ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መክሲኮ ብሰንኪ ባርዕ መዓስክር ስደተይናታት ንዝሞቱ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ኣብ መክሲኮ ብሰንኪ ባርዕ መዓስክር ስደተይናታት ንዝሞቱ ይጽልዩ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መክሲኮ ብሰንኪ ባርዕ መዓስክር ስደተይናታት ንዝሞቱ ይጽልዩ

ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገረ መክሲኮን ኣብ ዘዳብው ስፍራ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ 38 ሰባት ከም ዝሞቱን እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ንምስጓግ ዝብል ውሳኔታት

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 29 መጋቢት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ፥ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ መክሲኮ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ግዳያት ጸሎት ክግበረሎም ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 28 መጋቢት ምሸት ኣብ መክሲኮ ኣብ ዝርከብ ምስ ግዝኣት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘዳብው ዞባ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተይናታት ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምኽንያት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም 38 ሰባት ጸልዮም፡ ስሌኦም ክጽለ እውን ሓቲቶም፥ “ጎይታ ኣብ መግንስቱ ይቀበሎም ንስድራ ቤቶም ድማ ምጽንናዕ ይሃቦም” ቢሎም፥ ኩላትና ስለእዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓደራ ንጸሊ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ባርዕ ሓዊ

ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገረ መክሲኮን ኣብ ዘዳብው ስፍራ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስደተይናታት ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ 38 ሰባት ከም ዝሞቱን እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ንምስጓግ ዝብል ውሳኔታትን ከምኡ እውን ገሊኦም ዘቕረብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ መልሲ ክሳብ ዝወሃብ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ክጸንሑ ዝተወሃቦም ውሳኔን ካልእ ምስ ናይ ሕቶ ስደተይናታት ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ዘንቅሎ ዘሎ ዘይምርድዳእ ፍታሕ ክረክብ ጻውዒት ንምቕራብን ስደተይናታት ናብ ዝመጽሉ ይሰጎጒ ዝብል ውሳኔ ንምቅዋም ኣብቲ ዝርከቡሉ ማእከል ፍርናሽ ከም ዝቃጸሉ ክንገር እንከሎ፡ እቶም ስደተይናታት ካብ ጓቲማላ ሆንዱራስ ኤል ሳልቫዶር ኤኳድሮ ኮሎምቢያን ቨነዝዌላን ዝመጹ ምዃኖም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ርእሰ ብሔር መክሲኮ ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፐዝ ኦብራዶር፥ ገለ ካብቶም ስደተይናታት ናብ ዓዶም ዝስጎጉ ምዃኖም ምስ ፈለጡ ነቲ ባርዕ ሓዊ ፍርናሽ ብምቕጻል ዘለዓዓልዎ ከምዝነበረ ሓቢሮም እንተኾነ ግን “እዚ ነዚ ዘስካሕክሕ መዓት ከስዕብ እዩ ቢሎም ኣይሓሰቡን” እንክብሉ ኣብ ዘሃብዎ መግለጺ ከም ዝሓበሩን፥ ክልተ ናይቲ ናይ ስደተይናታት ማእከል ዘበዐይናታት ነቲ ባርዕ ሓዊ ምስ ረኣዩ ናይቲ ማእከል ማዕጾ ኣክንዲ ዝኸፍቱ ክሃድሙ ከም እተራእዩን እዚ እውን እቲ ከባቢ እስትንፋስ ዝዓግትን ዝዕፍንን ትኪ ተመሊኡ ብምንባሩ ምኽንያት ምዃኑ ካብቲ ከባቢ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ ይሕብር።

29 March 2023, 15:50