ድለ

06/02/2022 ርእደ መሬት ኣብ ቱርክን ሶርያን 06/02/2022 ርእደ መሬት ኣብ ቱርክን ሶርያን  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘሕደረሎም መሪር ሓዘን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ዘጋጠመ ገዚፍ ሓደጋ ርእደ መሬት ምስ ተሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ኣብ ቱርክን ሶርያን ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ገዚፍ ክሳራ ህይወት ከቢድ ሓዘን ከም እተሰምዖም ዝገልጽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናይ ሓገዝን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም ከም ዘመሓላለፉን፥ ነቲ ኣብ  ከቢድ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ እተን ክልተ ሃገራትን ንዅሎም ግዳያትን ጸሎት ኣረጋጊጾም “ቀረባኹም እየ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርክን ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያን ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት ዘስዓቦ ገዚፍ ኪሳራ ህይወት ምስ ተሓበሩ ዝተሰምዖ ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝገለጹን እቲ 7.8 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ዕለት 6 ለካቲት ንግሆ ንሰፊሕ ከባቢ ናይተን ሃገራታ ጎረባብቲ እውን ከም ዝጎድአን ህንጻታት ከም ዝባደመን ብዙሓት በሸሓት ዝቑጸሩ እውን ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ገና ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ህንጻታት ተዓጊቶም ከም ዘለዉን ናይ ሕጹጽ ሓደጋ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወት ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዘጋጠመ ዕንወት ህጻታት ኣብ ግምት ብምእታው ቁጽሪ ዝሞቱ ክብ ክብል ከም ዝኽእል ሓቢሮም፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ዝተቐብሩ ሰባት ንምድሓን ብርቱዕ ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ዘጋጠመ ገዚፍ ሓደጋ ርእደ መሬት ምስ ተሓበሩ ናይ ቅድስቲ  መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ናይ መጸናንዒ ቃል ብምቕራብ፡ ኣብ ቱርኪ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ማረክ ሶልችዝይንስኪ ከምኡ እውን ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ዘናሪ ንህዝቢ እተን ሃገራት መንፈሳውያን ሰብኣውን ቅርበተይ ኣመሓላልፉሎም ከም ዝበሉን ኵሉ ነቲ ዝተጎአድአ ህዝቢ ሓገዝ ከቕርብ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም “ንፈቃር ምሕረት እቲ ልዑል” ኣወኪፎም ንኣባይቲ ስድራ ምውታት ልባዊ ምጽንናዕ ይሃቦም” ቢሎም፥ ልዑል ፈጣሪ “ነቶም ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ሓገዝ ምቕራብን ኣብ ኣድሕን ሕይወት ካብ ሓደጋ ንዝተዋፈሩ ኣብ ቀጻሊ ጻዕርታቶም የጽንዓዮም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥ ማእከል ናይቲ ሰዓት ኣርባዕተን ኣሰርተ ሸውዓተን ደቓይቕ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ቱርክን ሶርያን ኣብ ዘዳብው ኣብ ኣውራጃ ጋዚያንተፕ ከም ዝርከብን፡ ኣብ ቱርኪ ምብራቓዊ ኣናቶልያ ፋልት ኣብ ዓለምና ሓደ ካብቶም ንርእደ መሬት ሓደጋ ኣዚዮም ዝቃልዑ ዞባ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፥ ናይ ቱርክ ርእሰ ብሔር ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ ብውሕዱ 2,800 ሕንጻታት ከም ዝፈረሰ ከም ዝገለጹን፡ እቲ ዝገደደ ድማ ካልኣይ ርእደ መሬት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርክ ዕለት 6 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ዘጋጠመ ኮይኑ ማእከል ናይቲ ርእደ መሬት ድማ ካብ ጋዚያንቴፕ ኣስታት 80 ማይልስር ርሒቑ ዝርከብ ከባቢ ምዃኑን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበ ስልጣን ሶሪያ ኣብቲ ብመንግስቲ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ብውሕዱ 320 ሰባት ከም ዝሙትን ሰራሕተይናታት ሕይወት ኣድሕን ብወገኑ ብውሑድ ካልኦት 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዓማጽቲ ኣብ ዝርከባ ኣውራጃታት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ዝሃብዎ ሓበሬታ ተወኪሱ፥ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ብሪጣንይ ኣስራኤል ሽወደን ፈረንሳን ጀርመንን ናይ ሓገዝ ቃል ከም እተኣተወን ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ናብቲ ዞባ ይልኣኹ ከም ዘለዉን ግሪኽ እውን ነቲ ብርእደ መሬት ዝተጎደአ ከባቢ ዝቐርብ ረድኤት ተተኣኻኽብ ምህላዋ የመላኽት።

ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ባሕሪ ኤጅያን 7.0 ዝዓቐኑ ርእሰ መሬት ኣጋጥሚ 116 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 1000 ዝግመቱ ድማ ከም ዝቖሰሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

07 February 2023, 15:29