ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኵላትና ሓዋርያት ክንከውን ዝተጸዋዕና ኢና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ሓዋርያዊ ተልእኾ ተወኪሶም፥ “ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ብባህሪኡ ጸዋዕታ ንሃዋርያነት እዩ።” እምበኣር እቲ ጸዋዕታ ሓዋርያውነት “ነቶም ምስጢረ ክህነት ዝተቐብሉን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናን ሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት እዩ።”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 መጋቢት ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኩሎም ክርስትያን፥ ካህናትን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናን ንተልእኾ ወንጌል ዝተጸውዑ ምዃኖም ኣብቲ “ኒሕ ወንጌላውነት” ኣብ ዝብል ጠቕላሊ ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ተኸታታሊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈኣዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብኣጽንዖት ከም ዘዘካኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ እቲ “ኒሕ ንወንጌላውነት” ንዅሉ ማህበረሰብ ክርስቲያን፥ ካህን ሰብ ውፉይ ህይወት ዓለማዊ ምእመን ዝምልከት ሓዋርያ ናይ ምዃኑ ጸዋዕታ ዘመላኽት ኮይኑ፡ ሓድሽ ኪዳንን ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተወኪሶም ነዚ “ኵላዊ ጻውዒት ተልእኾ” ራእይ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓዋርያነት እንታይ እዩ?

ፍራንቸስኮ ሃዋርያ ምዃን እንታይ ማለት እዩ ዝብል ሕቶ ብምቕራብ፡ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም፥ እቲ ቀዳማይ ባህርይ ንተልእኾ ዝለኣኽ ዝብል ከም ዝኾነን ናይቲ ሓዋርያውነት ኣብነት ድማ እቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ናብ ዓለም ኪዱ እንክብል ዝሃቦ ተልእኾ እዩ፥ ከምቲ ኣቦ ዝለኣከኒ እናበለ ዝነግሮ ተልእኾ እዩ፡ ስለዚህ ድማ ኣነ እውን ንኣኻትኩም እልእኸኩም ኣለኹ (ዮሓ. 20,21)።

እቲ ካልኣይ ሓዋርያ ናይ ምዃን መለለዪ ጸዋዕታ፥ እዚ ኸኣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ኢየሱስ “ነቶም ዝደልዮም ናብኡ ጸውዖም፡ ንሳቶም ከኣ ናብኡ መጹ (ማር.3,13) ዝብልን፡ “ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሓዋርያ ኢየሱስ ክርስትስ ክኸውን ተጸውዐ” (1ቆሮ.1,1)። ከምኡ እውን “ጳውሎስ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ” እንክብል ንገዛእ ርእሱ ከም ዘላልይ ኣብ ዝጸሓፎም መልእኽትታቱ ተመስኪሩ ኣሎ፥ (ሮሜ. 1,1) ከም ዘሎ ብሰፊሕ ኣብሪሆም፥

ኵላዊ ጸዋዕታ ሃዋርያነት

ቀጺሎም ኩሎም ክርስትያን ነዚ ጸዋዕታ ማለት ናይ ሓዋርያነት ጸዋዕታ ክቕበሉ ተማሕጺኖም፡ ካብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ሓዋርያዊ ተልእኾ ተወኪሶም፥ “ክርስቲያናዊ ጸዋዕታ ብባህሪኡ ጸዋዕታ ንሃዋርያነት እዩ።” እምበኣር እቲ ጸዋዕታ ሓዋርያውነት “ነቶም ምስጢረ ክህነት ዝተቐብሉን ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያን ምእመናን ሰብኣይን ሰበይትን ዝምልከት እዩ።” ቢሎም፥

ኣገዳሲ ካልእ ተወሳኺ ድማ “ካህናትን ውፉያንን ዓለማውያን ምእመናንን ሓደ ዓይነት ጸዋዕታ ኣለዎም፥ ማለት ናይ ሓባር ጸዋዕታ ከም ዘለዎም ዘመላኽት እዩ።”

ሕጋዊ “ብዙሕነት ወይ ህብረ ኣገልግሎት” እኳ እንተሎ “ክርስቶስ ንሓዋርያትን ንተካእቶምን ብስሙ ናይ ምምሃርን ምቕዳስን ብስሙን ሓይሉን ክመርሑን” ሓላፍነት ሃቦም፡ እዚ ሓቂ እኳ እንተኾነ፥ “ዓለማውያን ምእመናን እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ክህነታውን ትንቢታውን ንጉሳዊ ስልጣን ክርስቶስ ይካፈሉ እዮም።” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምትሕብባር ኣብ መንጎ ዓለማውያን ምእመናንን ሃይራርቅን (ስርዓተ ስልጣንን)

ኣብ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ “ምትሕብባር ኣብ መንጎ ዓለማውያን ምእመናንን ሃይራርቅን (ስርዓተ ስልጣንን) ዝብሎን ዘቕርቦም ትምህርቲ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣብ ዘብርህ ሓሳብ ኣማእኪሎም፥ እዚ “ምስ ሓድሽ ዝቕልቀል ዘሎ ኩነታት ሜላዊ ምትዕጽጻፍ ጥራይ ዝምልከት ድዩ?” ፈጺሙ ከምኡ ኣይኮነን። ምስ እዚ ኣተሓሒዞም Ad gentes - ናብ ኣህዛብ  ዝብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍቕዲ 21 ተወኪሶም፥ “ቤተ ክርስቲያን ምስኣ ጐድኒ ንጐድኒ ዝሰርሑ ዓለማዊ ምእመናን እንተዘይብላ ብርግጽ ቤተ ክርስቲያን ተመስሪታ ኣላ ንምባል ኣይከኣልን፡ ገና ምሉእ ሕይወት ዘለዋ ኣብ ማእከል ሰብን ናይ ክርስቶስ ህላዌ ዝርአየላን ብቕዕቲ ምልክት እውን ኣይኮነትን ምኽንያቱ ብዘይ ናይ ምእመናን ውዕዉዕ ተሳትፎ ወንጌል ኣብ ኣተሓሳስባን ሕይወትን ስራሕን ደቂ ሰብ ዓሚቝ ሱር ክሰድድ ኣይክእልን እዩ፣” ቢሎም፥ “ብዙሕነት መንፈሳዊ መስህብን ኣገልግሎትን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣካል ፍሉዩ ዕድል ዘለዎም ምድብና ክፈጥር የብሉን” . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ ክብሪ ዘለዎ መን እዩ? ጳጳስ ካህን? ኣይኮነን ኩላትና ኣብ ኣገልግሎት ካልኦት ክርስቲያን ኢና . . . ኩሉ ሰብ ማዕረ እዩ፡ ኩላትና ማዕረ ኢና።” እንክብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 Mar 2023, 16:19