ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ሕርየተይ ሰላም ከም ህያብ እምነ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝኽሪ መበል ዓስራይ ዓመት ሕርየቶም ምስቲ ናቶም ዝኾነ ማዕከን መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ተገማሚዑ ብዝካየድ ዘሎ ሳልሳይ ውግእ ዓለም እዋን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክኾኑ ዝብል ሓሳብ ከም ዘይነበሮምን፥ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዘካየድዎ ርክብ እቲ ብሉጽን ዝጸበቐን ዝኽሪ ቢሎም ከም ዝምልከትዎን ከምኡ እውን እቲ ክርእይዎ ዘይደልይዎ ድማ ኣብ ውግእ ሞትን ህልቂትን መንእሰያት ምዃኑ ይሕብሩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብሓቂ እቲ ዝሓለፈ 10 ዓመት ገና ብዘየብቀዐ ውግእን ውጥረትን ዝተመልአ ኵነታት ዓለም ዘሰነዮን ገና እውን የሰንዮ ከምዘሎን እዚ እውን ብዙሕ ከም ዘሕዝኖምን ኣስዒቦም እውን ብዛዕባ ዘካየድዎ ብሔራውን ዓለም ለኻውን መገሻታቶም ከምኡ እውን ርክባቶምን ይዝክሩ።
ግዜ ብፍጥነት እዩ ዝሓልፍ . . . ኵሉ ታህዋኽ። እታ ክትጭብጣ እተድሊ ሎሚ ድሮ ትማሊ ትኸውን። ህልው እናበልካዮ ሕሉፍ ይኸውን፡ እዚ ዓይነት ምንባር እዚ ሓድሽ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ነዚ ይመስል፡ ኣብ ወጥሪ ምንባር!
እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዕ ዓለምን ከምኡ እውን ብብሔራዊ ደረጃን ዘካየድዎም ርክባት፥ እቲ ዝበለጸ ህሞት እንክብሉ ዝገለጽዎ ድማ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቶም ተዘክሮ ህዝብታትን ሃገራትን ምስ ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ዕለት 24 መስከረም 2014 ዓ.ም. ዘካየድዎ ርክብ ምዃኑ ገሊጾም፥
ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ጥበብ እዮም፡ ብዙሕ እዮም ዝሕግዙኒ፥ ኣነ እውን ኣረጋዊ እየ!
ይኹን እምበር ሓያሎ ሕማቕ ህሞታት እውን ከም ዘጋጠሞምን፥ እዚ ድማ ምስ ራዕዲ ኲናት ዝተኣሳሰረ ምዃኑን ብቐዳምነት እቲ ኣብ መካነ መቓብር ረዲፑሊያን ኣንዚዮን ሓይልታት ቃል ኪዳን ኖርማንዲያ ዝኣተውሉ ኣብ እተዘከረሉ እዋን ዘካየድዎ ምብጻሕ፡ ኲናት ሶርያ ደው ንምባል ዝግበር ንቕሎ ኣብ ምብጋሱ ሕጂ ድማ ኣብ ዩክረይን ንልዕሊ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኣረመናዊ ውግእ ይዝክሩ፡ ድሕሪ እዚ ኩሉ ኲናት ድማ ኣጽዋር ዘምርታ ኢንዳትሪታት ኣለዋ፥ ብሓቂ ኣብዚ ኣብ ዓለም እናተገማምዐ ኣብ ዝካየድ ዘሎ እዋን ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንኽመርሑ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ክሕረዩ ብፍጹም ዘይተጸበይዎ ከም ዝነበረን፥ ሶርያ ውግእ ዝካየደላ ፍልይቲ ሃገር ክትከውን ኢሎም እናሓሰቡ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ኲናት ክባራዕ ምርኣይ የሕዝን . . . እንነብረሉ ዘሎና እዋን ዝተገማምዐ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ዝካየደሉ ዘሎ እዩ።
መንእሰያት ክሞቱ ምርኣይ ብሓቂ የሳቕየኒ ሩስያውያን ይኹኑ ዩክረይናውያን ብዘየገድስ፡ . . . ከቢድ እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ኣብዚ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕርየቶም ዝምነይዎ ድማ ሰላም እዩ፥ “ስላም ህያብ ንዓለም ኮይኑ ክበጽሓና፡ ካብዚ ተበጊሶም ድማ ቅዱስነቶም “ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንዓለም ዘመሓድሩን ዘለዎም ሕልሚ፥ ሕውነት ዝብል ምዃኑ ገሊጾም ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።