ር.ሊ.ጳ.፥ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ነገልግሎት ሰብኣውነት ክኸውን ኣለዎ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ናይ ሕይወት ተቕዋም፥ “ርክብ ኣብ መንጎ ሰብን ዝቕልቀል ዘሎ ምዕባለ እደ ጥበብን ናይ ሓባር ረብሓን” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተግባእያን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ምዕባለ ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ኩሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ክብርን ዘይንጽል ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለን ክኸውን ከም ዘለዎ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዚ ሰሙን እዚ ጳጳሳዊ ናይ ህይወት ተቕዋም ኣብ ስነ ምግባራዊ መዳያት ናይቲ “ምስ ስነ ህይወት ዝተኣሳሰሩ ዕድ ጥበባዊ ምዕባለታት ስነ ፍልጠት” ኣተኩይር ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኢ ኣብ ዘካይደሎ ዘሎ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ክፍለ ዓለም ዝተዋጽኡ ምሁራት ተጋባእያን ተቐቢሎም፥ ኣብዚ ረቂቕ ዓውዲ ዘለዉ ሰለስተ ኣገደስቲ ብድሆታት ኣጉሊሖም፥ “ግስጋሰ ስነ ምግባርን ሕብረተሰብን ዝራኸብሉ ከምኡ እውን እምነት ኣብ ዘልኣለማዊ ተዛማድነቱ ክቡር ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ጽልዋ ምዕባለታት እደ ጥበብ ኣብ ኩነታት መነባብሮ ደቂ ሰባት
እቲ ቀዳማይ ብድሆ፥ ኣብ ኩነታት መነባብሮ ወዲ ሰብ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘምጽኦ ቅልጡፍ ለውጢ እዩ። ብርግጽ “ሓይልን ቅልጣፈን” ናይዞም ምዕባለታት ኣብ ከባቢናን ኣብ ኩነታት መነባብሮ ደቂ ሰባት ተራእዩ ዘይፈልጥ ጽልዋ የሕድር ከምዘሎን፡ “ኩሉ ግዜ ንጹርን ክትግምቶ ዘይከኣል ሳዕቤናትን ምዕባለታትን” ከምዘሕድር ቅድስነቶም ኣስተብሂሎም፡ ከምቲ በቲ ብዙሕ ቅልውላዋት ዘርእዮ ዓለም ሎሚ ካብ ለበዳ ሕማም ክሳብ ቅልውላው ጸዓትን ካብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ክሳብ ስደት ኣጋጢምዋ ኣሎ። ስለዚ “ጥዑይ ምዕባለ እደ ጥበብ ነዚ ዝተሓላለኸ ዝተሓናፈጸ ቅልውላው ኣብ ግምት ዘየእትው ክኸውን ኣይክእልን፡” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ዕደ ጥበብ ርክብ ደቂ ሰባት ክትክእ ስለዘይክእል ነቶም ተቓለዕቲ ክርስዕ የብሉን
እቲ ካልኣይ ብድሆ ድማ፡ ሓደስቲ ዕደ ጥበባት ኣብ ትርጉማት፥ “ሰብኣውነትን ዝምድናትን” ጽልዋ ዘለዎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ምስ ኩነታት ተቓላዕቲ ውልቀሰባት ብዝምልከት ከም ዝኾነን፥ ዕደ ጥበብ መልክዕ ተመክሮ ደቂ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ “ሰፊሑ” ይኸይድ ከም ዘሎ ኣስተብሂሎም፡ “ብዛዕባ ዋጋ ሰብኣውነት ዕቱብ ኣስተንትኖ” ከም ዘድሊ ብፍላይ ድማ “ኣገዳስነት ኣምር ውልቃዊ ሕልና ከም ሓደ . . . ዝምድናዊ ተመክሮ፡ እዚ ድማ ንኣካላውነት ይኹን ባህሊ ዕሽሽ ክብሉ ዘይከኣል እዩ።”
ኣብ መርበብ ዝምድናታት ባዕላውን ማሕበረሰባውን፡ እደ ጥበብ ንርክብ ደቂ ሰባት ክትክእ ኣይክእልን፡ ምናባዊ ነቲ ሓቀይና - ጭቡጥ ክትክእ ኣይክእልን እዩ። ማሕበራዊ መራኸብታት እውን ንማሕበራዊ ዓውዲ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ።
ኣስዒቦም፥ ኣብ ውሽጢ መስርሕ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር እውን እንተኾነ ኣብ መንጎ እቲ ሰብን ሕብረተሰብን ዘሎ ርክብ “ዝያዳ ዝተሓላለኸ ስነ ምግባራዊ ትርጉማት” ከም ዘመልክት፡ ንኣብነት ኣብ ጽላት ጥዕና ኣብኡ “ብፍላይ” ማዕረ ተበጻሕነት ክንክን ውሕስነት ምሃብ ህጹጽ ምዃኑ ኣጉሊሖም፥ ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ተኣፋፍያን ዝኾኑ ከም ስንኵላንን ሕሙማንን ድኻታትን” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
እደ ጥበብን ባህልታትን
ስለዚ እዩ ድማ “ቅልጣፈ ለውጢ፥ ኣብ መንጎ ለውጥታት ዘሎ ምትእስሳር ሓፈሻዊ ሚዛን ናይ ምውሓስ ተኽእሎን ምክትታል” ኣገዳሲ ዝኸውን፡ እዚ ሚዛን እዚ ኣብ ዝተፈላለየ ባህልታት ዝተፈላለየ ምዃኑ እውን ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ኣለዎ፥
(ጻዕርታት) ክሉ ሰብ ካብ ክብርታት ባህሉ ጀሚሩ ናይ ምምሃዝ ዓቕሙ ንምምዕባል ንዕኡ ፍሉይ ዝኾነ ቅዲ ሒዙ ክዓቢ ዝዓለመ ክኸውን ይግባእ፡
ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ዕደ ጥበብን ሕብረተሰብን ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ምድንፋዕ
ኣብ መወዳእታ እቲ ሳልሳይ ብድሆ ትርጉም ኣምር ፍልጠትን ውጽኢታዊ ሳዕቤናቱን እዩ፡ “እቲ እነተግብሮ ዓይነት ፍልጠት ድሮ ንባዕሉ ግብረ ገባዊ ትርጉም ከም ዘለዎ” ብምጥቃስ፡ ኣብ ክንዲ ቀለልቲ ኣገባባት “እቲ ንጽል ፍጻመታት ዝተስፍየሎም ዝምድናታት ምትሕንፋጽ” ኣብ ግምት ብምእታው ዝያዳ “ኣንደበተ ርቱዓን ኣርኣያ” ከም ዘድሊ ብኣጽንዖት ኣስሚሮም፥ ምስ እዚ ብዝምልከት ኣብ ሓዋርያዊ ምዕዳን ወንጌላዊ ሓሴት ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ይሴባሕ ዓዋዲ መልእኽቲ “ምሉእ ካብቲ ክፋል ይዓቢ፡ ኵሉ ኣብዓለም ዘሎ ውሳጣዊ ምትእስሳር ኣለዎ ኣብ ዝብል መትከል ዝተሰርተ ሰብ ማእከል ዝገበረ ጥበባዊ ፍልጠት ተሰሚሩሉ ኣሎ። “ኣብ ቲዮሎጊያዊ ዓውዲ እውን ዝተሓድሰ ኣተሓሳስባ” ከዕቢ ይኽእል። ብሓቂ ክርአ እንከሎ “ቲዮሎጊያ ንፍሉይ ኣገባባት ሰጊሩ ኣብ ትርጉም ሓድሽ ሰብኣውነት ኣበርክቶ ክገብርን ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን እደ ጥበብን ሕብረተሰብን ሓድሕዳዊ ምስማዕን ምርድዳእን ምትብባዕን ሰናይ እዩ፥”
ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ዕደ ጥበብን ሕብረተሰብን ሃናጺ ዘተ ዘይምህላዉ ነቲ ኣብ መሰረት ኵሉ ሰብኣዊ ሓባራዊ ህይወትን ኩሉ ዓይነት “ማሕበራዊ ምሕዝነትን” ዝኾነ ሓድሕዳዊ ምትእምማን የድክዮ።
ተራ ሃይማኖታት
ሃይማኖታዊ ትውፊታት ኣብ ሃናጺ ዘተ ክገብሮ ዝኽእል ወሳኒ ኣበርክቶ ኣጉሊሖም፡ እቲ ጥንታዊ ጥበባቶም “ኣብዚ መስርሕ ክሕግዝ ከም ዝኽእል” ቅዱሰንቶም ኣመልኪቶም፥ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ሕይወት ተቕዋም “ስነ ፍልጠታውን ዕደ ጥበባውን ዕብየት ምስ ጎናዊ ምዕባለ ወዲ ሰብ እናተዓረቐ ክኸይድ” ዝገብሮ ጻዕርን ተወፋይነትን ክቕጽል ኣተባቢዖም፥ ነቶም ዝተሓላለኹ ዛዕባታት ንምፍታሕ “ሰገር - ዓውደ ፍልጠታዊ ዘተን ምትሕብባርን ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖም ብምዝኽካር ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።