ብምኽንያት ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ሱባኤ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ላዕለዎት ኣካልት ኵርያ ሮማናን
ብጀካ እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ እዚ ካልእ መርሓ ፍጻሜታት ከም ዘይብሎም ኣፍሊጡ። ስለዚ ቅዱስነቶምን ኵሎም ናይ ቀረባ ተሓበበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ኵርያ ሮማናን “ንጥፈታቶም ደው ኣቢሎም
ኣብዚ ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ኵርያ ሮማና ኣካላትን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብሕታዊ መንፈሳዊ ሱባኤ የካይዱ ምህላዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵርያ ሮማና ሓዋርያውያን መናብርት ላዕለዎት ኣካላት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ቀዳማይ ሰሙን ዓቢይ ጾም ዕለት 3 መጋቢት ድሕሪ ቀትሪ ዝዛዘም ብሕታዊ መንፈሳዊ ሱባኤ ካብ ዕለት 27 ለካቲት ድሕሪ ቀትሪ ከም ዝጀመሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ በዚ መሰረት እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክሳዕ ዕለት 3 መጋቢት ብጀካ እዚ መንፈሳዊ ሱባኤ እዚ ካልእ መርሓ ፍጻሜታት ከም ዘይብሎም ኣፍሊጡ።
ስለዚ ቅዱስነቶምን ኵሎም ናይ ቀረባ ተሓበበርቶም ላዕለዎት ኣካላት ኵርያ ሮማናን “ንጥፈታቶም ደው ኣቢሎም ክሳብ ዕለት 3 መጋቢት ዝቕጽል ውልቃዊ መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን የካይዱ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።
01 Mar 2023, 15:31