ድለ

2023.03.20 ር.ሊ.ጳ.፥ ንሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ ኢጣሊያ፥ ብናይ ወንጌል ሓሴት ምምራኽ 2023.03.20 ር.ሊ.ጳ.፥ ንሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ ኢጣሊያ፥ ብናይ ወንጌል ሓሴት ምምራኽ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ንሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ ኢጣሊያ፥ ብናይ ወንጌል ሓሴት ምምራኽ

“ኣብዚ ግጭትን ጸልማትን ህልው ኩነታት ዓለም ገርሀይናን ንጹሕን ሓጐስ ከስተማቕሩ ክድግፍ ከም ዝኽእል . . .

ዕለት 20 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ ኢጣሊያ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን፥ ቅዱስነቶም ኣብቲ ወንጌል ንኹሉ ዘምጽኦ ዘይተሓላለኸ ንጹህን ሕጐስን ቃል ብስራት ክዋስኡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ ኢጣሊያ ኣብ ዘስሞዎ መደረ፥ መስሕባት ተሰከምቲ ክቡር ዋጋ ሓጐስን መልእኽቲ ወንጌልን ኮይኖም ነዚ ክቡር ዋጋ እዚ ኣብ ምስፋሕ ውፉያት ክኾኑ ተላብዮም፡ ነቲ ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ተጓዓዝያን መስሕብ ንምትብባዕን ናብ ኢጣሊያ ዝግበር መስሕባዊ ጉዕዞ ማራኺ ክኸውንን ዝዓይን ዘላልን ሃገራዊ ሕብረት ተጓዓዝቲ መስሕብ፥

ብመስሕብ ናይ ወንጌል ሓሴት ምብሳር

ናይ “ወንጌል ሓሴት” ሓዋርያዊ ምዕዳን መሰረት ገይሮም ድማ፥ “ናይ ወንጌል ሓሴት ንልብን ምሉእ ህይወትን ናይቶም ምስ ኢየሱስ ዝራኸቡ ይመልእ” ቢሎም፡ ናይ ወንጌል ሓሴት ብምእዋጅ ንሰባት ዝማርክ ክኸውንን ኣብ ዝሓልፍወን መስሕባትን ከተማታትን ዓድታትን ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብዚ መዳይ መስሕብ ንዘገልግሉ ኣብ ስርሖም እናሰነየት “ሓሴት ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ” ናብ ኩሉ ክበጽሕ ትገብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርክብን በዓልን

መስሕብ በጻሕቲ ንምትብባዕ ክሕግዙ ዝኽእሉ ናይ ንጹሕ ሓሴት ህሞታት ፈጠራን ምናነን ክሰፍሕ ዝሕግዝ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፥ ንህጻናትን ዓበይትን “ኣብዚ ግጭትን ጸልማትን ህልው ኩነታት ዓለም ገርሀይናን ንጹሕን ሓጐስ ከስተማቕሩ ክድግፍ ከም ዝኽእል ገሊጾም፥ ህዝብታት ክራኸቡን ብሓባር ከብዕሉን ክጓዓዙን ብምግባር እውን ሕውነት የስፍሕ፡ ስለዚህ ዘራኽብን በዓልን እዩ እንክብሉ ንተን ማሕበራት መስሕብ ኣብ ዕዮታተን ክብርትዓ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

21 March 2023, 16:04