ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት 'ክብሪሰብ ይድውን’
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ነዚ "ዘሕፍር መዓት" ክብሉ ዝሰመይዎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ወይውን ንግድ ደቂሰባት ንምምካት ጻውዒት እንከቅርቡ፡ "ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ዝድውን" ክብሉ ከምዝነቀፍዎ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።
ሎምዘመን ንታሽዓይ ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ዓለለኸ መዓልቲ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ወይውን ንግድ ደቂ ሰባት ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ርእየት ወይውን ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ትማሊ ረቡዕ 8 ለካቲት ኣብ ዝኽሪ በዓል ናይታ ባዕላ ግዳይ ንግድ ባርነት ዝኾነ ቅድስቲ ዮሴፊን ባኪታ ተዘርጊሑ።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይዛ ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንመጀመርያ ግዜ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣቢላ ኣብ 2015 ዓ.ም. እያ ኣዊጃቶ። ቅድስት ጆሴፊን ባኪታ፡ ከኣ ሓላዊትን ጠበቃን ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክትከውን ወሰነት።
ኣብቲ ግዜ ኣዋጅ ቅዱስነቶም ናይ ምሉእ ዓለም ጠቅለልቲ ኣሕሉቅ ሕብረታት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓዲሞም ከምዝነበሩ እውን ዝዝከር እዩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት እውን ብወገኑ ብፍሉይ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለምለኸ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዓመት መጸ ዕለት 30 ሓምለ የኽብር።
ብኽብሪ ምጉዓዝ!
ቅዱስነቶም ኣብ መልኽቶም ነቲ ንሎምዘመን ዝበዓል ዓለምለኸ ዕለተ መንእሰያት ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ማለት "ጉዕዞ ብኽብሪ" ዝብል እዚ ከኣ መንእሰያት ከም ቀንዲ ተዋሳእቲ ንኩሎም ዘሳትፍ ክኸውን ከምዝኾነ ብምዝካር ጀሚሮም።
ቅዱስነቶም ንመንእሰያት ብፍሉይ መንገዲ ዝምልከት ቃል ኣብ ዘስምዕዎ "ንኽብሪ ግርማኹም፡ ናትኩምን ናይ ነፍሲ ወከፍ እትረኽብዎ ሰብን ክትሓልዩ ሓደራ" ብማለት ኣተባቢዖም።
ክብረት ደቂ ሰባት ንምሕላውን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ተወፋይነት ንክህልዎም ከኣ "ተስፋ ህያው ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ንሓጎስ'ውን ህያው ምግባር ምወሰኽኩሉ፡ እዚ ድማ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልብኹም ክትዕቅቡ እዕድመኩም ኣለኹ፡ ምኽንያቱ እቲ ሓቀኛ ሓጎስ ክርስቶስ እዩ!" እንክብሉ ንንግድ ደቂሰባት ዝነቅፍ ነዚ ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ብቐሊል ዝምልመሉ፣ ብቁጠባዊ ቅልውላው፣ ኩናት፣ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ብዙሕ ዓይነት ዘይምርግጋእን ዝደኸዩ ሰባት ምዃኖም ቅዱስነቶም ይጠቅሱ። ብተወሳኺ ንደቂ ኣንስትዮን፣ ህጻናትን ስደተኛታትን ዒላማ ምግባሩ ብትሪ ይነቅፍዎ።
ተራ ወይውን ግደ መንእሰያት!
ኣብ ጽንኩር እዋን እንተነበርና እውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ "ኩላትና ብፍላይ መንእሰያት ሓይልና ክንጥርንፍ መርበባት ግብረሰናይ ክንሃንጽን ክነስፍሕን፡ ካብ ክርስቶስን ወንጌሉን ዝመጽእ ብርሃን ክንዝርግሕ ንግደድ" ኢሎምም።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም መንእሰያት "ከም ልኡካን ሓለው ክብሪ ግርማ ወዲሰብ፡ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ኩሉ ዓይነት ምዝመዛን ክቃለሱ’’ ኣተሓሳሲቦም።
ምክልኻል 'ዘሕፍር መዓት'!
ቅዱስነቶም እዚ ፍሉይ ዓመት እዚ ፍሉይ ተሳትፎ መንእሰያት ከም ዝጽውዑ ብምዝኽኻር "ንኻልኦት መንእሰያት በረኸት ክኾኑ" ከምዚ ክብሉ ሓደራ ቢሎም።
ብቅምጻል ጸረ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ተግባራት ከስፋሕፍሑን፡ "ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም" ክጓዓዙን፡ "ንሕብረተሰብ ናብ ምልዋጥ ልብን ናብ ንኹሉ ዝሓቁፍ ሕብረተሰብ ዝመርሕ ናይ ርክብ ባህሊ ንምህናጽን፡ ንጽልዋታት ከግህዱን መሰል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክሕ ክከኣልን" ሓደራ ብማለት ኣተባቢዖም።
ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብሓባር ምጉዓዝ!
ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ምስ "ብጾታዊ ዓመጽን ምዝመዛ ዕዮን ዝዓነዉ" "ስደተኛታትን፡ ተመዛበልትን፡ ብሰላም ከም ስድራቤት ዝነብሩሉ ቦታ ዝደልዩን" ክቐርቡ እውን ኣተሓሳሲቦም።
ብትብዓት ዋጋ ሰብኣዊ ክብሪ ደጊሞም ከረጋግጹን ንቕድሚት ክኸዱን ከኣ ከምዚ ክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ለገሱ።