ድለ

2023.02.04 ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም! 2023.02.04 ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!

ንስኹም እትሳቐዩ ዘለኹም ህዝቢ . . . ንኽፋእ ብኽፋእ ክትምልሱ ዘይትደልዩ ሕውነትን ይቕረ ምባልን ዝመረጽኩም . . . እዚ ዝሓሸ ጽባሕ ዝሃንጹ ሓይልዅም እዩ።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ሰናይ ቀትሪ
ስለ ዘጸሎትኩምን ምስክርነትኩምን መዛሙራትኩምን የቐንየለይ! እዚ ርክብ ከካይድን ገጽ ንገጽ ንኽረኸበኩም ሰላም ክብለኩምን ክሓቕፎኩምን ኣናዐበየ ዝኸደ ናይ ነዊሕ ኣዋን ድሌተ እዩ ዝነበረ፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ኣሕዋተይ (ናይ ክተንረበርይ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ስኮዝያ ቤተ ክርስቲያን ሓፈሻዊ ኣካያዲ ጉባኤ መጋቤን) መራሕቲ ኣቢያተ ክርስትያን ንናይ ሓባር ንግደት ሰላም ኣብዚ ንርከብ፡ ኵሉ ቅርበተይ ፍቕረይ እገልጸልኩም፡ ምሳኹም እየ፡ ስቓይኩም ድማ ስቓየይ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዮሴፍ ኣብ ዝሃብካዮ ምስክርነት ስለምንታይ ኣብ መዓስክር ተመዛበልቲ ንርከብን ንሳቐን ስለምንታይ? ዝብል፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣክንዲ ዝኸዱን ከም መንእሰይ ኣብ ጽቡቕ ቦታ ካጻወቱን ክራኸቡን ዝዕንቅጾም ዝብል ኣብ ዝሃብካዮ ምስክርነት ዘቕረብካዮ ሕቶ ናይ ብዙሓት እዩ. . . ባዕልኻ እውን መሊስካዮ ኢኻ፥ ብሰንኪ ዓመጽ ደቂ ሰባት ከምኡ እውን ብሰንኪ ውሕጅ ዘስዕቦ ዕንወት “ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ከማኻ ዝኣመሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሓት ቆልዑ ዘለወን ኣዴታት ሓዊስካ መሬቶም ኣባይቶም ዓድታቶምን ክገድፉ ይግደዱ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብዛ ብኲናት ዝተሃሰየት ሃገር ምምዝባልን ስደትን ሓባራዊ ተመክሮ ምዃኑ እዩ።”
ስለዚ እየ ድማ ሰባት ብኽብሪ ናብ ምንባር ክምለሱን ኩሉ ግርጭት ከብቅዕን መስርሕ ሰላም ብዕቱብ መገዲ ክብገስን ብሓይልን ልባውን ጽውዒት ዘቕርብ . . . ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ፍትሕን ጥራይ እዩ ልምዓትን ማሕበራዊ ዳግመ ውህደት ክህሉ ዝኽእል . . . ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተወልዱ ቆልዑ መዓስከራት ተመዛበልቲ ጥራይ እዮም ዝፈልጡ። . . . እዚ ኸኣ ባህልኻን ሱርካን ታሪኽካን ክትስእን ዝገብር ኩነት እዩ . . .
መጻኢ ኣብ መዓስከራት ተመዛበልትን ስደተይናታትን ክኸውን ፍጹም ኣይክእል። ከምቲ ጆንሰን ኣብ ዝሃብውካዮ ምስክርነት ዝበልካዮ . . . ኩሎም ከማኻ ዝኣመሰሉ ቆልዑ ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡን ዝጻወትሉ ሜዳ ክህልዎም የድሊ! ነቲ ናይ ውህደት ብድሆታት ሓቝፍካ ሓደ ህዝቢ ክፍጠርን ንዅሉ ከከም ቋንቁኡን ባህሉን ግን ኣብ ሓደ ዝሓቁፍ ሕበረተሰብ፥ እዚ ማለት ነቶም ካባኻ ዝተፈልዩ ምፍላጥን ምቕባልን . . . ጽባቔ ናይ ሓደ ዝተዓረቐ ሕውነት ምርካብን ምስ ናይ መላእ ሕብረተሰብ መጻኢ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብናጽነት ምቕራጽን . . . ነዚ ኩሉ ብድሆታት ንምግጣም ግና ሰላም ይድሊ . . . ።

ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!

ምኽትል ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ፡ ነባርን ኣተሓባባሪት ሰብኣዊ ሓገዛትን ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ሳራ በይሶሎቭ ንያንቲ ከም ዝሓበራና ኣብዛ ሃገር ዘሎ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሚሊዮን ህጻናት ተመዛበልቲ ከም ዘለዉን ሕጽረት መግቢ ንኽልተ ሲሶ ህዝቢ ዝጸሉ ምዃኑን ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብዚ ዓመት እዚ ከጋጥም ከም ዝክእል እውን ትንበያታት ከም ዘሎ ነጊረናና፥ ብሓቂ ብርሑቕ ኴይካ ኮፍ ቢልካ ትንታነ ማሕበረሰብ ምቕራብ ዘይኮነስ ኣብዚ ተረኺብክን ነቲ ዝሳቐን ዝጠመየን ህዝቢ ቀረባ ኴይንክን ቃንዛ ህዝብን ኣዴታትን ከም ዝተንከፍክን ዝሃብክንኦ ምስክርነት ብሓቂ ከብዲ ዝበልዕ ሕቶ ህላወ ዘለዓዕል እዩ . . . ምስ እዚ ኵሉ ዘሳቕይ ኩነት ፍሽኽታን ተስፋን ካብ ገጹ ዘይፍለዮ ህዝቢ ቢልክን ዘስመርክናሉ ሓሳብ ብሓቂ መንፈስካ ዘወዓውዕ እዩ . . .
ኵነታት ሱዳን ንምልዋጥ ደቂ ኣንስትዮን ኣዴታትን መፍትሕ እየን . . . ግቡእ ዕድላት እንተረኺበን ግን። . . . በጃኹም ንነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ንነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ኣደን ኣደ ዓባይን ሓልዉ . . . ኣኽብሩን ቢለ እልምነኩም። እንተዘይኮይኑ መጻኢ ኣይክህሉን እዩ!
. . . የዕንትኹም ዝደኸማ ግን ከኣ ድሙቓትን ተስፋ ዘየጥፍኣ ምዃነን እርእይ ኣለኹ . . ናይ ምጽላይን ምዝማርን ሓይሊ ዘየጥፍኣ ከናፍርኩም . . . ጥርሐን ዝኾና ኣእዳውኩም ግን ከኣ ብእምነት ዝተመልአ ልባትኩም እርእይ ኣለኹ . . ሓደራ ዝሓሸ መጻኢ ምሕላም ከይተቋርጹ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ርክብና ንተስፋ ኣኽናፍ ክንህብ ንፈቱ። ኣብ ጽንኩር ኩነታት ንኽትነብሩ ዝተገደድኩም፡ ከምቲ ካብ መኻን መሬትን ደረቕን ሓድሽ ዘርኢ ክበቁል ከም ዝክእል ተስፋ ንገብርን ንኣምንን . . .
ንስኹም እትሳቐዩ ዘለኹም ህዝቢ . . . ንኽፋእ ብኽፋእ ክትምልሱ ዘይትደልዩ ሕውነትን ይቕረ ምባልን ዝመረጽኩም . . . እዚ ዝሓሸ ጽባሕ ዝሃንጹ ሓይልዅም እዩ። . . . ዘርኢ ተስፋ ኩኑ፡ እቲ ንእሽቶ ግን ከኣ ዓቢይ ጽባሕ ብዙሕ ፍረ ዝህብ ገረብ ክነማዕድው ዘኽእለና እዩ። ሓቂ እዩ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዘይትደልይዎ ኩነታት ትነብሩ ኣለኹም ግን ካብዚ ናይ ጸገምን ዘይርጉጽነትን ኩነታት ኣብ ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ሱር ዝሰደድኩም ምዃንኩም ክትመሃሩን ካብዚ ጀሚርኩም ሓዳሽ ጅማሮ ክትገብሩ ኣለኩም፡ ኵላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሓደ ኣምላኽ ምዃንና ኣይትረስዑ . . .
. . . ብዛዕባ ዘርኢ ምዝራብ ነፍሲ ወከፍ ተኽሊ ካብ ዘርኢ ከም ዝበቁል የዘኻኽረና። . . . ሱር ፈጺሙ ክዝንጋዕ የብሉን። ምኽንያቱ ኣቦታት መን ምዃንናን መገድና እንታይ ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽሩና . . . ብዘይ ንሳቶም ንጠፍእን ንፈርሕን ልክዕ ኣልቦ ቡሶላ ምዃን ማለት እዩ። ሕሉፍ ዘይብሉ መጻኢ የሎን! ኣብ ደቡብ ሱዳን መንእሰያት ካብ ዛንታታት ኣረጋውያን ተረባሕቲ ኮይኖም ይዓብዩ እሞ ምዕራፍ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ዓመጽ እኳ እንተኾነ ካብ ገዛእ ርእስኹም ጀሚርኩም ሓድሽ ምዕራፍ ምጅማር ዝከኣል እዩ። ብሓቂ ኣድላዪ እዩ። ሕሉፍ ስቓይ ዘይርስዕ፡ ግን ከኣ ነቲ ሓጎስ ዝመልኦ ብርሃን ሕውነት ዘብርህ ሓደ ምዕራፍ ርክብን ዘተን ኣብ ጸብጻባት መዓት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ውዕዉዕ ድሌት ሰላም ዘተኮረ ምዕራፍ እዩ። . . . ስለቲ ሓይልኹምን ጽንዓትኩምን ከምኡ እውን ስለቲ ንእግዚኣብሔር ኣዝዩ ዘሐጉስን ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ህይወትኩም ዘሀብትም እትገብርዎ ሰናይ አመስግነኩም!

ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!
ር.ሊ.ጳ. ንተመዛበልቲ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን: ዘርኢ ዳግማይ ልደት መሬትኩም ኢኻትኩም!

ብተወሳኺ ንዅሎም እቶም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኩነታት ጸገም ግን ከኣ ኣብ ህጹጽ ኩነታት እውን ንዝሕግዝኹም ከመስግኖም እፈትው። ማሕበረሰብ ክርስቲያን ንዝገብሮ ጻዕሪ ልኡካነ ወንጌልን ንሰብኣውን ኣህጉራዊ ትካላትን ብፍላይ ድማ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለቲ ዝገብሮ ኣገዳሲ ዕዮ አመስግኖም`፣ . . . ነቶም ኣብ ህይወቶም ኣብ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ተዋፊሮም መስዋዕቲ ዝኾኑ ብኽብሪ እዝክር። ዕላማ መጥቓዕትን ዕንወትን ክኾኑ የብሎምን! ሓገዛት ንምዕባለ ኣገዳሲ ምዃኑ እኣምን ምእንቲ ዝያዳ ናጻ ዕብየት ንምምችቻእ። ንደቡብ ሱዳን ክንሕግዝ ድማ ብልቢ ንኹሉ እላበው። . . .
ነቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ደቂ ደቡብ ሱዳን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይኽእሉ ክዝክር እፈቱ። መጻኢ ሃገሮም ቅርጺ ኣብ ምትሓዝ ንጡፍ ተራ ክጻወቱ አተባብዖም። . . . ንያኩር ረበካ ንደቂ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ቡራኬ ሓቲትክኒ። ልክዕ ኩላትኩም ብሰላም ብሓባር ምእንቲ ክትዓብዩ። እቲ በረኸት ድማ ምስ ኣሕዋተይ ጃስቲንን ኢያንን ብሓባር ዝህቦ ስለ ዝኸውን ኣዚዩ ፍሉይ ክኸውን እዩ። ምስኡ ድማ በረኸት ናይ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይመጽእ። . . . እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
 

04 February 2023, 16:52