ድለ

World Water Day in Abidjan World Water Day in Abidjan  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማይ፥ ማይ ንውግእን ንዓመጽን ምብኻንን ኣይፋል!

እቲ ካብ ዕለት 22 መጋቢት ዝጅምር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብዛዕባ ማይ ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ “ዕዉት ክኸውን እጽሊ፡ እቲ ኣገዳሲ ፍጻሜ ድማ ነቶም ብሕጽረት ማይ ዝሳቐዩ ተበግሶታት ከቀላጥፍ ተስፋ እገብር”

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ክርስቶስ፥ ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማይ ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ማይ ፈጺሙ ክባኽን መሰረት ዓመጽን ውግእን ኮይኑ ከገልግል ዘይብሉ ቀዳማይ መሰረታዊ ኣድላዪ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 መጋቢት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሃብቲ ማያት ከም ዝኾነን ነዚ ቀዳማይ መሰረታዊ ድሌት ዘኽብር ንቕሓትን ናይቶም ጽሩይ ማይ ከይረኸቡ ዝነብሩ 2 ሚሊዮን ሰባት ናይዚ ሃብቲ ተጠቐምቲ ናይ ምዃን መሰሎም ውሑስ ንምግባር ዝግበር ጻዕሪ ዘደንፍዕን ዓለም ኵላዊ መዓልቲ እዩ።

ቅዱስነቶ ነዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ “ማይ ንረብሓና ንመጻኢ ወለዶታትን ክዕቀብ እምበር ንውግእ መበገሲ ክኸውን የብሉን” ቢሎም፥ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ መዝሙር ፍጥረት ኣብ ዝብል መንፈሳዊ ድረስቱ፥ “ስብሓት ንዓኻን ጐይታ! ስለ ማይ ሓብቲ ኣዝያ ጠቓሚትን ትሕትን ክብርትን ንጽህትን እውድሰካ” ዝበል ጸሎቱ ጠቒሶም ኣብዘን ቃላት እዚኣተን፥ “ጽባቔ ፍጥረትን ኣብ ምሕብሓቡ ዘጋጥም ብድሆታት ንቕሓት ይስምዓና” ምስ በሉ ኣብዚ ቅንያት ዛዕባ ሃብቲ ማይ ዝመክር ካልኣይ ዓውደ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒው ዮርክ ይካየድ ከምዘሎ  ዘኪሮም፥ እቲ ካብ ዕለት 22 መጋቢት ዝጅምር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብዛዕባ ማይ ዝመክር ዓውደ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፥ “ዕዉት ክኸውን እጽሊ፡ እቲ ኣገዳሲ ፍጻሜ ድማ ነቶም ብሕጽረት ማይ ዝሳቐዩ ተበግሶታት ከቀላጥፍ ተስፋ እገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 March 2023, 15:40