ድለ

ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ  (Vatican Media)

ዓቢይ መምህር ኣልጣይብ ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ

ሎሚ ዓለምና ብዅሉ ግብረ ገባዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ደረጃታት ብድሆታትን ግርጭታትን ጸገማትን ዝተመልአት እያ። እዚ ድማ ስቓይ ብዙሓት ሰባት ክውስኽ ይገብር ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረዩሉ ዕለት 13 መጋቢት ዝኽሪ 10 ዓመት ምኽንያት፡ ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣህመድ ኣል - ጣይብ ናይ እንቋዕ ሓገሰኩም ሰናይ ምንዮት መግለጺ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 መጋቢት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ዝተሓረይሉ 10 ዓመት ኣብ ዘብዕልሉ እዋን ኣብ ምስሪ ናይ ኣል - ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ኣህመድ ኣል - ጣይብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ምዉቕ ሰላምታ ንክቡር ዓርከይን ሓወይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ ነዚ ሓላፍነት እዚ ዝተሓረኹምሉ መበል 10 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት እንቋዕ ሓጎሰኩም ክብል ከለኹ ሓጐስ ይስምዓኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ መንጎ ኩሎም ደቂ ሰባት ድልድላት ፍቕርን ሕውነትን ክትሃንጹ ዝጸዓርኩምሉ ክቡር መገዲ፥ ከምኡ እውን ክብርታት ሕውነት ደቂ ሰባት ንምድንፋዕን ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሰዓብቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከም . . . ኩላትና ሃረር እንብሎ ሰላም ንምዕዋት መሰረት እዩ።

ፍቑር ሓወይ ፍራንቸስኮ

ሎሚ ዓለምና ብዅሉ ግብረ ገባዊ ቁጠባዊ ማሕበራውን ደረጃታት ብድሆታትን ግርጭታትን ጸገማትን ዝተመልአት እያ። እዚ ድማ ስቓይ ብዙሓት ሰባት ክውስኽ ይገብር ኣሎ። ስለዚ ስቓይ ህዝብን ውጹዓትን ንምእላይ ናይ መራሕትን ናትኵምን ዓቢይ ሓላፍነት ቀጻሊ ትእምርቲ እዩ።

ንስኹም ክብሩ ሓወይ ብጽቡቕ ጥዕናን ጽቡቕ ህይወትን ሓጎስን ተባረኹ፡ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ድማ ወትሩ ይባርኽኩም። ኣብ ዓለምና ድሕነትን ቅሳነትን ሓባራዊ ህይወትን ምርግጋእን ምእንቲ ክዓስል ሕውነት ደቂ ሰባት ንምግሃድ ብሓባር ንምስራሕ ዝግበር ኩሉ ተበግሶ ብሓጎስ ሓንጎፋይ ቢለ እቕበሎ።

ካብ ልቢ ሓውኻ!

14 Mar 2023, 16:23