ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኢየሩሳሌም ኵላዊ መንፈሳዊ ዋጋ ዝሓዘተ እያ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ከባቢ ሮማ ከተማ ሳክሮፋኖ ቤት ሕውነት “መንበር እንግዶት” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ዘሰናደዎ ካብ ዕለት 6 – 10 መጋቢት ኣብ ዝካየድ ዓውደ ሕንጸት ተጋባእያን ዕለት 9 መጋቢት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ንዅሉ ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ሓቋፍን ኣእንጋድን ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ” ስለ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብቲ መደብ ሕንጸት ካብ ዝተፈላለየ ባህላውን ሃይማኖታውን ድሕረ ባይታ ዝመጹ መምሃራንን ምሁራትን ዝተዋጽኡ ዘሳተፈ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም እቲ ዓውደ ህንጸት ንዅሉ ሰብ ከመይ ጌርካ ክትቕበልን ከተእንግድን ንምድጋፍ ዘለዎ ተወፋይነት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ናይ ቀመር ተበግሶ ዘይኮነ መዓልታዊ ተመክሮ ገይሮም ዝነብርዎ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥
ምቕባል ናይ ፍቕሪ መግለጺ እዩ
“ኵላትና ኣሕዋት” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ተወኪሶም፥ ፍቕሪ ናብ ኵላዊ ሓባራውነት ይድርኸና፡ ምእንቲ እዚ ሓባራውነት እዚ ንኽንዓዪ የነቓቕሓና፡ ንኻልኦት ንምቕባል ዝዓበየ ዓቕሚ ይሓትት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ካልእ ማለት ካባና ዝተፈልየን ዝተኣንገደን ዝበለጸ ክንደሊ ዝሓትት እውን እዩ።
ክፉት ምዃንን ምቕባልን እምበኣር ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ዋላ ውን ነቶም ኣብ ወሰናስን ዝነብሩ ወይ ኣብ ሕብረተሰብ እተገሉ ዝቕበልን ዘወሃህድን ሕብረተሰብ ዝወስዶ ቀዳማይ ስጉምቲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም፥ . . . እተን ገዛእ ርእሰን ኣፍቃሪ ንምዃን ዝዓጽዋ ዝያዳ ሰላምን ጸጥታን ክረኽባ ብዝብል ናይ ሓሶት ምትላል ዝድረኻ ኩሉ ስዒቡ ዝቐውም ሓሶት ስለ ዝኸውን ኣብ ሓቂ ምንባር እዩ እቲ ዝበለጸ. . .
ናጻ ሓንጎፋይ ዝብል ኣቀባብላ ዘጠቓልል ማሕበራውን ፖለቲካውን ባህሊ ጥራይ እዩ መጻኢ ክህልዎ ዝኽእል!
ሓልዮት ምሕዝነትን ማሕብራዊ ዕርክነትን ይፈጥር
ሕውነትን ማሕበራዊ ምሕዝነትን ንምፍጣር ኣገዳሲ ዝኾነ ዛዕባ ውፉይነትን ሓልዮትን፥ ንኹሉ ሰብ ብናጻ ሓንጎፋይ ቢሎም ዝቕበሉ ጥራእ ያቶም መጻኢ ዝህልዎም፥ ብዙሕ ግዜ ስደተይናታት ኣብ ዝእንገድሉ ሕብረተሰብ ብኸመይ ኣበርክቶ ኪገብሩ ይኽእሉ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ክብደት ዝወሃቦ እኳ እንተኾነ እቲ መሰረታው መዐቀኒ ኣብ “ጥቕሚ” ዘይኮነስ ኣብ መሰረታዊ ዋጋ ሰብኣውነት ዝተመርኮዘ እዩ ክኸውን ዘለዎ፥
እቲ መጻእተይና - ስደተይና ከምኡ እውን ‘ካልእ’ እንታይ ክህብ ይኽእል ብዝብል ሚዛን ዘይኮነ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን እዩ ተቕባል ክረክብ ዘለዎ!
ቢሎም፥ ነቶም ተጋባእያን ነቲ ዘበገስዎ መደብ ሕንጸት ምቕባልን እንገዳን ከደልድልዎ ኣተባቢዖም እዚ እውን ኣንጋዲ ባህሊ ዘሐይልን ዘመሓይሽን እዩ እክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።