ር.ሊ.ጳ. ስነ ፍልጠት ንኣገልግሎት ሰብኣውነት ክኸውን ኣለዎ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 23 ለካቲት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ጀርመን ‘ማክስ ፕላንክ ሶሳይቲ” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባላት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ቃለ ምዕዳን እውን ከም ዝለገሱን ቅዱስነቶም፥ ድሕሪ ዘቕረብዎ ሰላምታ፥ “ስነ ምርምራዊ ፍልጠትን መጽናዕትን ውጥናቱን ሰብኣውነት ማእከል ዝገበረ ክኸውን” ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ጀርመን ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ማእከል ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ዝኾነ ኣብ 1911 ዓ.ም. ካይሰር ዊልሀልም ተቛም ብዝብል ስም ዝቖመ ኣብ 1948 ዓ.ም. ማክስ ፕላንክ ዝብል መጸውዕ ዝተውሃቦ ኣብ ፍሉያት መዳያት ስነ ምርምር ንምዕባለ ስነ ፍልጠት ዝገብሮ ተወፋይነት ክቡር ምዃኑ ኣጉሊሖም፥ ነቲ ማሕበር “ብፖለቲካ ወይ ብቑጠባ ባህሪ ብዘለዎ ጽልኢ ዘይጽለው ንጹሕ ስነ ፍልጠት ዘማዕብል እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ሰባት ንምትካእ ዝብል ዘለዎ ሓደጋታት
ኣብ እዋን ቅልጡፍ ለውጢ ዕደ ጥበብ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ንኣእምሮኣውን ስምዒታውን ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት ብሰብ ሰርሖ ምስትውዓል ንምትካእ ዝዓለመ ከይኸውን ኣጠንቂቖም፥ ስነ ምግባርን ሕብረሰብን ብሓፈሻ ኣገደስቲ ጒዳያት ናብ ቅድሚት ዘምጽእ፡ ኣንፈትና ናበይ እዩ? ናይ ሕይወት ናይ መወዳእታ ትርጒም እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።. . . ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ ጸገማት ብኸመይ ንፈትሖ ዝብል ሕቶ ዘስተንትን ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ሓላፍነት ሓልዮት ካልኦት
ኣብ ውሽጢ እዚ ካልኣይ ናይ ስልጣነ ዘመን ኣብ ዝንበረሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ምርጫ መብዛሕቲኡ ግዜ ንመትከል ክህሎት ሓላፍነት ከም ዝተወሃበን . . . ስለዚ ኣብ ስነ ፍልጠት ንጽቡቕ ወይ ንክፋእ ንዝብል ግብረ ገባዊ ሚዛን ቦታ ከም ዘይህብ ገሊጾም . . . ሎሚ ኣብ ልዕሊ እቲ ብስነ ምግባር ሕጋዊ ዝኾነ ነገር ቅድመ ኵነት ይወሃቦ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ ልዕሊ ኩሉ ካብ ምቕዳም ንኻልኦት ምሕላይ ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም፥
ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ ነቲ እንገብሮ ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እቲ ክንገብሮን ከይንገብሮን እንኽእልን ናይ ዝብል ምርጫታት ሓላፍነት ስለ ዘሎና!
ቢሎም ናይቲ ናይ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣባላት ናብ ሃገረ ቫቲካን ስለ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣመስጊኖም፡ ከምኡ እውን ኣብ ምርምር ኣብ እተፈላለየ ውጥናት መንፈስ ቅዱስ ክድግፎም ተማሕጺኖም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።