ነቲ ዝረኸበቶ ምሕረት እትቃልሕ ቤተ ክርስቲያን
ዋና ኣሰናዳኢ ዜና ቫቲካንን ናይ ቅድስቲ መንበር መራኸቢ ብዙሓን ርእሰ ዓንቀጽ ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli ብምኽንያት ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ነቲ ዝተቐበለቶ ምሕረት እተቃልሕ ቤተ ክርስቲያን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንኽመጽዋ ዘይኮነስ ቀዲማ እትወጽእ ቀዲማ ተበግስቶታት እትወስድ ቤተ ክርስትያን፥ ነዚ እተሳልጦ ድማ ኣብቲ ቀዲሙ ተበግሶታት ወሲዱ ኣብ ዝመጽእ ጐይታ ተመስሪታ እያ፡ ብፍቕሪ ቀዲማ ዝተበጽሐት። ድሕሪ 10 ዓመት ሕርየት ኾርገ ማሪዮ ቦርጎሊዮ ዕለት 13 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናብዚ ቀዲሙ ዝበጸሓናን ቀዳማይ ተበግሶታ ካብኡ ዝገበረን ናብ ዝብል ዓሚቑ ዋጋ ንመለስ ዝብል ር.ሊ.ጵጵስና እዩ። እዚ ኸኣ ፍራንቸስኮ ባዕሎም ዝሓስቡዎን ዝምስክርዎን እዩ፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን እውን ነዚ ክምስክር ይዕድሙ። ከምቲ ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ኣብ ዘርእስቱ ዕለት 24 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከም እነንብቦ፥ “ቀዳማይ ስጉምቲ ምውሳድ እትፈልጥ ብትብዓት ተበግሶ እትኽውን ናብ እትብል ናብ ካልእ ምውጻእ ዝብል ኣፍልጦን ተግባርን ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን” ነቶም ዝወደቑ እተናድይ ኣብ መስቀላዊ ጉደናታት ዝርከቡ ንዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ተቐባል ክረኽቡን ናይቲ ደረት ኣልቦ ምሕረት ኣቦ ተመክሮኣ ዝገበረት ምሕረት እተብጽሕ።”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ርእሰ ውከሳ ናጻ ዝኾኑ ማህበረሰብ ክርስቲያን ክህሉ የተባብዑ፡ ገዛእ ርእሶም ከም ምንጪ ብርሃን ከይቆጸሩ ብርሃን ጐይታ ምስ ዘንጸባርቑ ድማ ብሓቂ ልኡካነ ወንጌል ኪኾኑ ይኽእሉ፥ እዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም ናይ ዕዳጋን ኣስዳዕን ሜላታት ዘይጥቀሙ፡ ካብ ምንፋቕ ፈተና ናጻ ዝኾኑ “ሓጢኣቶም ዝተሓደገሎም-ምሕረት ዝተቐበሉ” ምዃኖም ዝተኣመኑ በዚ ኣገባብ ብተራኦም መሰኻኽር ምሕረት ኣምላኽ ብምዃን ንኻልኦት ነዚ ምሕረት እዚ ዘቃልሑ።
“ምሕረት” ብርግጽ ናይዞም ኣርጀንቲናዊ ር.ሊ.ጳጳሳት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መሰረተ ስልጣናዊ ትምህርቶም እዩ። ዝሓለፈ 10 ዓመት ዘሰነዮምን ዝቕጽልን፡ ምሕረት እቲ ዝበለጸ ኣብ ወንጌል ዘሎ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ ኣናባቢ መፍትሕ እዩ፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምውዳቕ ብቐጻሊ ከም እትፍቀርን ካብት ዝወደቕካሉ ዘተንስኣካን ምዃኑ ኣብ ዝብል ምስትውዓል ዘሎ እዩ። ኣብዚ እናተለዋወጠ ዝኸይድ ዘሎ እዋን ምሕረት ናይ ተልእኾ ወንጌል መፍትሕ እዩ።
ከምቲ ኣብ ወንጌላዊ ሓሴት ሃዋርያዊ ምዕዳን ከም እነንብቦ፥ “እቲ ወንጌላዊ ማሕበረሰብ ብቓልን ብግብርን ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሰባት ይዋሳእ። ብድልድል ርሕቀት ዝኣልይ ሰራሕ ድልድል መቀራርቦ እንተኾይኑ ገዝእ ርእሱ ትሕት ከብል ፍቓደይና ይኸውን። ሰብኣዊ ህይወት ዝሓቁፍ ነቲ ኣብ ካልኦት መከራን ስቓይን ዘሎ ስጋ ክርስቶስ ዝትንክፍ” እዩ።
እዚ ማሕበረሰብ እዚ ከምቲ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እግሮም ክሓጽብ ተንበርኪኹ ዝቕበል ዝሰምዕ ዘሰንይን በዚ ኣገባብ እዚ ንኻልኦት ቀረባ ንምዃን ፍቓደይና ዝኾነ” እዩ። “ትዕግስቲ ዘለዎ ማሕበረሰብ እዩ ቅንዕናኡ ድማ ጸላእቲ ዘየድልይዎ ምዃኑ ዝምስክር” እዩ። “ንምህርቲ እዛ መሬትሉ ዝከናኸን ንጻህያይ ድማ ዓቕሉ ዘይጽብብ” እዩ።
ፍራንቸስኮ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎቶም መስኪሮምዎ እዮም፡ ነቲ ባዕሎም ገና ካርዲናል ኣብ ዝነበርሉ እዋን ዘስምዕዎ ቃላት ዘንጸባርቕ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረታት ዝብልዎን ዝነብርዎን ዝነበረ ቃላት ዘንጸባርቕ እዩ።
“ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ር.ሊ.ጳጳሳት ክንሓስብ ከለና ብኣስተንትኖ ኢየሱስ ክርስቶስን ብኣምልኾ ንኢየሱስ ክርቶስን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ገዝእ ርእሳ ናብ ህላወኣዊ ወሰናስን ክትወጽእ ክመርሓን ክሕግዛን ዝኽእል እተበስር ኣፍራይትን ጸጋይትን ኣደ ክትከውን መታን ኣብ ሓልዮትን ወንጌላዊ ሓሴትን ዘጽንዓ ሰብ” ኢና እንሓስብ እንክብሉ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)