ድለ

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ካርዲናል ራውበር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ካርዲናል ራውበር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ 

ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዜና ዕረፍት ካርዲናል ራውበር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ

ብዝሒ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 222 ክወርድ ከም ዝገበረን፡ ካብዚኣቶም ድማ ብመሰረት ሕገ ቀኖና እቶም 123 ተኸታሊ ቅዱስ ጴርጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም፡ እቶም 99 ድማ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንይታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 27 መጋቢት ብምኽንያት ዕለት 26 መጋቢት ምሸት ኣብ  መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ብጹዕ ካርዲናል ካርል ጆሰፍ ራውበር ኣብ ጀርመን ናብ ናይ ሰበኻ ማይንዝ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ፐተር ክህልግራፍ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ናብ ጳጳስ ሰበኻ ማይንዛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ንነፍሰ ሄር ካርዲናል ካርል ጆሰፍ ራውበር ህይወትን ኣገልግሎትን ክብሪ ሂቦም፥ “ንሓድነት ህዝበ እግዚኣብሔር” ኣብ ቫቲካንን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኮይኖም ኣብ ምግልጋል ዝነበርዎ ተወፋይነት ዘኪሮም፡ ካርዲናል ራውበር “ሓቀይና ጓሳ ቤተ ክርስቲያን” ብምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምልክት ፍቕሪ ክርስቶስ ዝመስከሩን “ብዘይ ዕቃበን ብሓጎስን” ንዅሉ ሰብ ነዚ ፍቕሪ እዚ ዘካፈሉ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ራውበር ኣብ ጀርመን ሰበኻ ባምበርግ ዕለት 11 ሚያዝያ 1934 ዓ.ም. ዝተወልዱ፥ ኣብ 1950 ዓ.ም. ኣብ መንበረ ጥበብ ማይንዝ ብፍልስፍናን ቲዮሎጊያ ተመሪቖም፡ ዕለት 28 ለካቲት 1959 ዓ.ም. ክሂኖም ኣብ 1962 ዓ.ም. ሮማ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ግረጎሪያና መንበር ጥበብ ብሕገ ቀኖና ሊቕነት ኣመስኪሮምን ድሕሪኡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ጳጳሳዊ ተቕዋም ኣትዮም ብስነ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ ከም እተመረቑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክብ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ

ካርዲናል ራውበር ዕለት 1 ጥቅምቲ 1966 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣገልግሎት ኣትዮም ክሳብ 1977 ዓ.ም. ኣብ በልጁም ደሓር እውን ኣብ ግሪኽ፥ ካብ ዕለት 18 ታሕሳስ 1982 ዓ.ም. ኣብ ኡጋንዳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ዘገልገሉን፥ ጥሪ 1990 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ተቕዋም ኣቦ መንበር ኮይኖም ከም እተሾሙን ዕለት 16 መጋቢት 2003 ዓ.ም. ኣብ ስዊዘርላንድን ላይኽተንስታይን ዕለት 25 ሚያዝያ 1997 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋርን ሞልዳቫን  ዕለት 22 ለካቲት 2003 ዓ.ም. ኣብ በልጅም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን፡ ዕለት 14 ለካቲት 2015 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካርዲናል ቢሎም ናይ ቅዱስ ኣንጦኒዮስ ዘፓዶቫ ዞባ ኣፒያ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆን እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላይ ካርዲናል ራውበር ብዝሒ ጉባኤ ካርዲናላት ናብ 222 ክወርድ ከም ዝገበረን፡ ካብዚኣቶም ድማ ብመሰረት ሕገ ቀኖና እቶም 123 ተኸታሊ ቅዱስ ጴርጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም፡ እቶም 99 ድማ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንይታ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም ምዃኑ ይሕብር።

29 March 2023, 15:54