እየ። ኣካላዊ ጽንዓት ይውሕደኒ፣ እቲ ናይ ብርኪ መጉዳእቲ፣ ዋላ እኳ ሕጂ ጽቡቕ ጌሩ ይሓዊ እንተሎ ኣካላዊ ውርደት እዩ ነይሩ።
ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ምዝዋር ድዩ ዝኸበደኩም፧
ኣብ መጀመርያ ቁሩብ የሕፍረኒ ነሩ።
ብዙሓት ር.ሊ.ጳ. ናይቶም ዝተሓቱ ቢሎም ይገልጹኹም! ከምኡዶ ይስምዓኩም፧
ሓቂ እዩ ናይቶም ዝተሓቱ ክፍሊ ሕብረተሰብና ምርጫ ኣለኒ፡ ንኻልኦት እርስዖም እየ ማለት ግን ኣይኮነን። ድኻታት ኢየሱስ ዝፈትዎም እዮም። ኢየሱስ ግና ንሃብታማት ኣይሰጎምን እዩ።
ኢየሱስ ኩሉ ሰብ ኣብ መኣዱ ክሳተፍ ይዕድም። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧
ዝግለል ሰብ የለን ማለት እዩ። እቶም ዕዱማት ናብቲ ዕድመ ምስ ዘይመጹ ግና፡ ናብቲ ቀንዲ ጐዳናታት ጽርግያታት ኣቲኻ ንዝረኸብካዮ፡ ዝሓመመስ ይኹን ጥዑይ፡ ንጽቡቕን ሕማቕን፡ ንንእሽቶን ዓበይትን፡ ንሃብታምን ድኻን፡ ንኩሉ ሰብ ናብቲ ድግስ ዓድሞም ይብል። እዚ ክንርስዖ የብልናን፡ ቤተ ክርስቲያን ገዛ ውሱናት ሰባት ኣይኮነትን፡ መማረጺት ኣይኮነትን፣ ቅዱሳን እሙናት ህዝቢ እግዚኣብሔር እንብሎምከስ ኩሉ ሰባት እዮም።
ስለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ብሰንኪ ኣብ ህይወት ዘለዎም ኩነታት ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝተገለሉ ኮይኑ ዝስምዖም፧
ሓጢኣት ኩሉ ግዜ ኣሎ። ቁሩብ ናይ ዓለም ከንቱነት እውን ኣይሰኣንን፣ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ጻድቅ ኮይኑ ይስምዓካ፣ ግን እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኩላትና ሓጥኣን ኢና። ኣብ ሰዓት ሓቂ ነቲ ሓቅኻ ኣብ መኣዲ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኣቐምጦ እሞ ሽዑ ሓጥእ ምዃንካ ክትዕዘብ ኢኻ።
ሰዓት ሓቂ፡ ማለት ድሕሪ ሞት ዘሎ ሕይወት ብከመይ ትገልጽዎ፧
ኣነ ክግምቶ ኣይክእልን እየ። እንታይ ከም ዝኸውን ኣይፈልጥን። ንእመቤትና ድንግል ማርያም ምሳይ ክትህሉ ጥራይ እየ ዝምሕጸን።
ስለምንታይ ኢኹም ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ቅድስት ማርታ ክትነብሩ መሪጽኩም፧
ር.ሊ.ጳ ምስ ተመርጽኩ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ናብ ሓዋርያዊ ኣደራሽ ማለት መንበሪ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ክነብር ከይደ። ክንድቲ ምቾት ዝመልኦ ኣይኮነን። ጽቡቕ ጌሩ ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። እቲ ዝነበረኒ ስምዒት ከም ዝተገልበጠ ስግርፍኦ እዩ ኮይኑ ነይሩ። ስነ-ልቦናይ ከምዚ ዚኣመሰለ ክጻወሮ ኣይክእልን እየ። ብኣጋጣሚ ነታ ኣብ ቅድስት ማርታ ዝቀነኹላ ክፍሊ ተመሊሰ ርእየያ። ኣነ ድማ: 'ኣብዚ እየ ዝጸንሕ' በልክዎም። መሕደር ኣጋይሽ እዩ፣ ኣብ ኩርያ ሮማና ዝሰርሑ ኣርብዓ ዝኾኑ ሰባት ኣባኡ ይነብሩ። እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ዝመጹ እዮም።
ካብቲ ዝሓለፈ ህይወትኩም ዝነበርኩምሉ እትናፍቅዎ ነገር ይህሉዶ፧
ብእግሪ ምጉዓዝ፡ ኣብ ጐዳናታት ዘወን ምባል እናፍቅ። ቀደም ብዙሕ እየ ዝጐዓዝ ነይረ። ትሕቲ መሬት ብዝጐዓዝ ባቡርስ ይኹን ብህዝባዊ ኣውቶቡስ፡ ኩሉ ግዜ ምስ ሰባት እጐዓዝ ነይረ።
ብዛዕባ ኣህጉር ኤውሮጳ እንታይ ትብሉ፧
ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዙሓት ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ መንግስቲ ወይ መንእሰያት ሚኒስተራት ኣለዉዋ። ኩሉ ግዜ ዝብሎም ከኣ ነንሕድሕዶም ክዘራረቡ እዩ። ምናልባት እታ ሓንቲ ካብ ጸጋም ትኸውን፡ ንስኻ ኸኣ ካብ የማን ተኸውን፡ እንተኾነ ክልቴኹም መንእሰያት ኢኹም: ተዘራረቡ እብሎም። ዘመንና ኣብ መንጎ መንእሰያት ዘተ ዝካየደሉ ዘመን እዩ።
እቲ ካብ ኣጽናፍ ዓለም ማለት ወሰን ምድሪ ዝመጸ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንታይ ሓዲስ ነገር ኣምጺኦም፧
ኣርጀንቲናዊት ፈላስፋ ኣሜልያ ፖደቲ ክውንነት ካብ ማእከል ንላዕሊ ካብ ጫፍ ይርአ ቢላ ዝጸሓፈቶ ነገር ይዝከረኒ። ሓደ ሰብ ኣድማሳውነት ካብ ርሑቕ እዩ ዝርድኦ። እዚ ከኣ ማሕበራውን፡ ፍልስፍናውን ፖለቲካውን መትከል እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘመነ ውሸባ ኮቪድ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘዕረግኩምዎ ብሕታዊ ጸሎትኩም እንታይ ትዝክሩ፧
ዝናብ ይዘንብ ስለ ዝነበረ ሰብ ኣይነበረን። ጎይታ ኣብኡ ዘሎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ጐይታ ነቲ ትራጀዲ፡ ጽምዋ፡ ጸልማት፡ መዓት ክንርዳእ ዝደለየ ኩነት እዩ ነይሩ።
ሎሚ ኣብ ዓለምና ሓያሎ ውግኣት ኣለዉ። ድራማዊ ሳዕቤን ናይዚ ንምርዳእ ዘጸግምና ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ዓለምና ኣብ ውሽጢ ቁሩብ ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ዝኾነ ግዜ ሰለስተ ውግኣት ዓለም ተኻይዱ፡ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ'14-18፡ 2ይ ካብ'39-45፡ እቲ ሳልሳይ ድማ እዚ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና ውግእ ዓለም ተኻዪዶም። በብቁንጣሮ እዩ ጀሚሩ ሕጂ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣይኮነን ክብል ዝኽእል የለን። ዓበይቲ ሓይልታት ኩሎም ኣብኡ ተታሒዞም ኣለዉ። ዓውደ ውግእ ከአ ሃገረ ዩክሬን ኮይና ኣላ። ኩሉ ሰብ ኣብኡ ይዋጋእ ኣሎ። እዚ ድማ ብቀጥታ ንኢንዱስትሪ ኣጽዋር ውግእ ኣብ ኣእምሮና ከምዝቅጀል ይገብር። ሓደ ክኢላ ከምዚ ኢሉኒ: ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣጽዋር እንተዘይተፈሪዩ ጸገም ጥምየት ዓለም ምተፈትሐ። ስለዚ ዕዳጋ እዩ። ንዕዳጋ ኣጽዋር ውግኣት ይግበር፡ ኣረጊት ኣጽዋር ይሽየጥ፡ ሓድሽ ከኣ ይፍተን።
ቅድሚ እቲ ኣብ ዩክሬን ዝተወለዔ ግጭት፣ ምስ ፑቲን ብዙሕ ግዜ ተራኺብኩም ነርኩም። ሎሚ እንተትረኽብዎ እንታይ ኮን ምበልክምዎ፧
ከምቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝዛረቦ ብንጹር ምተዛረብኩዎ። ዝተማህረ ሰብ እዩ። ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ኲናት ፑቲን ንኽዘራረብ መስኮት እንተሂቡኒ ናብ ሞስኮ ክኸይድ ፍቓደኛ እየ ክብል ናብቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ከይደ ነይረ። ላቭሮቭ የቐንየለይ ኢሉ ጽሒፉለይ ሕጂ ግን እቲ ግዜ ኣይኮነን ኢሉኒ። ፑቲን ኣነ ድሉው ምዃነይ ይፈልጥ እዩ። ኣብኡ ግን ግዝኣታዊ ረብሓታት ኣሎ፡ ናይ ግዝኣት ሩስያ ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ናይ ካልእ ቦታታት ግዝኣታዊ ረብሓታት እውን ኣሎ። ንሕዝቢ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምቕማጥ ከኣ ናይቲ ግዝኣታዊ ረብሓታት ልማድ እዩ።
ክንዮ ናይ ዪክረይን ኣየኖት ካልኦት ውግኣት ብቀረባ ይሓቅዩኹም፧
ግጭት የመን፣ ሶርያ፣ ድኻታት ሮሂንጋ ኣብ ሚያንማር። ስለምንታይ እዩ እዚ መከራ? ውግኣት ይጎድኡ የዕንው። ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ የለን። ኣነ ቅዱስ ውግኣት ንዝብልዎም ኣይኣምንን እየ።
ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሕሜታ ትዛረቡ። ስለምንታይ ኮን ይኸውን፧
ሕሜታ ንሓባራዊ ምንባር የጥፍእ፣ ንስድራቤት የዕኑ። ሥውር ሕማም እዩ። ኣዕናዊ መዓት እዩ።
ነፍሰኄር ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ገዳም ማተር ኤክለዝያ ዘሕለፍዎ ዓሰርተ ዓመት ከመይ ነይሩ፧
ብጣዕሚ ፅቡቅ ነበረ። ናይ ኣምላኽ ሰብ እዮም፤ ኣዝየ እየ ዘፍቅሮም። ንመወዳእታ ግዜ ዝረኣኹዎም ኣብ በዓል ልደት ነበረ። ዳርጋ ክዛረቡ ኣይከኣሉን። ብኣዝዩ ትሑት ድምጺ ተዛረቦምኒ። ቃላቱቶም “ክትርጐም” ነይርዎ። ንሶም በዓል ንጹር ኣእምሮ እዮም ዝነበሩ። ሕቶታት ይሓቱ ነይሮም። እዚ ከመይ ይኸይድ ኣሎ? እቲ ሓደ ጸገምከ፧ እናበሉ ይሓቱ ነሮም። ኣብ ኩሉ ጒዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ነርዎም። ምስኡ ምዝርራብ ባህ ዘብል እዩ ነይሩ። ርእይቶኦም ምስሓተትኩ፣ ንዝሓሰብዎ ኩሉ ይነግሩኒ ነበሩ፣ ኩሉ ግዜ ሚዛናዊ፣ ኣወንታዊ፣ ለባም ሰብ እዮም ነይሮም። ኣብታ ናይ መወዳእታ ርክብና ግን መወዳእታኦም ከም ዝቐረበ ክርኢ ክኢለ።
እቲ ፈጸምክምዎ ሥራዓት ቀብሪ ልቦና ዝመልኦ እዩ ነይሩ። ንምንታይኮን ይኸውን፧
ኣብ ሥልጣን ናይ ዘየለው ልሂቅ ር.ሊ.ጳ ሥርዓት ቀብሪ ምምዳብ ንመምህራን ሓዋርያዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ በዳሂ እዩ ነይሩ። ለውጢ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ንብድሕሪ ሕጂ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ መጻኢ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ናይ ኩሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከጽንዑ ነጊረዮም ኣለኹ። የጽንዑ ኣለው፣ ከምኡ ውን ንነገራት ቁሩብ የቃልልዎ ኣለዉ፣ ብስርዓተ ኣምልኾ ቅኑዓት ንዘይኮኑ ነገራት የወግዱ ኣለዉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ንኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍቃዶም ካብ ስልጣኖም ናይ ምውራድ ኣፍደገ ከፊቶም። እንተ ንስኹም ተኽእሎ ኣሎ ቢልኩም ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዘይትሓስብዎ ገሊጽኩም ነበርኩም። እንተኾነ ኣብ መጻኢ ካብ ስልጣን ብፍቃድኩም ክትወርዱ ዝመርሑኽም እንታይ እዩ ትብሉ፧
ንነገራት ብንጹር ክትሪኦም ዘየኽእል ድኻም፣ ኩነታት ከመይ ጌርካ ከም እትግምግም ንምፍላጥ ንጹርነት ዘይምህላው፡ ምናልባት ኣካላዊ ጸገም እውን ምስ ዘጋጥም፣ እናበልኩ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ እዚ እሓትትን ምኽሪ እሰምዕን እየ። ነገራት ከመይ ይኸዱ ኣለዉ? ክገብሮ ይግባእ ዶ ይመስለኩም.. ወዘተ እናበልኩ ነቶም ዝፈልጡኒን ንገለ በላሕቲ ካርዲናላትን ከይተረፈ እሓትት። ሓቂ ድማ ይነግሩኒ: ቀጽሉ ጽቡቕ እዩ እንተኾነ ግን በጃኹም: ኩነታት ምስ በጽሑ ብእዋኑ ድምጽኹም ኣስምዑ ይብሉኒ።
ንሰባት ሰላም ክትብልዎም ከሎኹምኻ ኩሉ ግዜ ክጽልዩልኩም ትምሕጸኑ፣ ስለምንታይ ኮን ይኸውን፧
ኩሉ ሰብ ስለይ ከም ዝጽሊ ርግጸኛ እየ። ነቶም ዘይኣመንቲ ድማ: ጸልዩለይ እንተ ዘይጸሊኹም ድማ ጽቡቕ ምንዮትን ሃውህውን ስደዱለይ እብሎም። ሓደ ብኣምላኽ ዘይኣምን ዓርከይ ከምዚ ኢሉ ይጽሕፈለይ: ... ጽቡቕ ምንዮተይ እሰደልካ ኢሉኒ። ኣረማዊ ኣገባብ ጸሎት እኳ እንተኾነ ፍቕራዊ መንገዲ እዩ። ንሓደ ሰብ ምፍቃር ድማ ጸሎት እዩ።