ድለ

ናብቶም ዝተላእኽኩምሎም ንክርስቶስ እምበር ንገዛእ ርእስኹም ኣይተቅርቡ! ር.ሊ.ጳ ንውለደ ክህነት ኮንጎ

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ኮንጎ ኣብ ዝገብርዎ ሓውጾተ ኖልዎ ምስ ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ዘርኣምንኩስናን ናይቲ ዓዲ ተራኺቦም ኣብ ዝለገሥዎ ማዕዳ ‘ንቤተክርስትያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተድልይዋ ኢኹም! ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ሕይወትኩም ኣንብሩ! ናይ ሓጎስ ወንጌል መሰኻኽር ኩኑ! ናብቶም ዝተላኣኽኩምሎም ንክርስቶስ እምበር ገዛእ ርእስኹም ከይተቅርቡ ሓደራ’ እንክብሉ ነዚ መልእኽቲ እዚ ኣቅረቡሎም።

“[ ዝኸበርኩም ኣሕዋት ካህናትን ዲያቆናትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን! ዝኸበርኩም ሰብውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን! ደሓንዶ ኣምሲኹም፣ ርሑስ በዓል! ሎሚ ኣብዚ ስለ ሰብ ውፉይ ሕይወት ብፍሉይ መንገዲ እንጽልየሉ ዕለት በዓለ በኣቱ ለእግዚእነ ምሳኻትኩም ብምህላወይ ሕጉስ እየ። ከም ስምኦን ነቢይ ኩላትና ብርሃን እግዚኣብሔር ጸልማት ሕይወትና ከብርህ ንጽበ ኣሎና። ካብኡ ንላዕሊ ድማ ኩላትና ከምቲ ስምኦን ኣብ ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ዘሕለፎ ተመክሮ ክህልወና ማለት ንኢየሱስ ኣብ ሕቑፍና ክንሕዞ ሃረር ንብል። ንኢየሱስ ኣብ ሕቑፍና ብምሓዝ ከኣ ብዛዕባኡ ከም እነስተንትንን ናብ ልብና ኣቅሪብና ክንሕዞን የኽእለና። ንኢየሱስ ኣብ ማእከል ሕይወትና ምስ እነቐምጦ ኣረኣእያና ይቕየር፣ ምስ ኩሉ ጻዕርናን ጸገማትናን ከኣ ብብርሃኑ ዝተሸፈና፣ ብመንፈሱ ዝተጸናንዕና፣ ብቃሉ ዝተተባባዕና ብፍቕሩ ዝተደገፍና ኮይኑ ይስምዓና። ነዚ ክብል ከለኹ፡ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ኣምቦንጎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃላት እሓስብ፡ ስለዚ ድማ አመስግኖም። ብፁዕነቶም ነቶም ኣብዛ “ብከቢድ መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ሓደገኛ ዝኾነ ኩነታት”ን ብዓቢ ስቓይን እትልለ መሬትኩም ንጸዋዕታ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ብዓቢይ ተወፋይነት ዝነብሩ ሰባት ዘጋጥሞም “ዓቢ ብድሆታት” ኣመልኪቶም። እንተኾነ ግን ከምቲ ቀጺሎም ዘመልከትዎ ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ዓቢ ሓጎስ ኣሎ፣ ከምኡ እውን ጸዋዕታታት ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ብዙሕ እዩ። እዚ ድማ ሳላ እቲ ብትኽክል ኣብ ድኻምነት ደቂሰባት ዝሰርሕ ብዝሒ ጸጋ ኣምላኽ እዩ (2ቆሮ 12፡9)፡ እዚ ጸጋ እዚ ምስቶም ዓለማውያን ምእመናን ሓቢርኩም ኣብቲ ህዝብኹም ዝነብረሉ መብዛሕትኡ ግዜ መሪር ኩነታት ተስፋ ክትፈጥሩ ከም እትኽእሉ ዝገብረኩምዓቢ ህያብ ጐይታ እዩ። እዚ ርግጸኝነትና’ዚ፡ ኣብ ማእከል ጸገማት’ውን እንተኾነ፡ ካብ ተኣማንነት ኣምላኽ ዝተወልደ ህያብ’ዩ። ብነቢይ ኢሳይያስ ኣቢሉ “ኣብ በረኻ ሰፊሕ ጐዳና፡ ኣብ ምድረበዳ እውን ወሓይዝ ከምዝውሕዙ ክገብር እየ” ይብል (43፡19)። ካብተን ቃላት ኢሳይያስ ጀሚረ ገለ ኣስተንትኖታት ከቕርበልኩም ሓሲበ። ኣምላኽ ኣብ ማእከል በረኻታትና ሓዲስ ጐዳናታት ይኸፍት፡ ንሕና ድማ ከም ሥልጣን ክህነት ዝተቀበልና ኣገልገልትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኰና ፍጻሜ ናይዚ መብጽዓ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ምልክት ክንከውን ተጸዊዕና ኣለና። እንተኾነ ብጭቡጥ እንተተመልከትና ንህዝቢ ከም መሰኻኽር ፍቕሪ ኣምላኽ ከነገልግል እንተዘይኮይኑ እንታይ ክንገብር ተጸዊዕና? ቢልና ምስ እንሓትት ኢሳያስ ነቢይ ነዙይ ብከመይ ከምእንገብሮ ንክንርዳእ ክሕግዘና እዩ። እስራኤላውያን ናብ ባቢሎን ተሰዲዶም ኣደዳ ባርነት ኮይኖምሉ ኣብ ዝነበሩ ግዜ፡ እግዚኣብሔር ብቓላት ነብዪ ገቢሩ ንህዝቡ ኣብቲ ዜሕዝን ይዛረቦም። ኣምላኽ ብርህራሄ ተደሪኹ ከጸናንዖም ይደሊ። ብርግጽ እዚ ክፍሊ ኢሳይያስ “መጽሓፍ ምጽንናዕ” ተባሂሉ ይጽዋዕ፣ ምኽንያቱ ከኣ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ናይ ተስፋ ቃላትን መብጽዓ ድሕነትን ስለ ዝዛረብ እዩ። ፈለማ፡ ነቲ ምስ ህዝቡ ዝኣሰሮ ማእሰር ፍቕሪ ይዝክር: “ኣነ ተበጂየካ እየ እሞ ኣይትፍራህ። ብስምካ ጸዊዐካ ኣለኹ፡ ናተይ ኢኻ። ብማያት ምስ ሓለፍኩም ኣነ ምሳኹም ክኸውን እየ፤ ብወሓይዝ ኣቢሎም ድማ ኣይኪስዕሩኻን እዮም፤ ብሓዊ ክትመላለስ ከለኻ ኣይክትቃጸልን ኢኻ፡ እቲ ሃልሃልታውን ኣይክበልዓካን እዩ” (43፡1-2) ከኣ ይብል። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ርህራሄ ምዃኑ ይገልጽ፡ ፈጺሙ ከም ዘይሓድገና ድማ የረጋግጸልና። ንሱ ኣብ ጸገማት መዕቆብን ሓይልን ክኸውን ወትሩ ኣብ ​​ጎንና እዩ። ዝኸበርኩም ካህናትን ዲያቆናትን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ተመሃሮ ዘርኣክህነትን: እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ኣቢሉ ሎሚ እውን ንህዝቡ ብናይ ምጽንናዕን ተስፋን ዘይቲ ክቐብኦም ይደሊ ኣሎ። ነዚ መብጽዓ እግዚኣብሔር ከተቃልሑ፡ ንኻልኦት ንሱ ከም ዝፈጠረናን ንሕና ድማ ናቱ ምዃንናን ከተዘኻኽሩንን፡ ነቲ ሕብረተሰብ ብእምነት ናብቲ ኩሉ ግዜ ኣብ ጎንና ዝኸይድ ጉዕዞ ጐይታ ክጸንዕ ከተተባብዑን ከተሰንዩን ተጸዊዕኩም ኣለኹም። እግዚኣብሔር ማያት ክውሕጡና፣ ሓዊ እውን ክበልዓና ኣይፈቅድን እዩ። ነዚ መልእኽቲ’ዚ ኣብ ማእከል መከራ ሰባት ክንእውጅ ከም ዝተጸዋዕና ነስተውዕል። ኣገልገልቲ ህዝቢ ምዃን ማለት ከኣ እዚ እዩ። ምስ ኢየሱስ ሓራ ዘውጽእ ርክብ ሓጐስ ዝፈለጡን ሕጂ እውን ንኻልኦት ዘቕርቡን ካህናትን ኣሓትን ሚስዮናውያንን ምዃን ማለት እዚ እዩ። እንተኾነ ንሕና ባዕልና ኣብዚ ከነገልግሎም ካብ ዘለና፡ ሰባት ከገልግሉና ኣለዉ ኢልና ክንሓስብ ምስ እንጅምር፡ ክህነትን ውፉይ ሕይወትን ከም ዝደርቅ ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። ጸዋዕታና ማንም ሞያ፡ ወይውን ማሕበራዊ መርገጺ፡ ወይ ኣብ ገዛና ንዘለና ስድራቤታዊ ጒድለታት ንምምላእ ዝሕግዝ መሳርሒ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ከም ምልክት ህላወ ክርስቶስ ኮይኑ፡ ነቲ ምንም ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሩ፡ ዕርቁን ይቕረታኡን፡ ከምኡ’ውን ንጠለባት ድኻታት ብርህራሄ ዝግደስ ሓልዮት ኰይኑ ክዋሳእ እንቅበሎ ተልእኮ እዩ። ንሕይወትና ምእንቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነወፊ፡ ነቲ በይኑ ናይ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ቁስሊ ዝፍውስ ኢየሱስ ከነምጽኣሎም ኢና ተጸዊዕና። ጸዋዕታና ኸምዚ ዚኣመሰለ ተመኲሮ ክገብር እንተኣፍቂድና፡ ኩሉ ግዜ ክንገጥሞ ዝግበኣና ብድሆታትን ክንሰግሮ ዝግበኣና ፈተናታትን ክህልወና እዩ። ካብዚኦም ሕጽር ብዝበለ መንገዲ ኣብ ሰለስተ ከድህብ ምደለኹ፡ መንፈሳዊ ላንጋላንጋነት፡ ዓለማዊ ምጽንናዕን ከማኡ እውን ኣፍኣውነት ወይውን ጥምዓውነትን ዝብላ ክንምልከት ኢና። ብመጀመርታ ክነሸንፎ ዘሎና መንፈሳዊ ላንጋላንጋነት እዩ። ነዚ ብከመይ ንገብሮ? ቢልና እንተሓተትና እዚ ሎሚ ነብዕሎ ዘሎና በዓለ በኣቱ ምብራቃዊ ክርስትና “በዓል ምርኻብ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ከኣ ኣብ ሕይወትና ቀዳምነት ዝወሃቦ ምስ ጎይታ ምርኻብና ብፍላይ ኣብ ውልቃዊ ጸሎት ክኸውን ከም ዘለዎ የዘኻኽረና፡ ምኽንያቱ ከኣ ምስኡ ዘለና ርክብ ናይ ኩሉ እንገብሮ ነገራት መሰረት ስለ ዝኾነ እዩ። ምስጢር ኩሉ ነገር ጸሎት ምዃኑ ፈጺምና ኣይንረስዕ! ምኽንያቱ ድማ ኣገልግሎትን ሓዋርያዊነትን ብቐንዱ ናይ ገዛእ ርእስና ስራሕ ስለዘይኮነን ኣብ ዓቕሚ ሰብ ጥራይ ስለዘይምርኮስን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም እወ ሓቅኹም ኢኹም እንተኾነ ግን ቀዳምነት ክንህቦም ዘሎና ዕዮታት ማለት ሓዋርያዊ ግብረ ተልኾን ጻዕርን ድኻምን ንጸሎት ዝኸውን ውሑድ ግዜን ጉልበትን ናይ ምፍቃድ ሓደጋ ከጋጥም ይኽእል እዩ ክብለኒ ይኽል። ስለዚ ከኣ እየ ቁሩብ ምኽርታት ከካፍለኩም ዝደለኹ። ብቐዳምነት ካብ ቅዳሴ ጀሚርካ ክሳብ ጸሎት ሰዓታት ወይውን ዳዊት ምድጋም ዘሎ ንነፍሲወከፍ ዕለት ዝሥራዕ ሥርዓተ ኣምልኾኣዊ ቅኒት ጸሎት እሙናት ኮይንና ንቕጽል። ዕለታዊ ምሥራዕ ቅዱስ ቊባን ህርመት ልቢ ክህነታውን ገዳማውን ሕይወት እዩ። ጸሎተ ሰዓታት ምስ ቤተ ክርስቲያንን ብስሩዕን ክንጽሊ የኽእለና: ነዚ ፈጺምና ሸለል ኣይንበሎ! ከማኡ እውን ንኑዛዜ ሸለል ኣይንበሎ። ኣብ ልዕሊኻልኦት ምሕረት ክነውሕዝ ኩሉ ግዜ ይቕረ ክንበሃል የድልየና እዩ። ሕጂ ድማ ናብታ ካልኣይቲ ምኽሪ ክንሰግር። ኩላትና ከም እንፈልጦ ንነፍስና ጸሎት ኣብ ምድጋም ጥራይ ክንድርታ ኣይንኽእልን ኢና፣ እንታይ ደኣ ምስ ጎይታና “ልቢ ንልቢ” ንክንዋሳእ፣ ዕለት ዕለት ጽዑቕ ጸሎት እንገብረሉ ግዜ ክንምድብ ኣሎና። እዚ ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ብምግባር ወይውን ቃል ኣምላኽ ብምስትንታን ወይውን ጸሎተ መቊጸርያ ብምድጋም ክናዋሕ ይኽል። ቀንዲ ውራይ ምስቲ ልዕሊ ኩሉ እንፈትዎ ሓቢርካ ናይ ምጽናሕ ግዜ ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ኣብ ማእከል ዝተፈላለዩ ዕለታዊ ንጥፈት እውን እንተኾነ ኩሉ ግዜ ናብ ጸሎት ልቢ፡ ናብ ሓጸርቲ “ሃረርታት”፡ ቃላት ውዳሴ፡ ምስጋናን ጸሎትን፡ ግዜ ኣብ ዝረኸብናዮ ናብ ጐይታ ክነቅርብ ንኽእል ኢና። ጸሎት ትኹረት ገዛእ ርእስና የወግደልና፡ ንኣምላኽ ክፉታት ከምንኸውን ይብረና፡ ኣብ ኢዱ ጐይታ ስለዘንብረና ከኣ ብክልተ እግርና ደው ከም እንብል ይገብረና። ቅርበት ኣምላኽ ከነስተማቕር እንኽእለሉ ቦታ ይፈጥር፣ በዚ ከኣ ቃሉ ንዓናስ ይኹን ነቶም እንረኽቦም ሰባት ብኣና ኣቢሉ ይፍለጥ። ብዘይ ጸሎት ኣብ እንበጽሖ የብልናን። ኣብ መወዳእታ መንፈሳዊ ላንጋላንጋነት ንምሽናፍ ንእመቤትናን ኣዴናን ቅድስት ድንግል ማርያም ምጽዋዕ ፈጺምና ኣይንሰልቹ፣ ካብኣ ተማሂርና ንኢየሱስ ከነስተንትንን ክንስዕቦን ኢና። እቲ ካልኣይ ብድሆ ድማ ንፈተና ናይቲ ፍዂስ ዝበለ መነባብሮ ሃረር እትብለሉ ዓለማዊ ምቾት፡ ምሽናፍ የድሊ። በዚ ፈተና እዚ ይውሓድ ይብዛሕ ጒዳያትና ሠሪዕና ድሕር ቢልና ኣስተርሕና ደው ንብል፣ ናይ ገዛእ ርእስና ምቾት እናደለና ኸኣ ብዘይ ምንም ኣተና ተጎቲትና ንኸይድ። በዚ መንገዲ’ዚ፡ ንባዕሉ ሕመረት ተልእኾና ንስእን፡ ከመይ ቀንዲ ተልኾና ንኣነነትና ንድሕሪት ገዲፍና፡ ብስም ኣምላኽ፡ “ስነ-ጥበብ ቅርበት” እግዚአብሔር እናተለማመድና ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገጽና ምንቃል እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ኩነታት ድኽነትን መከራን፡ ዓቢ ሓደጋ ዓለማውነት ኣሎ፡ ማለት ንናይ ገዛእ ርእስና ድሌታትን ምቾትን ንምምላእ፡ ንክንብለጽ ነቲ መርገጺና ክንጥቀመሉ ንኽእል። ኣብ ክንዲ ወንጌል ነገልግል፡ ፋይናንስ ምምሕዳርን ንገዛእ ርእስና ገለ መኽሰብ ዘለዎ ንግዲ ንምግባርን እንክንጭነቕ እሞ ኣብ ገዛእ ርስእስና ተዓጺና ዝሑላት ናይ ምሕደራ ሠራሕተኛታት መንፈስ ክንከውን ከለና ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። እዚ ኣብ ህይወት ካህን ወይ ገዳማዊ ክኸውን ከሎ ዓቢ ዕንቅፋት እዩ፣ ኣብ ክንድኡስ ኣርኣያ ልቦናን ውሽጣዊ ናጽነትን ክኾኑ ይግባእ። ብኣንጻሩ ኣብ ዕላማና ግሉጽነት ተላቢስና ብገንዘብ ካብ ምምርሳሕ ነጻ ኮይንና፡ ብሓጎስ ወንጌላዊ ድኽነት ሓቚፍና፡ ምስ ድኻታት ጎኒ ንጎኒ ምስራሕ ክንደይ ኮን ጽቡቕ እዩ! ከምኡ’ውን ኣብ ንንጽሕናና ከም ምልክት ምሉእ ብምሉእ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝተወፈየ ዘንጸባርቅ ናብራ ምግባሩ ክንደይ ኮን ጽቡቕ እዩ! እቲ ካብ ካልኦት፡ ከምኡ’ውን ካብ መላእ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ክንምንቍሶ እንደሊ ርኽሰት፡ ኣብ መወዳእታ ኣባና ሱር ክሰድድ ኣይግባእን። በጃኹም ካብ ዓለማዊ ምጽንናዕ ንጠንቀቕ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሳልሳይ ብድሆ፡ ንኣፍውነት ወይውን ጥምዓውነት ዝምልከት ፈተና ምብዳህ እዩ። ሕዝበ እግዚኣብሔር ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዑን ኣብ ቃል ጐይታ ምጽንናዕ ክረኽቡን ይጽበዩ ኣለዉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ዝተማህሩን ጽቡቕ ዝሰልጠኑን ርሱን ፍቅሪ ወንጌል ዘለዎምን ካህናትን ገዳማውያንን የድልይዎም። ኣብ ኢድና ህያብ ተቐሚጡ ኣሎ፣ ነቲ ኣምላኽ ዝጸውዓና ተልእኾ ዕለት ዕለት ኣብ ገዛእ ርእስና ከይሰራሕናን ብዘይ እኹል መንፈሳውን ንባበ-መለኮታውን ኩስኰሳን ተልኮና ክንፍጽሞ ንኽእል ኢና ኢልና እንተሓሲብና ትዕቢት ምኾነ። ሰባት ንሕና ኣካዳሚያዊ ዲግሪ እንውንን ግን ከኣ ካብ ተራ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝተነጸሉ፣ “ቅዱሳት ሰብ ውዕለት” ክንኮነሎም ኣይደልዩን እዮም። ብርግጽ ኣብ ልቢ ክርስትያናዊ ምስጢር ክንኣቱ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ዘለና ርድኢት ከነዕምቖ፡ ቃል ኣምላኽ ከነጽንዕን ከነስተንትንን ግዴታ ኣሎና። ማዕረ ማዕሪኡ ግን፡ ህይወት ሰባትን ድሌታትን ሰባት ንምርዳእ፡ ከምኡ’ውን ብኸመይ ኢድና ሒዝና ብዝበለጸ ከም እንዕጅቦም ንምግንዛብ፡ ንጸገማት ዘመንናን ነቲ እናተሓላለኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕቶታት ዘመንናን ክፉታት ክንከውን ኣሎና። ካብዚ ዝስዕብ ድማ ኲስኰሳ ካህናት ኣማራጺ ተወሳኺ ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። እዚ ንተመሃሮ ዘርኣክህነት እየ ዝብሎ ዘሎኹ፡ እንተኾነ ንኹሉ ግን ዝምልከት እዩ። ኲስኰሳ ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ፤ ኣብ ምሉእ ህይወትና ክቕጽል ኣለዎ። ኣገልግሎት ኣድማዒ ዝኸውን ብምስክርነት እንተመጺኡ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንሰባት ከም መሰኻኽር ፍቕሪ ኣምላኽ ከነገልግሎም እንተ ደሊና ነዚ ብድሆታት እዚ ክንገጥሞም ኣሎና። እግዚኣብሄር ናይ ምጽንናዕ ቃላት ድሕሪ ምእዋጁ፡ ብኢሳይያስ ነቢይ ገቢሩ ከምዚ ይብል፡ “ካባታቶም መን እዩ ነዚ ዘበሰረ፡ ነቲ ቐዳማይ ነገርውን ዝነገረና፧ ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” (43፡9, 10)። መሰኻኽር ይብሎም። ሕያዎት ካህናትን ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ንምዃን ቃላትን ሠናይ ድልየትን በይኑ እኹል ኣይኮነን። ህይወትኩም ካብ ቃላትኩም ዓው ኢሉ ክዛረብ ኣለዎ። ዝኸበርኩም ኣሕዋተይ፡ ምኽንያቱ ድማ ንስኻትኩም ምልክታት ናይቲ ኣብ ጎደናታት እዛ ሃገር ዝዘውር፡ ህይወት ሰባት ዝትንክፍን ቁስሎም ዝዝንን ኢየሱስ ህላወ ዝኾንኩም ክጥምተኩም ከለኹ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ። ምስናይዚ ግን “እወ” ክብሉዎ ዝኽእሉ መንእሰያት፡ ብህይወቶም ጽባቐኡ ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ካህናትን ገዳማውያንን ገና የድልዩ ኣለው። ኣብ ዘቅረብኩምዎ ምስክርነታትኩም፡ ኣብዛ ብተፈጥሮኣዊ ጽባቐን ጸጋታትን ሃብታም ዝኾነት፡ እንተኾነ ግን ብምዝመዛን፡ ብልሽውናን፡ ዓመጽን በደልን ዝተጎድአት መሬት፡ ተልእኮኹም ክትፍጽሙ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ኣዘኻኺርኩምኒ። ምስናይዚ ግን ብዛዕባ ምሳሌ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ከምኡ’ውን ኢየሱስ ኣብ ጎደናታትና ብፍላይ ድማ ብቤተ ክርስቲያኑ ኣቢሉ ከመይ ጌሩ ከም ዝዘውርን ንቁስሊ ናይቶም ዝተጨቁኑ ንምክንኻን ደው ከም ዝብልን ገሊጽኩም። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እቲ ዝተጸዋዕኩምሉ ኣገልግሎት ልክዕ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣብ ማእከል ድቅድቅ ጸልማት ተከቢቡ ዘሎ ብቐጻሊ ዝበርህ ብርሃን ቅርበትን ምጽንናዕን ንምውፋይ እዩ። ከምኡ’ውን ንኹሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃን፡ ብፍላይ ድማ ነንሕድሕድኩም፡ መሰኻኽር ሕውነት እምበር፡ ኣብ ግጭት ፈጺሞም ዘይኣትው፤ ናይ ሰላም መሰኻኽር ኮይኖም፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህልታትን ብሄራትን ፍልልያት ከመይ ጌሮም ከም ዝነብሩ ዝመሃሩ ኩኑ። ከምቲ ነፍሰኄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ካህናት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ “ክንዮ ዝኾነ ዓሌታውን ወገናውን መስመራት ብሰላም ብሓባር ብሰላም ምንባርኩም ምስክርነትኩም ንልቢ ክትንክፍ ይኽእል እዩ” (Africae Munus, 108)። ከምቲ ሓደ ናይ ቀደም ምስላ ዝብሎ: “ንፋስ ነቲ ኺጠውዮ ዚኽእል ዘበለ ኣይሰብሮን እዩ።” እቲ ዘሕዝን ግን ታሪኽ ብዙሓት ህዝብታት እዛ ኣህጉር ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ስቓይን ዓመጽን ክጥምዝዝ ምግዳዱ። ኣብ ልቢ ኩሉ ሰብ ሓደ ድሌት እንተሃልዩ፡ ዳግማይ ከምኡ ምግባር፡ ዳግማይ ኣብ ቅድሚ ትዕቢት ሓያላት ክትሰግድ፡ ወይ’ውን ንኣርዑት በደል ክትግዛእ ዘይምግዳድ’ዩ። ገና ግን ነቲ ምስላ ብቐንዱ ብኣወንታዊ መንገዲ ክንርድኦ ንኽእል ኢና፡ ምስ ድኽመት ዘይኮነስ ምስ ሓይሊ ዝመሳሰል ዓይነት ምጥዋይ ኣሎ። ስለዚ ምጥዋይ ምልክት ተዓጻጻፊ ናይ ምዃንን ጽንዓት ናይ ምብዳህን ምረትን ቂምታን ምግዛእ ዝኣበየ ተኣዛዚ መንፈስ ናይ ምምዕባል ክእለት ክኸውን ይኽእል። ምልክት ናይ ምልዋጥን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሳብን መርገጺን ሱር ሰዲዱ ዘይምድራቅ እዩ። ብትሕትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር እንተ ሰጊድና ከማኡ ከምንኸውን፣ መጋበሪ ምሕረት ከም እንኸውን ይገብረና። ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምቊሉላት ኮይንና እንተጸኒሕና፡ ኣብ ደረቕ ቆላታት ዓመጽ ሩባታት ሰላም ከምነውሕዙ ገቢሩ፡ ናይ ዕርቂ ህዝቢ፡ ንዘተን ዝርርብን ክፉታት፡ ምቅባልን ምሃብን ይቕረታ ዝኽእል ህዝቢ ክንከውን ይኲስኲሰና። ካብዚ ብምብጋስ እቲ ህቦብላዊ ንፋስ ግርጭትን ምፍልላይን ክነፍስ እንከሎ፡ ብፍቕሪ ኣምላኽ ስለ እንመልእ ኣይንሰበርን ኢና። ኩሉ ግዜ ብንፋሳት ምፍልላይ ፈጺምኩም ዘይትሰብሩ ንምሕረት እግዚኣብሔር ምሕረት ተኣዘዝቲ ኩኑ። ኣሕዋተይ ስለ መን ምዃንኩምን እንታይ ትገብሩን፡ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ብእትህብዎ ምስክርነትኩም ብልበይ አመስግነኩም። ተስፋ ኣይትቑረጹ፣ ስለ እተድልዩና! ክቡራትን ኣገዳስትን ኢኹም። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ብስም መላእ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኩሉ ግዜ ምጽንናዕ ጐይታ እተመሓላልፉ መስኖታት ሕጉሳት መሰኻኽር ወንጌል፡ ኣብ መንጎ ህቦብላ ዓመጽ ነብያት ሰላም፡ ንቑስሊ ድኻታትን መከራን ንምሕብሓብ ወትሩ ድሉዋት ደቀ መዛሙርቲ ፍቕሪ ኩኑ። ስለቲ ኣገልግሎትኩምን ጉስነታዊ ቅንኣትኩምን ደጊመ አመስግነኩም። እባርኸኩም ኣሎኹ! ኣብ ልበይ ድማ ተሰኪመኩም ኣለኹ። በጃኹም ኩሉ ግዜ ስለይ ጸልዩ ቢለ እውን እልምነኩም! ] ”

ብድምጺ ንምክትታል!
03 February 2023, 10:48