ድለ

2023.02.03 ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዘተ ሰላም ዘንበርዎ እገዳ የልዕሉ 2023.02.03 ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዘተ ሰላም ዘንበርዎ እገዳ የልዕሉ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ብሔር ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ዘተ ሰላም ዘንበርዎ እገዳ የልዕሉ

“ንኽብሪ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ድቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ መሰረት 2023 ዓ.ም. ናይ ዕርቅን ሰላምን ዓመት ክኸውን ንእውጅ።”

ደብቡ ሱዳን ሓንጐፋይ ቢላ ትቕበለኩም እታ ሃገር ሰላምን ዕርቅን ክትረክብ ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ኣብ ዝምልከት መንግስቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ሮማ ናይ ሰላም ዘተ ኣንቢርዎ ዝነበረ ተኣግዶታት ብወግዒ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡብ ሱዳን ንመጀመርያ ግዜ ዘካይድዎ ዘሎ ታሪኻዊ ምብጻሕ ናይ ሰላም ጉዕዞ ምዃኑ ምልክት ሰላም እንክብሉ ገሊጾም፥ “ንኽብሪ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ሃገረ ድቡብ ሱዳን ዝገብርዎ ታሪኻዊ ምብጻሕ መሰረት 2023 ዓ.ም. ናይ ዕርቅን ሰላምን ዓመት ክኸውን ንእውጅ።” ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሮማ ናይ ዘተ ሰላም ኣንቢሮምዎ ዝነበረ ኣገዳ ከም ዘልዓሉን፥ “እቶም ኣብቲ ናይ ሮማ ናይ ሰላም ስምምዕ ክታሞም ዘየንበሩ ኣብ ሃገሮም ዝርከቡ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኣሕዋትና ሰላም ንምምጻእ ምሳና ብቕንዕና ክተሓባበሩ እዮም” ብምባል ተስፋኦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምቁራጽ ናይ ሰላም ዘተ

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቶም ናይ ሰላም ስምምዕ ዘይፈረሙ ተቓወምቲ ጉጅለታት “ንውግእ ይሸባሸቡ” ስለ ዝነበሩን በዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ልዕሊ ናይ ሮማ ናይ ሰላም ዘተ እገዳ ንኸንብሩ ከም ዘገደዶም ገሊጾም፥ እቲ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ናብ ደቡብ ሱዳን ንፈለማ ግዜ ብምዃኑ “ታሪኻዊ ምዕራፍ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ስለ እቲ ዘካይድዎ ዑደት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም። “ኣብ ልዕሊ ሃገርን ናይ ሰላምን ዘተ እወታዊ ጽልዋ ዝድግፍ ሃገራዊ ሕልናና ሰላምን ደቡብ ሱዳን ዘነቓቕሕ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መንፈሳዊ ሱባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኹሎም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ መራሕቲ ናይ ተቓወምቲ ጉጅለታትን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ዘሳተፈ ምእንቲ ሰላም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝኣመተ “2019 ዓ.ም. ዝጸውዕዎ መንፈሳዊ ሱባኤ” ዘኪሮም፥ “ኣብቲ እዋን ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ቅዱስነቶም ትሕት ቢሎም ተንበርኪኾም ሰላም ግበሩ በጃኻትኩም እናበሉ ኣእጋርና ክስዕሙ ዝተራእየ ምልክት” ዘይርሳዕ እዩ። እቲ ፍልዩ ምልክት ድማ ባኺኑ ኣይክተርፍን እዩ። ሎሚ ኣነን ዶክተር ሪክ (ምኽትል ርእሰ ብሔር ድቡብ ሱዳን) ነቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ዝኸተምናዮ ናይ ሰላም ስምምዕ ዳግማይ ህያው ንምግባር ንምትግባርን ብሓባር ንዓዪ ኣሎና።

ብድሌት ንኹሉ ዝሓቁፍ ፖለቲካዊ መስርሕ ተመሪሖም ድማ እቲ ናይ 2022 ዓ.ም. ፍኖተ ካርተት ዘመልክቶ መሰጋገሪ እዋን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም ንዕስራን ኣርባዕተን ኣዋርሕ ክናዋሕ ከም ዝገበሩን ነዚ ዝገበርና ድማ ንገዛእ ራስና ግዜ ንምሃብን ተኣማንን ግልጹን ምርጫ ንምክያድ ዘፍቅድ ትካላት ንምፍጣር መታን ክንክእል እዩ፡ . . . እቲ ፎኖተ ካርተት ንፖለቲካዊ ብስለት ዘተባብዕ ምልክት እውን እዩ” እንክብሉ ኣብሪሆም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ኪር፥ “እቲ ፍኖተ ካርተት ኣብ ዳግመ ህያው ስምምዕ ሰላም ዘይተፈጸሙ ድንጋገታት ንምቅልጣፍ ንምትግባርን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቐዲምና ዝረኸብናዮ ዓወታት ልዑል ሓይሊ ኮይኑ ንቕድሚት ንኽንብል ዝድርኸና እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

04 February 2023, 16:20