ቤተክርስትያን ንገዛእ ርእሳ እንተዘይሰቢኻ ክፍሊ ቤተመዘክር ኮይና እያ እትተርፍ! ር.ሊ.ጳ
ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!
ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖና ነቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ብዕለት 8 ታሕሳስ 1975 ዓም ዝጸሓፍዎ ንዘሎናዮ ዘመን ዝኸውን ዓቢ መምርሒ ስብከተ ወንጌል ኢቫንጀሊ ኑንስያንዲ እትብል ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳኖም ክንምልከት ኢና። ኣዝያ እዋናዊት እያ፡ ሽሕ’ኳ ብ1975 ዝተጻሕፈት እንተኾነት ካን ከም ትማሊ ዝተጻሕፈት እያ ትመስል። ስብከተ ወንጌል ካብ ዝኾነ ትምህርታውን ሞራላውን ምትሕልላፍ ንላዕሊ እዩ። ቅድሚ ዝኣገረ ምስክርነት እዩ። ብዘይ ምስክርነት ወንጌል ፈጺምካ ክሰብኽ ኣይክእልን እዩ፤ እዚ ምስክርነት እዚ ምስክርነት ምስቲ ድሕነት ዝፈጸመ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ብግልኻ ምርኻብ እዩ። መተካእታ ዘይብሉ ምስክርነት እዩ፣ ምኽንያቱ ከምቲ ሓዋርያዊት ቃለ ምዕዳን እተመልክቶ ሎሚ ዓለምና ልዕሊ ዝኾነ ጒዳይ "ብዛዕባ እቲ ዝፈልጥዎን ምሳኦም ርክብ ዘለዎን ኣምላኽ ዝዛረቡ ሰባክያነ ወንጌል" (EN, 76) የድልይዋ ኣለው። እዚ ስብከተ ወንጌል እዚ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝምልከት ስነ-ሓሳብ ወይውን ዓንቀጸ እምነት ምትሕልላፍ ኣይኮነን፣ ከማኡ ኣይኮንነን። ኣባይ ሕያው ዝኸውን ኣምላኽ ምትሕልላፍ እዩ ዘድሊ: እዚ ከኣ ምስክርነት እዩ፤ ከምኡ'ውን "ናይ ዘመንና ሰብ ካብ መምህራን ንላዕሊ ንመሰኻኽር እዩ ብፍቓዱ ዝሰምዕ፡ [...] ወይውን ንመምህራን ጽን ቢሉ ዝሰምዖም መሰኻኽር ስለ ዝኾኑ እዩ" (EN, 41)። እምበኣር ምስክር ክርስቶስ ምዃን ማዕረ ማዕረኡ ቀዳማይ መጋበሪ ስብከተ ወንጌል ምዃን ስለዝኾነ ምስክርነት ንኣድማዕነት ስበከተወንጌል እውን ኣገዳሲ ቅድመ ኩነት እዩ (EN, 76) ፣ ስብከተ ወንጌል ፍረ ንኽህልዎኸስ መጀመርያ መሰኻኽር ኩኑ።
ምስክርነት እንክንብል ነታ እኣምን እናበልካ ብቃልካ እትገልጻ እምነት ስለእተመልክት ነቲ ብፍቕሪ ዝፈጠረናን ዝተበጀወናን እግዚኣብሔር ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እተቅርቦ ልባዊ ምትእምማን ብግሁድን ብጽንዓትን ክኸውን ኣለዎ። እዚ እምነት እዚ ንዓና ዝቕይረና፣ ንዝምድናታትና ዝቕይር፣ ንምርጫታትና ዝውስኑ መዐቀኒታትን ክብርታትን ዝልውጥ ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ ምስክርነት ኣብ መንጎ ሓደ ሰብ ዝኣምነሉን ዝሰብኮን ዝነብረሉን ዘሎ ምትእስሳር ስለዝኾነ ብምንም ተኣምር ሸለል ክንብሎ ዘየከኣል ጉዳይ እዩ። ዓንቀጸ እምነት ወይውን ስነ-ሓሳብ ብምባል ጥራይ ዝእመን ጉዳይ የለን፣ እዚ ክኸውን ኣይክልን። ሓደ ሰብ ኣብ መንጎ እቲ ዝኣምነሉን ዝነብረሉን ስኒት እንተኣርእዩ ጥራይ እዩ ተኣማንነት ዝህልዎ። ብዙሓት ክርስትያን ከም ዝኣምኑ ጥራይ እዮም ዝዛረቡ፡ እንተኾነ ግን ብሓቂ ከም ዘይኣምኑ ዘመልክት ናብራ ሕይወት ይነብሩ። እዚ ድማ ምስሉይነት እዩ። ኣንጻር ምስክርነትከስ ምስሉይነት እዩ። ክንደይ ግዜ ኮን ይኸውን ‘ኣብየት! እዚ ሰብ እዚ እሞ ረኣይዎ! ሰንበት ሰንበት ናብ ቅዳሴ ይኸይድ፡ እንተኾነ ደሓር ከምዝን፡ ከምዝን፡ ይገብር’ ዝብሉ ዘይሰማዕና፣ እዚ ሓቂ እዩ፡ ምስሉይነት ጸረ ምስክርነት እዩ።
ነፍሲ ወከፍና ከምቲ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝሓንጸጽዎ ሰለስተ መሰረታውያን ሕቶታት ክንምልስ ንጽዋዕ ኣሎና፣ “ነቲ እትሰብኮ ብሓቅዶ ትኣምኖ፧ ከምቲ እትኣምኖዶኸ ትነብር፧ እንታይ ትነብሮ ዲኻ ትእውጅ?” ስኒት ክህሉ ኣለዎ፡ ነቲ እትሰብኮ ትኣምኖዶ! ነቲ እትሰብኮኸ ብሕይወትዶ ትነብሮ! ነቲ ብሕይወት እትነብሮዶ ትሰብኽ! ብቐሊልን ኣቐዲሙ ዝተሰንዔን መልስታት ክንዓግብ ኣይንኽእልን ኢና። በቲ ኪኖ ዶባትና: ኪኖ መሰናኽላትን: ኪኖ ድሩትነትናን: ክንከይድ እናደፋፍአ ኣብ ሕይውት ነፍሲ ወከፍና ዝሰርሕ መንፈስ ቅዱስ ምሉእ ብምሉእ ተኣሚንና፣ ኩሉ ግዜ ካብዚ ንላዕሊ ክንከይድ ዋላ ኣብቲ ዘናውጸና ሃሰሳ ጠኒና ክንኣቱ ዝተጸዋዕና ኢና።
በዚ መንጽር ምስክርነት ክርስትያናዊ ሕይወት፡ ኣብ ጥምቀት ዝተመርኮሰ ጉዕዞ ቅድስና ክንመርሕ ግዲ እዩ፡ እዚ ድማ "ኣብ መለኮታዊ ባህሪ ተሳተፍቲ ይገብረና፡ ስለዚ ድማ ብሓቂ ቅዱሳን" ይገብረና (ብርሃነ ኣህዛብ 40)። እዚ ቅድስና እዚ ንውሑዳት ዝተሕዝአ ቅድስና ኣይኮነን፤ ቅድስና ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ ውህበት ኮይኑ ተሓጒስና ክንቅበሎን ንኣናን ንኻልኦትን ፍረ ከምዝፈሪ ምግባርን ዝሓትት እዩ። እቶም ብእግዚኣብሔር ዝተመርጸናን ዝተፈቀርናን፡ ነዚ ፍቕሪ እዚ ናብ ካልኦት ከነብጽሖ ይግባእ ። ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ቅንኣት ስብከተ ወንጌል ካብ ቅድስና ከም ዝምንጩ፡ ካብቲ ብእግዚኣብሔር ዝመልአ ልቢ ከም ዝፍልፍል ይምህሩ። ብጸሎት ልዕሊ ኩሉ ድማ ብፍቕሪ ቅዱስ ቁርባን ዝምገብ ስብከተ ወንጌል ብግዲኡ ንቅድስናኦም ከምዝዓቢ ይገብሮዝገብሮም (EN, 76)። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ብዘይ ቅድስና ቃላት ሰባኺ ወንጌል "ናብ ልቢ ናይ ዘመንና ሰብ ኪኣትው መንገዲ ዳርጋ ኣይክረኽቡን እዮም፣ ከንቱን መኻንን ናይ ምዃን ሓደጋ የንጸላልዎ"።
ስለዚ፡ ተቐበልቲ ስብከተ ወንጌል ካልኦት ጥራይ ከምዘይኮኑ ማለት ካልእ እምነት ዘለዎም ወይውን ዘይኣምኑ ጥራይ ከምዘይኮኑ ከነስተውዕል ይግባእ፡ ንሕና እቶም ኣብ ክርስቶስ ንኣምን ኢና ንጡፋት ኣባላት ሕዝበ እግዚኣብሔርን ኢና ንእንብል ንዓና እውን ከምዝምልከት ክንፈልጥ ይግባእ። ከምኡውን ዕለት ዕለት ክንልወጥን ቃል ኣምላኽ ሃንጐፋይ ቢልና ክንቅበልን ሕይወትና ክንልውጥን ኣሎና። ናይ ልቢ ስብከተ ወንጌልከስ ብኸምዚ እዩ ዝፍጸም። ነዚ ምስክርነት ንምሃብ ነፍስወከፍና ከማኡ ቤተ ክርስቲያን እውን ብቀዳምነት ንገዛእ ርእሳ ወንጌል ብምስባኽ ክትጅምር ኣለዋ። ቤተ ክርስቲያን ባዕላ ወንጌል እንተዘይሰበኸት ሓደ ክፍሊ ቤተ መዘክር ኮይና እያ ትተርፍ። የግዳስ እቲ ብቐጻሊ ከም እትመሓየሽ ዝገብራ ናይ ገዛእ ርእሳ ስብከተ ወንጌል እዩ። ነቲ ክትኣምኖ ዘለዋ ብቀጻሊ ጽን ቢላ ክትሰምዖ ኣለዋ፡ ማለት ነቲ ምኽንያታት ተስፋኣን፡ ሓድሽ ትእዛዝ ፍቕርን ብቐጻሊ ክትሰምዕ የድልያ። እዛ ኣብ ውሽጢ ዓለም ተዘርጊሓ እትርከብ ህዝቢ ኣምላኽ ዝኾነት ቤተክርስትያን እዚኣ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ብብዙሕ ጣኦታት እትፍተን፡ ኩሉ ግዜ ግብሪ እግዚኣብሔር ክስበኽ ክትሰምዕ የድልያ። እዚ ማለት፡ ብሕጽር ዝበለ ቃላት፡ ኩሉ ግዜ ወንጌል ክሰበኻ የድልያ፡ ንወንጌል ኣብ ኢዳ ክትሕዞን ክትጽልን ነቲ ንልቢ ዝልወጥ ሓይሊ መንፈስ ቅዱሱ ጽን ቢላ ክትሰምዕን ብግዲ የድልያ (Cf. EN, 15)።
ወንጌል ንምስባኽ ንገዛእ ርእሳ እትሰብኽ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ኣገዳሲ መንገዲ ክትጓዓዝ ማለት ጉዕዞ ንስሓን ጒዕዞ ተሓድሶን ክትገብር ዝተጸውዐት ቤተ ክርስቲያን እያ። በዚ ከኣ ነቲ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ዘለዋ ስብከተወንጌላዊ ህላዌ ንምንባሩን ንምርዳኡን ዘለዋ ኣገባብ እውን ትልውጥ። ኣብቲ "ኩሉ ግዜ ከምዚ ይግበር ነሩ" ዝብል ስነ-መጎት ምሕባእ እውን ትድሕን። እዚ ኩሉ ግዜ ከምዚ ይግበር ነሩ ዝብል ሥነ-መጎት ንቤተ ክርስቲያን ካብ ዘሕምማ መዕቆቢታት ሓደ እዩ። ቤተ ክርስቲያንሲ ንቕድሚት ደኣ ክትከይድ ኣለዋ፣ ብቐጻሊ ክትዓቢ ኣለዋ፣ ከምዚ ምስ እትገብር ከኣ ወትሩ መንእሰይ ኮይና ክትነብር እያ። ከምዙይ እትገብር ቤተ ክርስቲያን ምሉእ ብምሉእ ናብ እግዚኣብሔር ዝተመልሰት እያ። ስለዚ ተሳታፊት ናይቲ እግዚብሔር ንደቂ ሰባት ዘለዎዝ መደብ ድሕነት እያ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሰብኣውነት እተቁቅምት ትኸውን። ቤተ ክርስቲያን ንናይ ዘምናን ዓለም ብዘተ እትራኸብን፡ ሕውነታዊ ዝምድናታት እተስፍሕን፡ ንምርኻብ ቦታታት እትፈጥርን፡ ጽቡቕ ልምድታት ምቕባል ኣጋይሽን ምእንጋድን እተደንፍዕን፡ ኣፍልጦን ምውህሃድን ናይ ካልኦት እተተግብርን፡ ናይዛ ሓባራዊት ቤትና ዝኾነት ተፈጥሮ እትሕሉን ክትከውን ኣለዋ። እዚ ማለት ምስ ናይ ዘመንና ዓለም ብዘተ እትዋሳእ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ዕለት ዕለት ምስ ጎይታ እትራኸብን ምስ ጎይታ እትዋሳእን ኮይና፡ ነቲ ቀንዲ ተዋሳኢ ስብከተ ወንጌል ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ ኪኣቱ እተፍቀድ ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ። ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ጥራይ ኢና ከነወዓውዓ እንኽእል እምበር ወንጌል ክንሰብኽ ኣይንኽእልን ኢና። ናብ ስብከተ ወንጌል ዝድርኸና እቲ ኣባና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ እዩ እዚ ድማ እቲ ሓቀኛ ናጽነት ደቂ ኣምላኽ እዩ።
ዝኸበርኩም ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ነዛ ኣገዳሲት ዝኾነት ኢቫንደሊ ኑንስያንዲ እትብል ሰነድ ስብከተ ወንጌል ደጋጊምኩም ክተንብብዋ ዕድመይ አሐድስ። ናይ ልበይ ክነግረኩም: ኣነ ነዛ ሰነድ እዚ ብዙሕ ግዜ እየ ዘንብባ፡ ምኽንያቱ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝገደፈልና ዓቢ ውርሻ ስለዝኾነ እንክኾን ንስብከተወንጌል ዘገልግል ዓቢ ውርሻ ሕድሪ እዩ።