ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ጎይታ ህያው ዘለዓለማዊ ማይ ሕይወት ቃል ኣትዩልና እዩ!

ሎሚ እምበኣር ንርእስና ንኣምላኽ ድየ ዝጸምእ ንኽነብር ፍቕሩ ከም ዘድልየኒ እርድኣኒ ድዩ? ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጽምኢ ድማ እሻቐል ዶ? ቢልና ንሕተት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 መጋቢት ሳልሰይቲ ሰንበት ዘዓቢይ ጾም ፍርቂ መዓልቲ፥ ብዛዕባ ዝጸምአ ኢየሱስን ብዛዕባ እታ ማይ እትህቦ ኣብ ጥቓ ዒላ ዝነበረት ሳምራዊት ሰበይቲ ዝዛረብ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ኣምርኲይዞም፥ ኢየሱስ፥ ኣብ ውሽጥና ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘውሕዝ ህያው ማይ ክህበና ቃል ክኣትወልና እንከሎ ንፍቕርና ዘለዎ ጽምኢ ይገልጸልና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ሰንበት ዕለት 12 መጋቢት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕ. 4, 5 – 42 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ጽቡቕን መሳጢን ርክባት” ኢየሱስ ኣብ ዒላ ምስታ ሳምራዊት ሰበይቲ ዘካየዶ ርክብ ምዃኑ ገሊጾም ኢየሱስ ኣብቲ ውዑይን ፍርቂ መዓልትን እዋን ጸሚኡን ደኺሙን ከም ዝነበረ ሓቢሮም፥

ከማና ጸምአ

ኢየሱስ ጸሚኡ ዝስተ ማይ ኪሓትት እንከሎ፥ “እግዚኣብሔር ንኢየሱስ ሓደ ካባና ከም ዝገበሮ - ሰብኣዊ ኩነታትናን ድሌታትናን መከራናን ከም ዝካፈል ዘርኢ እዩ፥

ብሓቂ ጽምኢ ኢየሱስ ስጋዊ ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ህይወትና ዝዓሞቐ ጽምኢ ልዕሊ ኩሉ ድማ ጽምኢ ፍቕርና ከም ዘለዎ ዝገልጽ እዩ። ኣብ መዛዘሚ ህሞት ስቓዩ ድማ ኣብ መስቀል ቅድሚ ምሟቱ፥ ኢየሱስ “ጸማእኩ” ይብል!

ፍቕሪ ጽምኢ ይበትኽ

እቲ ዝስተይ ማይ ዝሓትት ጐይታ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ከቕርቦ ዝኽእል ዝስተ ማይ ማለት ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያው ማይ “ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣብ ውሽጥና ዘውሕዝ” ምዃኑ ይነግራ። “ጽምኢ ፍቕሪ፥ ኢየሱስ ንጽምእና ብፍቕሪ ከም ዘጥፍኦ” ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ብምርኻብ ናይ ገዛእ ርእስና ጽምኢ ብምክፋል ነዚ ህያው ማይ ዘለዓለማዊ ህይወት ቃል ብምእታው ይገልጾ።

ንካልኦት ዝስተ ማይ ምክፋል

ር.ሊ.ጳ. ኣብነት ኢየሱስ ክንስዕብ ይግባእ። . . . ሓንሳብ ሓንሳብ ኣባላት ስድራና ወይ መሳርሕትና የዕሩኽና ዝስተ ማይ ክሓቱና ይኽእሉ ኢዮም። እንተኾነ ግን ቅርበትን ኣቃልቦ ወይ ሰማዒ እዝኒ ዝጸምኡ፡ ቃል ኣምላኽ ዝጸምኡ እውን፡ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝሰትይሉ መዕረፊ ቦታ” ክረኽቡ ዝደልዩ። እዚ ጽምኢ እዚ በረኻታት ናይቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብሽለልትነንት ብውሽጣውዊ ባዶነት ዝልለይ ኣብ ሸበድበድ ብዘሎ ሕብረተሰብና ክብእስ እውን ዝከኣል እዩ፥ እዚ ጽምኢ እዚ ድማ ቃል ብቃሉ ንህላወና ኣገዳሲ ዝኾነን ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ድርቂ ወይ ብከላ ብዙሓት ሰባት ዝጐድሎም ማይ ክኸውን ይክእል እዩ። “ናይ ሓባር ገዛና” ዝበሃል ከባቢ እውን ከይተረፈ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ ወይ ብከላ ብዘስዕቦ ጽምእ ይሳቐ።”

ህያው ማይ

ናይ ሎሚ ወንጌል (ዕለት 12 መጋቢት 2023 ዓ.ም.) “ህያው ማይ” ዝብል መብጽዓ የቕርበልና፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን “ጽሩይ ዓይኒ ማይ” ክንከውን ይጽውዓና፥

ሎሚ እምበኣር ንርእስና ንኣምላኽ ድየ ዝጸምእ ንኽነብር ፍቕሩ ከም ዘድልየኒ እርድኣኒ ድዩ? ብዛዕባ ናይ ካልኦት ጽምኢ ድማ እሻቐል ዶ? ቢልና ንሕተት። ቅድስቲ እኖና ድንግል ማርያም ተማልደልናን ኣብ ጉዕዞና ድማ ትደግፈና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

14 Mar 2023, 16:37